bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Exodus 10
Exodus 10
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ “ምልክታተይ ኣብ ማእኸሎም ምእንቲ ኽገብር፥ ንልቢ ፈርዖንን ንልቢ መኳንንቱን ኣትሪረዮ እየ እሞ፥ ናብ ፈርዖን እቶ።
2
እዙይ ከዓ ነቲ ኣብ ግብፃውያን ዘውረድክዎ መዓትን፥ ነቲ ኣብ ማእኸሎም ዝገበርክዎ ምልክታተይን፥ ንደቅኹምን ንደቂ ደቅኹምን ኣብ እዝኖም ክትነግርዎም እሞ፥ ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ምእንቲ ኽትፈልጡ ኢለ እየ” በሎ።
3
ሙሴን ኣሮንን ድማ ኣትዮም ንፈርዖን፥ “ኣምላኽ ዕብራውያን እግዚኣብሄር ‘ክሳዕ መኣዝ ኢኻ ኣብ ቅድመይ እትዕበ? ኸገልግሉኒ ንህዝበይ ስደዶም።
4
ንህዝበይ ክኸዱ እንተ ዘይሰዲድካዮም ግና፥ እንሆ ፅባሕ ናብ ምድርኻ ኣንበጣ ኸምፅእ እየ።
5
እቲ ኣንበጣ ኸዓ ንምድሪ ኸም ዘይትረአ ገይሩ ኽሽፍና እዩ። ነቲ ኻብ በረድ ድሒኑ ዝተረፈውን ክበልዖ እዩ። ንዅለን ኣብ በረኻ ዝበቘላ ኣእዋም ከዓ ኽበልዐን እዩ።
6
ንቤትካን ንኣባይቲ ዅሎም መኳንንትኻን ንኣባይቲ ዅሎም ግብፃውያንን ብኣኣቶም ክመልአን እዩ። እዙይ ኣቦታትካን ኣባሓጎታትካን ኣብዛ ምድሪ እዚኣ ኻብ ዝቕመጡ ጀሚሮም ክሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ ሪኦምዎ ዘይፈልጡ እዩ’ ይብል ኣሎ” በልዎ። ሙሴ ተመሊሱ፥ ካብ ፈርዖን ወፀ።
7
መኳንንቱ ድማ ንፈርዖን “እዝ ሰብኣይ እዙይ ክሳዕ መኣዝ እዩ ዕንቅፋት ዝኾነና? ነዞም ህዝቢ ንእግዚኣብሄር ኣምላኾም ከገልግሉ ስደዶም። ግብፂ ኸም ዝጠፍአትዶ ገና ኣይፈለጥካን ኢኻ?” በልዎ።
8
ሽዑ ንሙሴን ንኣሮንን ናብ ፈርዖን መለስዎም። ንሱ ድማ “ኪዱ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ኣገልግሉ፤ እቶም ዝኸዱ ግና መነመን ከም ዝኾኑ ንገሩኒ” በሎም።
9
ሙሴ ድማ፥ “ንእግዚኣብሄር በዓል ክንገብረሉ ኢና እሞ፥ ምስ ኣናእሽቱናን ዓበይትናን፥ ኣወዳትናን ኣጓላትናን፥ ኣጣልናን ኣባጊዕናን ከፍትናን ኢና እንኸይድ” በሎ።
10
ፈርዖን ድማ “ኪዱ፥ እግዚኣብሄር ምሳኻትኩም ይኹን፤ ክፍኣት ከም ዝሓሰብኩም ግሁድ እዩ። ግና ምስ ደቅኹምን ምስ ኣንስትኹምን ኣይሰደኩምን።
11
ከምዙይ ኣይኾንን፤ ሰብኡት ጥራሕ ኪዱሞ ንእግዚኣብሄር ስገዱ፤ እቲ እትልምንዎ ዝነበርኩም ከዓ ንሱ እዩ” በሎም። ንሙሴን ንኣሮንን ድማ ኻብ ቅድሚ ፈርዖን ሰጐጕዎም።
