bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Ezekiel 12
Ezekiel 12
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ከምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ድማ ናባይ መፀ፦
2
“ኣታ ወዲ ሰብ፥ ንስኻ ኣብ ማእኸል ቤት ዓመፅቲ ትነብር ኣለኻ፤ ዓመፅቲ ቤት እዮም እሞ፥ ንምርኣይ ኣዒንቲ ኣለዎም፤ ግና ኣይሪኡን፤ ንምስማዕ ከዓ ኣእዛን ኣለዎም፤ ግና ኣይሰምዑን።”
3
ስለዙይ “ኣታ ወዲ ሰብ፥ ከም ስደተኛ ዄንኻ ጓዓዝ ኣዳሉ እሞ፥ ኣብ ቅድሚኣቶም ብመዓልቲ ተልዓል። ዓማፂ ቤት እዮም እሞ፥ ምናልባሽ እንተ ኣስተንተኑ፥ ኣብ ቅድሚኣቶም ካብ ስፍራኻ ናብ ካልእ ስፍራ ገዓዝ።
4
ከምቲ ጐዓዝ ስደት፥ ንጐዓዝካ ኣብ ቅድሚኣቶም ብመዓልቲ ኣውፅኣዮ፤ ከምቲ ንስደት ዝወፅእ ሰብ ኴንካ፥ ኣብ ቅድሚኣቶም ምሸት ውፃእ።
5
ኣብ ቅድሚኣቶም ነቲ መንደቕ ኣንኵሎ፤ ብእኡ ድማ ኣውፅኣዮ።
6
ኣብ ቅድሚኣቶም ኣብ መንኰብካ ፁሮ፤ ምስ ፀልመተ ድማ ኣውፅኣዮ። ንቤት እስራኤል ምልክት ገይረካ እየሞ፥ ነዛ ምድሪ ምእንቲ ኸይትሪኣ ገፅካ ሸፍን።”
7
ኣነ ድማ ኸምቲ ዝኣዘዘኒ ገበርኩ፤ ንጓዓዘይ፥ ከም ጓዓዝ ስደት ገይረ፥ ብመዓልቲ ኣውፃእኽዎ፤ ምሸት ከዓ ነቲ መንደቕ ብኢደይ ኣንኰልክዎ። ምስ ፀልመተ ድማ፥ ኣብ ማእገረይ ፀይረ ኣብ ቅድሚኣቶም ኣውፃእኽዎ።
8
ንፅባሒቱ ኸዓ ኸምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ናባይ መፀ፦
9
“ኣታ ወዲ ሰብ፥ ቤት እስራኤል፥ ‘እዛ ዓማፂት ቤትስ፥ እንታይ ደኣ ኢኻ እትገብሮ ዘለኻ?’ ኢላዶ ኣይተዛረበትካን?
10
እግዚኣብሄር ኣምላኽ፥ እዝ ፆር እዙይ ነቲ ኣብ ኢየሩሳሌም ዘሎ ሓለቓን ነቶም ኣብ ማእኸላ ዘለዉ ዅሎም ቤት እስራኤልን እዩ፤ ይብል ኣሎ ኢልካ ንገሮም።
11
በልውን፥ ኣነ ምሳሌኹም እየ። ከምቲ ኣነ ዝገበርክዎ፥ ከምኡ ኽገብርዎም እዮም፤ ንሳቶም ብስደት ናብ ምርኮ ክኸዱ እዮም።
12
እቲ ኣብ ማእኸሎም ዘሎ ሓለቓ ኣብ ማእገሩ ፆይሩ፥ ምስ ፀልመተ ኽወፅእ እዩ፤ ምእንቲ ኸውፅእዎ፥ ነቲ መንደቕ ከንኵልዎ እዮም፤ ነታ ምድሪ በዒንቱ ኸይሪኣ ድማ ገፁ ኽሽፈን እዩ።
13
ኣነ ኸዓ መርበበይ ኣብ ልዕሊኡ እዝርግሐሉ፤ ብመፈንጠረይ ድማ ይተሓዝ፤ ናብ ባቢሎን፥ ናብ ምድሪ ከለዳውያን ከምፅኦ እየ፤ ግናኸ ኣብኣ ኽመውት እዩ፤ ኣይሪኣንውን።
14
ንዅላቶም ክሕግዝዎ ኢሎም ዝኸብዎን ንዅሎም ሰራዊቱን ናብ ኵሉ ንፋሳት ፋሕ ከብሎም፥ ደድሕሪኣቶም ድማ ሰይፈይ ክመዝዝ እየ።
15
“ኣብ ማእኸል ህዝብታት ምስ በተንክዎም፥ ኣብ ማእኸል ሃገራት ድማ ምስ ዘራእኽዎም፥ ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ክፈልጡ እዮም።
16
