bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Ezekiel 14
Ezekiel 14
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ብዙሓት ካብቶም ዓበይቲ እስራኤል ከዓ ናባይ መፂኦም፥ ኣብ ቅድመይ ተቐመጡ።
2
ከምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ድማ ናባይ መፀ፦
3
“ኣታ ወዲ ሰብ፥ እዞም ሰባት እዚኣቶም ንጣዖታት ኣብ ልቦም ኣሕዲሮምዎም ኣለዉ፤ ነቲ ናይ በደሎም መቕሰፍቲ ኸዓ ኣብ ቅድሚ ገፆም ኣቝሞምዎ ኣለዉ፤ ከመይ ኢለ ደኣ በዚኣቶም ክጥየቕ እየ?”
4
ስለዙይ ተዛረቦም ጐይታ እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል፦ “ሓደ እኳ ኻብ ቤት እስራኤል ጣዖታቱ ኣብ ልቡ ዘሕድር፥ ነቲ ናይ በደሉ መቕሰፍቲ ኸዓ ኣብ ቅድሚ ገፁ ዘቕውም፥ ናብ ነቢይውን እንትመፅእ፥ ኵላቶም ብሰንኪ ጣዖታቶም ካባይ ዘምቢሎም እዮም እሞ፥ ንቤት እስራኤል ብልቦም ምእንቲ ኽሕዞምስ፥ ኣነ እግዚኣብሄር ከም መጠን ብዝሒ ጣዖታቱ ኽመልሰሉ እየ፤ ኢልካ ንገሮም።”
6
ስለዙይ “ንቤት እስራኤል በሎም፥ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ተነስሁ፤ ካብ ጣዖታትኩም ተመለሱ፤ ካብ ኵሉ ርኽሰትኩም ከዓ ገፅኩም ምለሱ።
7
“ሓደ እኳ ኻብ ቤት እስራኤል ወይ ካብቶም ኣብ እስራኤል ዝነብሩ ዘለዉ መፃእተኛታት ካባይ ዝርሕቕ፥ ንጣዖታቱ ኣብ ልቡ ዘሕድር፥ ነቲ ናይ በደሉ መቕሰፍቲ ድማ፥ ኣብ ቅድሚ ገፁ ዘቕውም፥ ንኣይ ክጥይቐሉ ኢሉውን ናብ ነቢይ ዝመፅእ፥ ኣነ እግዚኣብሄር ባዕለይ ክመልሰሉ እየ።
8
ነዝ ሰብ እዙይ ኣነ ገፀይ ክመልሰሉ፥ ንምልክትን ምሳሌን ከዓ ኽገብሮ፥ ካብ ማእኸል ህዝበይውን ከፅንቶ እየ፤ ንስኻትኩምውን እግዚኣብሄር ምዃነይ ክትፈልጡ ኢኹም።
9
“ቤት እስራኤል፥ ህዝበይ ክኾኑ፥ ኣነውን ኣምላኾም ክኽውን እምበር፥ ድሕሪ ሕዚ ኻባይ ከይዝምብሉ፥ ሕጊ ብምፍራሶም ከዓ ኸይረኽሱስ፥ እቲ ነቢይ እኳ ተጋግዩ ቓል እንተ ተዛረበ፥ ነቲ ነቢይ እቱይ፥ ኣነ እግዚኣብሄር እየ ዘታለልኩዎ፤ ኢደይ ናብኡ ኽዝርግሕ እየ እሞ፥ ካብ ማእኸል ህዝበይ እስራኤል ከጥፍኦ እየ፤ በደሎም ድማ ኽፆሩ እዮም፤ በደል እቲ ነቢይ ማዕረ፥ በደል እቲ ጠያቒኡ ክኸውን እዩ” ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።
12
ከምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ድማ ናባይ መፀ፦
13
