bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Exodus 9
Exodus 9
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ “ናብ ፈርዖን ኣቲኻ፥ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ዕብራውያን ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ከገልግሉኒ ንህዝበይ ስደዶም።
2
ኣይሰድድን ኢልካ እንተ ኸልኪልካዮም ግና፥
3
እንሆ ኢድ እግዚኣብሄር፥ ኣብ በረኻ ኣብ ዘለዋ ጥሪትካ፥ ኣብ ኣፍራስ፥ ኣብ ኣእዱግ፥ ኣብ ኣግማል፥ ኣብ ከፍትን ኣብ ኣባጊዕን፥ ብርቱዕ መቕሰፍቲ ኽወርድ እዩ።
4
እግዚኣብሄር ድማ ኣብ መንጎ ጥሪት እስራኤልን ኣብ መንጎ ጥሪት ግብፃውያንን ፍልልይ ክገብር እዩ፤ ካብ ጥሪት ደቂ እስራኤል ከዓ ሓንቲ እኳ ኣይትመውትን እያ።”
5
እግዚኣብሄርውን ፅባሕ ነዝ ነገር እዙይ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ ምድሪ ክገብሮ እዩ ኢሉ ጊዜ ወሰነ።
6
ንፅባሒቱ ኸዓ እግዚኣብሄር ነዝ ነገር እዙይ ገበሮ። ኵለን ጥሪት ግብፂ ድማ ሞታ፤ ካብ ጥሪት ደቂ እስራኤል ግና ሓንቲ እኳ ኣይሞተትን።
7
ፈርዖን ድማ ለኣኸ፤ እንሆ ኸዓ ኻብ ጥሪት ደቂ እስራኤል ሓንቲ እኳ ኣይሞተትን፤ ልቢ ፈርዖን ግና ተረረ፤ ነቲ ህዝቢ እውን ኣይሰደዶን።
8
እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴን ንኣሮንን “ካብ እቶን፥ ሓሙዅሽቲ በእዳውኩም ሓፊንኩም ውሰዱ፤ ሙሴ ድማ ኣብ ቅድሚ ፈርዖን ናብ ሰማይ ኣቢሉ የዝርዎ።
9
ንዅላ ምድሪ ግብፂ ኸዓ ኣቦራ ክኸድና እዩ። ኣብ ኵላ ምድሪ ግብፂ ዘለዉ ሰብን ጥሪትን ድማ ግዝዋ ዘምፅእ ቍስሊ ኽወፆም እዩ” በሎም።
10
ስለዙይ ካብቲ ሓሙዅሽቲ ሓፊኖም ኣብ ቅድሚ ፈርዖን ደው በሉ። ሙሴ ኸዓ ነቲ ሓሙዅሽቲ ናብ ሰማይ ኣቢሉ በተኖ፤ ኣብ ሰብን ኣብ እንስሳን ድማ ግዝዋ ዘምፅእ ቍስሊ ወፆም።
11
ኣብቶም ኣስማተኛታትን ኣብ ኵሎም ግብፃውያንንውን ግዝዋ ወፀ። እቶም ኣስማተኛታትውን ብሰንኪ እቲ ቝስሊ ኣብ ቅድሚ ሙሴ ደው ምባል ሰኣኑ።
12
እግዚኣብሄር ድማ ንልቢ ፈርዖን ኣትረሮ፤ ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝበሎ ድማ ኣይሰምዖምን።
13
እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዙይ በሎ፦ “ፅባሕ ኣንጊህኻ ተስእ፤ ኣብ ቅድሚ ፈርዖን ከዓ ደው በል እሞ፥ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ዕብራውያን ከምዙይ ይብል ኣሎ በሎ፦ ከገልግሉኒ ንህዝበይ ስደዶም።
14
እንተ ዘይኮነ፥ ኣብ ኵላ ምድሪ ኸማይ ዝበለ ኸም ዘየለ ምእንቲ ኽትፈልጥ፥ በዛ ጊዜ እዚኣ ዅሉ ቝጥዓይ ኣብ ልዕሌኻን ኣብ ልዕሊ መኳንንትኻን ኣብ ልዕሊ ህዝብኻን ክሰድድ እየ።
15
ሕዚ እውን፥ ኢደይ ዘርጊሐ ንኣኻን ንህዝብኻን ብፌራ ምወቓዕኹኹም ነይረ፤ ንስኻውን ካብ ምድሪ ምጠፋእኻ ኔርኻ።
16
ግና ሓይለይ ምእንቲ ኸርእየካ፥ ስመይውን ኣብ ልዕሊ ዅሉ ምድሪ ምእንቲ ኽንገር ኣልዒለካ ኣለኹ።
17
ሕዚ እውን ከይትሰዶም ገናዶ ኣብ ልዕሊ ህዝበይ ትዕበ ኣለኻ?
