bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Ezekiel 11
Ezekiel 11
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
መንፈስ ኣልዓለኒ፤ ናብቲ ወገን ምብራቕ፥ ናብቲ ናብ ምብራቕ ኣቢሉ ዝርኢ ደገ ቤት እግዚኣብሄር ድማ ወሰደኒ፤ እንሆ ኸዓ፥ ኣብቲ ኣፍ ደገ፥ ዕስራን ሓሙሽተን ሰብኡት ነበሩ፤ ኣብ ማእኸሎም ድማ ነቶም ኣሕሉቕ ህዝቢ፥ ያእዛንያ ወዲ ዓዙርያን ፈላጥያ ወዲ በናያን ረአኽዎም።
2
በለኒ ኸዓ፥ “ኣታ ወዲ ሰብ፥ እዚኣቶም ኣብዛ ኸተማ እዚኣ ሕሰም ዝሓስቡ፥ ክፉእውን ዝመኽሩ ሰባት እዮም።
3
ንሳቶም ድማ ‘ብሓቂ ኣባይቲ እንሰርሐሉ እዋን ዝቐረበዶ ኣይኮነን? ንሳ ድስቲ እያ፤ ንሕና ኸዓ ስጋ ኢና’ ይብሉ ኣለዉ።
4
ስለዙይ ኣንፃሮም ተነበየሎም፤ ኣታ ወዲ ሰብ፥ ተነበ” በለኒ።
5
መንፈስ እግዚኣብሄር ከዓ ኣባይ ወረደ እሞ፥ እግዚኣብሄር፥ “ኣቱም ቤት እስራኤል፥ ንስኻትኩም ከምዙይ ትብሉ ኣለኹም፤ ኣነውን ንሓሳባት ልብኹም እፈልጦ እየ፤ ኣብዛ ኸተማ እዚኣ ብዙሓት ቀተልኩም፤ ነደባባያታውን ቅቱላት መላእኹምዋ፤ ይብል ኣሎ ኢልካ ንገሮም” በለኒ።
7
ስለዙይ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “እቶም ኣብ ማእኸላ ዘንበርኩምዎም ቅቱላት፥ ንሳቶም ስጋ እዮም፤ ንሳ ኸዓ ድስቲ እያ፤ ንስኻትኩም ግና ኻብ ማእኸላ ኽትወፁ ኢኹም።
8
ሰይፊ ፈራሕኹም፤ ሰይፊ ድማ ኸምፅአልኩም እየ” ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።
9
ካብ ማእኸላ ኸውፅአኩም፥ ናብ ኢድ ጓኖት ከዓ ኸሕልፈኩም፥ ፍርድውን ኣባኻትኩም ክገብር እየ።
10
ብሰይፊ ኽትወድቁ ኢኹም፤ ኣብ ወሰን እስራኤል ክፈርደኩም እየ፤ ንስኻትኩምውን ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ክትፈልጡ ኢኹም።
11
እዛ ኸተማ እዚኣ ድስቲ ኣይትኾነልኩምን፤ ንስኻትኩምውን ኣብ ማእኸላ ስጋ ኣይትኾኑን ኢኹም፤ ኣብ ወሰን እስራኤል ክፈርደኩም እየ።
12
ንስኻትኩምስ ሕጊ እቶም ኣብ ዙርያኹም ዘለዉ ኣህዛብ ገበርኩም እምበር፥ ከም ትእዛዛተይ ኣይተመላለስኩምን፤ ፍርደይ ከዓ ኣይገበርኩምን እሞ፥ ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ክትፈልጡ ኢኹም።
