bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Ezekiel 13
Ezekiel 13
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ከምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ድማ ናባይ መፀ፦
2
“ኣታ ወዲ ሰብ፥ ነቶም ዝንበዩ ዘለዉ ነቢያት እስራኤል፥ ኣንፃሮም ተነበየሎም፤ ነቶም ካብ ልቦም ፈጢሮም ዝንበዩ ዘለዉውን፥ ቃል እግዚኣብሄር ስምዑ” ኢልካ ንገሮም።
3
እግዚኣብሄር ኣምላኽ፥ “ነቶም ዝኾነ ኸይረኣዩስ፥ ንመንፈስ ርእሶም ዝስዕቡ ዓያሹ ነቢያት ወይለኦም” ይብል ኣሎ።
4
“ኣታ እስራኤል፥ ነቢያትካ ኸምተን ኣብ ምድረ በዳ ዝነብራ ወኻሩ እዮም።
5
በታ መዓልቲ እግዚኣብሄር ኣብ ኲናት ቀጥ ኢልኩም ክትቆሙ፥ ናብቲ ፍራስ ኣይወፃእኹምን፤ ኣብ ዙርያ ቤት እስራኤልውን ቅፅሪ ኣይሰራሕኹምን።
6
እቶም እግዚኣብሄር እንተይለኣኾም፥ እግዚኣብሄር ይብል ኣሎ፥ ኢሎም ቃሎም ከም ዝፍፀም ዘተስፍዉ፥ ከንቱነትን ትንቢት ሓሰትን እዮም ዝረአዩ።
7
ኣነ ኸይተዛረብኩስ ንስኻትኩም፥ ‘እግዚኣብሄር ይብል ኣሎ’ እትብሉ ዘለኹም ከንቱ ራእይዶ ኣይኮነን ዝረአኹምዎ? ትንቢት ሓሰትዶኸ ኣይኮነን እተዛረብኩምዎ?”
8
ስለዙይ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብሎም ኣሎ፦ “ከንቱነት ስለ እተዛረብኩም ሓሰት ራእይውን ስለ ዝረአኹም፥ ስለዙይ እኒሀኹ ኣነ ኣብ ልዕሌኹም እየ” ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።
9
ኢደይ ከዓ ነቶም ከንቱነት ዝሪኡን ሓሰት ዝንበዩን ነቢያት ክትፃረሮም እያ፤ ንሳቶም ኣብ ባይቶ ህዝበይ ኣይህልዉን፤ ኣብ መፅሓፍ ቤት እስራኤል ድማ ኣይፀሐፉን፤ ናብ ምድሪ እስራኤል ከዓ ኣይኣትዉን እዮም፤ ኣነውን እግዚኣብሄር ኣምላኽ ምዃነይ ክፈልጡ እዮም።
10
“ሰላም ዘየለስ፥ ሰላም ኣሎ፥ ኢሎም ንህዝበይ ኣስሒቶም እዮም፤ ንሱ መንደቕ እንተ ነደቐ እንሆ ንሳቶም ሓሰር ብዘይብሉ ጭቃ ይመርግዎ።
11
ነቶም ሓሰር ብዘይብሉ ጭቃ ዝመርጉ ሰባት፥ ክወድቕ እዩ በሎም። ዝደማስስ ዝናም ክዘንም እዩ፤ ኣውሎ ንፋስ ከዓ ኸፍርሶ እዩ።
12
እንሆ እቲ መንደቕ ምስ ፈረሰ፥ እቲ ዝለቕለቕኩምሉ ፀብርስ ኣበይ ኣሎዶ ኣይብሉኹምን እዮም?”