“ኣታ ወዲ ሰብ፥ እታ ምድሪ የመና ጠሊማ፥ ኣባይ ሓጢኣት እንተ ገበረት፥ ኣነ ኸዓ ኢደይ እንተ ዘርጋሕኹላ፥ ነቲ ምርኩስ እንጀራኣ ድማ እንተ ሰበርኩላ፥ ጥሜት ከዓ እንተ ሰደድኩላ፥ ሰብን እንስሳንውን እንተ ኣፅነትኩላ፥
14
እዞም ሰለስተ ሰባት ኖህ፥ ዳንኤልን ኢዮብን ኣብኣ እኳ እንተ ዝነብሩ፥ ንሳቶምስ ብፅድቆም ንነፍሶም ጥራሕ መድሓኑ፤ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።
15
“ብሰንኪ እቶም ኣራዊት ሓደ እኳ ብኣኣ ምሕላፍ ክሳዕ ዝስእን፥ ምድረ በዳ ገይሮም ክሳዕ ዘጥፍእዋ ኣነ ሕሱማት ኣራዊት ኣብ ማእኸል እታ ሃገር እንተ ሰደድኩ፥
16
እዞም ሰለስተ ሰባት እኳ ኣብኣ እንተ ዝነብሩ፥ ኣነ ህያው እየ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ፥ ንሳቶምስ ንርእሶም ጥራሕ ደኣ መድሓኑ እምበር፥ ነወዳት ወይ ነዋልድ ደቆም ኣይመድሓኑን፤ እታ ምድሪ ኸዓ ምባደመት።
17
ወይ ንሰብን እንስሳን ካብኣ ኸጥፍእስ፥ ሰይፊ ኣብ ማእኸል እታ ምድሪ ይሕለፍ ኢለ፥ ሰይፊ ናብታ ምድሪ እንተ ኣምፃእኹ እሞ፥
18
እዞም ሰለስተ ሰባት እኳ ኣብኣ እንተ ዝነብሩ፥ ኣነ ህያው እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ፥ ንሳቶም ንርእሶም ጥራሕ ደኣ መድሓኑ እምበር፥ ነወዳት ወይ ነዋልድ ደቆም ኣይመድሓኑን።
19
“ወይ ሰብን እንስሳን ካብኣ ኸጥፍእስ፥ ፌራ ናብታ ሃገር እቲኣ እንተ ሰደድኩ፥ ቍጥዓይ ከዓ ብደም እንተ ኣፍሰስኩ፥
20
ኖህ፥ ዳንኤልን ኢዮብን እኳ ኣብኣ እንተ ዝነብሩ፥ ንሳቶምስ ብፅድቆም ንነፍሶም ጥራሕ ደኣ መድሓኑ እምበር፥ ኣነ ህያው እየ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ፥ ነወዳት ወይ ነዋልድ ደቆም ኣይመድሓኑን።”
21
ስለዙይ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ሰብን እንስሳን ካብኣ ኸጥፍእስ፥ ነተን ኣርባዕተ ብርቱዓት ፍርደይ፥ ሰይፍን ጥሜትን ሕሱማት ኣራዊትን ፌራን ኣብ ኢየሩሳሌም እንተ ሰደድኩውን፥
22
እንሆ ዘምልጡን፥ ኣወዳትን ኣዋልድን ዘምፅኡ ተረፍ ክህልውዋ እዮም። እንሆ ኸዓ፥ ንሳቶም ናባኻትኩም ክመፁ እዮም፤ ንመንገዶምን ግብሮምን ድማ ኽትሪኡ ኢኹም፤ ንስኻትኩምውን በቲ ኣነ ኣብ ኢየሩሳሌም ዘውረድክዎ መዓትን በቲ ዘውረድኩላ ዅሉን ክትፀናንዑ ኢኹም።
23
መንገዶምን ግብሮምን ምስ ረአኹም፥ ንምፅንናዕኹም ክኾኑ እዮም። ኵሉ እቲ ዝገበርክዎ፥ ብዘይ ምኽንያት ከም ዘይገበርክዎ ኽትፈልጡ ኢኹም” ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።
← Chapter 13
Chapter 15 →