13
ኮነ ኸዓ፥ ኣነ ኽንበ እንተለኹ፥ ፊላጥያ ወዲ በናያስ ሞተ፤ ሽዑ ብግምባረይ ተደፊአ ዓው ኢለ፥ “ኣየ ኣታ እግዚኣብሄር ኣምላኽ፥ ነቶም ተረፍ እስራኤልዶ ፈፂምካ ኽተጥፍኦም ኢኻ?” ኢለ ኣእዌኹ።
14
ከምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ድማ ናባይ መፀ፦
15
“ኣታ ወዲ ሰብ፥ እቶም ኣብ ኢየሩሳሌም ዝነብሩ እዮም ኣሕዋትካ፤ እወ ኣሕዋትካ፥ እቶም ኣዝማድካን ኵሎም ቤት እስራኤልን ካብ እግዚኣብሄር ረሓቑ፤ ‘እዛ ሃገር ንኣና ንርስቲ ተውሂባትና እያ’ በልዎም።”
16
ስለዙይ ከዓ፥ እግዚኣብሄር ኣምላኽ፥ “ናብ ማእኸል ህዝብታት እኳ እንተ ኣርሓቕክዎም፥ ኣብ ማእኸል ሃገራትውን እንተ በተንኩዎም፥ ኣብቲ ዘዝመፅዎ ሃገራት ንቑሩብ ጊዜ መቕደስ ክኾኖም እየ” ይብል ኣሎ ኢልካ ንገሮም።
17
ስለዙይ ድማ እግዚኣብሄር ኣምላኽ፥ “ካብቶም ህዝብታት ክእክበኩም፥ ካብቲ ፋሕ ኢልኩምዎ ዘለኹም ሃገራት ከዓ ኽኣኻኽበኩም፥ ንምድሪ እስራኤልውን ክህበኩም እየ” ይብል ኣሎ ኢልካ ንገሮም።
18
ናብኣ ኸዓ ኽመፁ እዮም፤ ኵሉ እቲ ኣብኣ ዘሎ ፅዩፍ ነገራን ኵሉ ርኽሰትን ድማ ኻብኣ ኸርሕቕዎ እዮም።
19
ብትእዛዛተይ ምእንቲ ኽመላለሱ፥ ንፍርደይ ከዓ ኽሕልዉን ክገብርዎን፥ ሓደ ልቢ ኽህቦም፥ ሓድሽ መንፈስውን ኣብ ውሽጦም ከሕድረሎም እየ፤ ካብ ስጋኦም ናይ እምኒ ልቢ ኸውፅእ፥ ናይ ስጋ ልቢውን ክህቦም እየ፤ ንሳቶም ህዝበይ ክኾኑ እዮም፤ ኣነውን ኣምላኾም ክኽውን እየ።
21
ግናኸ እቶም፥ ልቦም ንልቢ እቶም ፍንፉናት ነገሮምን ርኽሰቶምን ዝስዕብስ፥ መንገዶም ኣብ ርእሶም ክመልሰሎም እየ፤ ይብል ጐይታ እግዚኣብሄር።
22
ሽዑ እቶም ኪሩቤል ኣኽናፎም ኣልዓሉ፤ እቲ መንኰራዅር ከዓ ኣብ ጐኖም ነበረ፤ ክብሪ ኣምላኽ እስራኤል ድማ፥ ኣብ ልዕሊኣቶም ነበረ።
23
ክብሪ እግዚኣብሄር ከዓ ኻብ ማእኸል እታ ኸተማ ተልዓለ እሞ ኣብ ልዕሊ እቲ ብወገን ምብራቕ እታ ኸተማ ዘሎ እምባ ቖመ።
24
መንፈስ ድማ ኣልዓለኒ፤ በቲ መንፈስ ኣምላኽ ከዓ ብራእይ ናብ ምድሪ ከለዳውያን፥ ናብቶም ምሩኻት ወሰደኒ፤ እቲ ዝሪኦ ዝነበርኩ ራእይ ድማ ኻብ ቅድመይ ተሰወረ።
25
ኣነ ኸዓ እቲ እግዚኣብሄር ዘርአየኒ፥ ኵሉ ቓላት ነቶም ምሩኻት ነገርክዎም።
← Chapter 10
Chapter 12 →