13
ስለዙይ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ብመዓተይ ህቦብላ ንፋስ ክሰድድ ብቝጥዓይ ድማ ዝደማስስ ዝናም ከዝንም፥ ብመዓተይውን ዘጥፍእ ኣእማን በረድ ከውርድ እየ።
14
ነቲ ብዘይ ሓሰር ብጭቃ ዝለቕለቕኩምዎ መንደቕ ከፍርሶን፥ ናብ ምድሪ ኽድርብዮን እየ፤ መሰረቱውን ጋሕ ክብል እዩ፤ ንሱ ኽወድቕ እዩ፤ ንስኻትኩም ከዓ ኣብ ማእኸሉ ኽትጠፍኡ ኢኹም እሞ፥ ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ክትፈልጡ ኢኹም።
15
“ነቲ መንደቕን፥ ነቶም ሓሰር ብዘይብሉ ጭቃ ዝለቕለቕዎን፥ ሕነ ቝጥዓይ ክወፀሎም እየ። ኣነ ድማ፥ እቲ መንደቕ የለን፤ እቶም ዝለቕለቕዎውን የለዉን ክብለኩም እየ።
16
ንሳቶም ከዓ እቶም ብዛዕባ ኢየሩሳሌም ዝንበዩ፥ ራእይ ሰላም ዝሪኡላ ዘለዉ ነቢያት እስራኤል እዮም፤ ግና ሰላም የለን፤ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።”
17
“ንስኻውን ኣታ ወዲ ሰብ፥ ገፅካ ናብተን ካብ ልበን ፈጢረን ዝንበያ ኣዋልድ ህዝብኻ ኣብል፤ ኣንፃረን ድማ ተነበየለን።
18
ንነፍሳት ከፈንጥራ፥ እተን መኼዳ ንዅሉ ዅርናዕ ኣእዳው ዝሰፍያን፥ ንዅሉ ዓቢይን ንእሽተይን ርእሲ ድማ፥ መጐልበቢ ዝገብራን ወይለአን! ነፍሳት ህዝበይ እተፈንጥራ፥ ነፍስኻትክንዶ ኽተድሕና ኢኽን? ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኢልካ ንገር።
19
“ንስኻትክን ነተን ዘይሞታ ነፍሳት ንሞት እናወፈኽን፥ ነተን ብህይወት ክነብራ ዘይግብአን ነፍሳት ከዓ ህይወተን እናድሓንክን፥ ነቲ ሓሰት ዝሰምዕ ህዝበይ እናሓሰኽን፥ ምእንቲ ዕዅቲ ስገምን ቍራስ እንጀራን ኣብ ህዝበይ ተርክሳኒ ኣለኽን።”
20
ስለዙይ ከዓ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “እንሆ ኣነ ነተን ንነፍሳት ከም ኣዕዋፍ እተፈንጥራለን መኼዳታትክን ተሓንየለን ኣለኹ፤ ካብ ቅልፅምክን ድማ ኽቐደን፥ ነተን ነፍሳት፥ ነተን ከም ኣዕዋፍ ዘፈንጠርክናለን ነፍሳት ሓራ ኸውፅአን እየ።
21
ነቲ መጐልበቢኻትክን ኽቐዶ፥ ንህዝበይ ከዓ ኻብ ኢድክን ከድሕኖ እየ፤ ከይተፈንጥራኦምውን ኣብ ኢድክን ኣይኾኑን እዮም እሞ፥ ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ክትፈልጣ ኢኽን።
22
“ንልቢ እቲ ፃድቕ ኣነ ኸሕዝኖ ዘይደለኹስ፥ ንስኻትክን ብሓሰት ስለ ዘሕዘንክናኦ፥ እቲ ሓጥእ ካብ መንገዲ ሓጢኣት ከይምለስ እሞ ኸይድሕንስ፥ ኣእዳዉ ስለ ዘበርታዕኽን፥
23
ስለዙይ ከንቱ ራእይ ኣይትሪኣን፤ ድሕሪዙይ ከዓ ጥንቈላ ኣይትጥንቁላን ኢኽን። ንህዝበይውን ካብ ኢድክን ከናግፎ እየ እሞ፥ ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ክትፈልጣ ኢኽን።”
← Chapter 12
Chapter 14 →