18
እምበኣር ፅባሕ በዛ ሰዓት እዚኣ፥ ግብፂ ኻብ ዝተመስረተትሉ መዓልቲ ኽሳዕ ሕዚ ተርእዩ ዘይፈልጥ፥ ብርቱዕ በረድ ከውርድ እየ።
19
ስለዙይ ሕዚ ልኢኽካ እንስሳኻን ኣብ በረኻ ዘሎ ሃብትኻን ናብ ገዛ ኣክብ። ኣብቶም ኣብ ገዛ ዘይኣተዉን ኣብ በረኻ ዘለዉ ዅሉ ሰብን እንስሳን በረድ ክወርድ እዩ እሞ ኽሞቱ እዮም።”
20
ካብ መኳንንቲ ፈርዖን ኵሎም እቶም ንቓል እግዚኣብሄር ዝፈርሑ፥ ሰቦምን እንስሳኦምን ናብ ኣባይቲ ኣህደሙ።
21
እቶም ንቓል እግዚኣብሄር ሸለል ዝበሉ ድማ ሰቦምን እንስሳኦምን ኣብ በረኻ ሓደጉ።
22
እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ “ኢድካ ናብ ሰማይ ኣቢልካ ዘርግሕ እሞ፥ ናብ ኵላ ምድሪ ግብፂ፥ ናብ ልዕሊ ሰብን ናብ ልዕሊ እንስሳን ናብ ልዕሊ ዅሉ በቝሊ ገራሁን በረድ ክወርድ እዩ” በሎ።
23
ሙሴ ኸዓ በትሩ ናብ ሰማይ ዘርግሐ፤ እግዚኣብሄር ድማ ነጐድጓድን በረድን ሰደደ፤ ሓዊ ኸዓ ናብ ምድሪ ወረደ። እግዚኣብሄር ድማ ናብ ምድሪ ግብፂ በረድ ኣዝነመ።
24
በረድ ድማ ነበረ፤ ኣብ ማእኸል እቲ በረድ ድማ ሓዊ ይነድድ ነበረ። ሰብ ኣብ ግብፂ ኻብ ዝነብር ጀሚሩ ተርእዩ ዘይፈልጥ በረድ ወረደ።
25
እቲ በረድ ከዓ ኣብ ኵላ ምድሪ ግብፂ ኣብ በረኻ ንዘሎ ዅሉ፥ ካብ ሰብ ክሳዕ እንስሳ ወቕዐ፤ ንዝነበረ በቝሊ ግራውቲ ኣጥፍአ፤ ንዅሉ ኣእዋም በረኻ ኸዓ ሰባበሮ።
26
ኣብታ ደቂ እስራኤል ዝነብርዋ ምድሪ ጌሴም ጥራሕ በረድ ኣይዘነመን።
27
ፈርዖን ከዓ ልኢኹ ንሙሴን ንኣሮንን ፀውዖም። “ኣነ በዲለ እየ፤ እግዚኣብሄር ግና ፃድቕ እዩ፤ ኣነን ህዝበይንውን ሓጢኣተኛታት ኢና።
28
ናይ ኣምላኽ ነጐድጓድን በረድን በዚሑ እዩሞ፥ ናብ እግዚኣብሄር ፀልዩ፤ ክሰደኩም እየ፤ ደጊም ኣብዙይ ኣይትቕመጡን ኢኹም” በሎም።
29
ሙሴ ኸዓ “ካብ ከተማ ምስ ወፃእኹ፥ ኣእዳወይ ናብ እግዚኣብሄር ክዝርግሕ እየ፤ ሽዑ ምድሪ ናይ እግዚኣብሄር ምዃና ምእንቲ ኽትፍለጥ፥ እቲ ነጐድጓድ ክሓድግ እዩ፤ በረድውን ኣይወርድን።
30
ንስኻን መኳንንትኻን ግና ገና ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ ከም ዘይትፈርሑ እፈልጥ እየ” በሎ።
31
ስገም ሸዊቱ፥ እንጣጢዕውን ፈርዩ ነበረ እሞ ጠፍአ።
32
ስርናይን ዓረስን ግና፥ ጊዜኡ ገና ነበረሞ ኣይተወቕዐን።
33
ሙሴ ድማ ኻብ ፈርዖን ተፈልዩ ኻብ ከተማ ወፀ፤ ኣእዳዉ ናብ እግዚኣብሄር ዘርግሐ፤ ነጐድጓድን በረድን ድማ ሓደገ፤ እቲ ናብ ምድሪ ዝወርድ ዝነበረ ዝናም ከዓ ኣቋረፀ።
34
ፈርዖን ከዓ ዝናምን በረድን ነጐድጓድን ከም ዝሓደገ ምስ ረአየ፥ ደጊሙ በደለ፤ ንሱን መኳንንቱንውን ልቦም ኣትረሩ።
35
ከምቲ እግዚኣብሄር ብኣፍ ሙሴ ዝበሎ ድማ፥ ልቢ ፈርዖን ተረረ፤ ንደቂ እስራኤል ከዓ ኸይኸዱ ኸልከሎም።
← Chapter 8
Chapter 10 →