ካብኣቶም ግና ኣብቶም ዝኸድዎም ህዝብታት፥ ኵሉ ፍንፉን ነገሮም ምእንቲ ኸዘንትዉስ፥ ካብ ሰይፍን ጥሜትን ፌራን ውሑዳት ከትርፍ እየ፤ ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ከዓ ኽፈልጡ እዮም።”
17
ከምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ድማ ናባይ መፀ፦
18
“ኣታ ወዲ ሰብ፥ እንጀራኻ ራዕራዕ እናበልካ ብላዕ፤ ማይካ ኸዓ ብፍርሓት ቀጥቀጥ እናበልካ ስተ።
19
‘ንህዝቢ እዛ ሃገር እዚኣ፥ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ብዛዕባ እቶም ኣብ ኢየሩሳሌምን ኣብ ምድሪ እስራኤልን ዝነብሩስ፥ ሃገሮም ብሰንኪ ዓመፅ ኵሎም እቶም ዝነብርዋ፥ ምስቲ ኣብኣ ዘሎ ኽትባድም እያ እሞ፥ እንጀራኦም ብሰንፈላል ክበልዑ፥ ማዮም ድማ እናስካሕኽሑ ኽሰትዩ እዮም፤ እዘን ሰብ ዝነብረለን ዘለዋ ኸተማታት ክዓንዋ እየን፤ እታ ምድሪ ድማ ኽትባድም እያ፤ ንስኻትኩምውን ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ክትፈልጡ ኢኹም’ ይብል ኣሎ ኢልካ ንገሮም።”
21
ከምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ከዓ ናባይ መፀ፦
22
“ኣታ ወዲ ሰብ፥ ኣብ ምድሪ እስራኤል ዘመን ይነውሕ፤ ራእይ ዅሉውን ይጠፍእ ኣሎ፥ ኢልኩም እትምስሉስ እንታይ ዝምስላኡ እዩ እዙይ?
23
ስለዙይ ከምዙይ በሎም፥ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ነዝ ምስላ እዙይ መወዳእታ ኽገብረሉ እየ፤ ኣብ እስራኤል ከዓ መሊሶም ኣይምስሉዎን እዮም። ንስኻ ግና፥ ዘመንን መፈፀምታ ዅሉ ራእይን ይቐርብ ኣሎ፥ ኢልካ ደኣ ንገሮም።”
24
ስለዙይ “ኣብ ማእኸል ቤት እስራኤል ድሕሪዙይ ከንቱ ራእይን ናይ ሓሰት ትንቢትን ኣይኸውንን እዩ።
25
ኣነ እግዚኣብሄር እየ እሞ፥ ኣነ እየ ዝዛረብ፤ እቲ ቓል ከዓ ኽፍፀም እዩ፤ ኣይድንጕን ድማ እዩ፤ ኣቱም ዓማፂ ቤት ብዘመንኩም ቃል እዛረብ፥ እገብሮውን ኣለኹ፤ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።”
26
ከምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ከዓ ናባይ መፀ፦
27
“ኣታ ወዲ ሰብ፥ እንሆ፥ ቤት እስራኤል እቲ እትሪኦ ራእይ ‘ንዝመፅእ ነዊሕ ዘመን እዩ፤ ንርሑቕ ዘሎ ጊዜያት ድማ እዩ ዝንበ ዘሎ’ ይብሉ ኣለዉ።
28
ስለዙይ በሎም፥ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ድሕሪዙይ ካብተን ቃላተይ ሓንቲ እኳ ኣይትድንጕን እያ። እታ እተናገርክዋ ቓል ከዓ ኽትፍፀም እያ፤ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ” ኢልካ ንገሮም።
← Chapter 11
Chapter 13 →