12
እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ “ንምድሪ ግብፂ ኣንበጣ ምእንቲ ኽሽፍኖ እሞ፥ ንዅሉ በቝሊ ምድርን፥ ነቲ ኻብ በረድ ዝተረፈ ዅሉን ክበልዕስ፥ ኣእዳውካ ናብ ልዕሊ ምድሪ ግብፂ ዘርግሕ” በሎ።
13
ሙሴ ኸዓ በትሩ ናብ ልዕሊ ምድሪ ግብፂ ዘርግሐ፤ እግዚኣብሄር ድማ ብምልእታ እታ መዓልቲ እቲኣን፥ ብምልእታ እታ ለይቲ እቲኣን፥ ናብታ ምድሪ ንፋስ ምብራቕ ኣምፅአ። ምስ ወግሐ ድማ እንሆ እቲ ንፋስ ምብራቕ፥ ኣንበጣ ኣምፅአ።
14
እቲ ኣንበጣ ኸዓ ናብ ልዕሊ ዅላ ምድሪ ግብፂ ወፀ፤ ኣብ ኵላ ምድሪ ግብፂ ድማ የመና ብዙሕ ኣንበጣ ነበረ። ቅድሚኡ ኽንድኡ ዝምብዛሑ ኣንበጣ ተርእዩ ኣይፈልጥን። ብድሕሪኡውን ከምኡ ዝበለ ከቶ ኣይረአን እዩ።
15
ምድሪ ኽሳዕ እትፅልምት ንዅላ ምድሪ ሸፈና። ንዅሉ በቝሊ ምድርን ነቲ ኻብ በረድ ዝተረፈ ዅሉ ፍረ ኦምንውን በልዖ። ኣብ ኵላ ምድሪ ግብፂ፥ ኣብ ኦም ወይ ኣብ በቝሊ ግራት፥ ምንም ለምዒ ኣይተረፈን።
16
ሽዑ ፈርዖን ንሙሴን ንኣሮንን ቀልጢፉ ፀዊዑ፥ “ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩምን ንኣኻትኩምን በደልኩ።
17
ሕዚ ግና ነዛ ጊዜ እዚኣ ጥራሕ በይዛኻትኩም በደለይ ይቕረ በሉለይ። ነዝ ሞት እዙይ ካባይ ከርሕቐለይ ጥራሕ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ለምኑለይ” በሎም።
18
ሙሴ ኸዓ ኻብ ቅድሚ ፈርዖን ወፂኡ ንእግዚኣብሄር ለመነ።
19
እግዚኣብሄር ድማ ኣውሎ ንፋስ ምዕራብ ኣምፅአ። ነቲ ኣንበጣ ኸዓ ፀራሪጉ ናብ ባሕሪ ኤርትራ ደርበዮ። ኣብ ኵላ ምድሪ ግብፂ ድማ ሓደ ኣንበጣ እኳ ኣይተረፈን።
20
እግዚኣብሄር ግና ንልቢ ፈርዖን ኣትረሮ፤ ንሱ ኸዓ ንደቂ እስራኤል ክኸዱ ኣይሰደዶምን።
21
እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ “ኢድካ ናብ ሰማይ ዘርግሕ፤ ኣብ ምድሪ ግብፂ ኸዓ፥ ሰብ ዝድህስሶ ግብ ዝበለ ፀልማት ይኹን” በሎ።
22
ሙሴ ድማ ኢዱ ናብ ሰማይ ዘርግሐ፤ ኣብ ኵላ ሃገር ግብፂ ኸዓ ንሰለስተ መዓልቲ ግብ ዝበለ ፀልማት ኮነ።
23
ንሰለስተ መዓልቲ ንብፃዩ ኽርኢ፥ ወይ ካብ ምቕማጡ ኽትስእ ዝኸኣለ ሓደ እኳ ኣይነበረን። ኣብቲ ዅሎም ደቂ እስራኤል ዝተቐመጥዎ ግና ብርሃን ነበረ።
24
ፈርዖን ድማ ንሙሴ ፀዊዑ “ኪዱ፥ ንእግዚኣብሄር ኣገልግሉ። ኣባጊዕኹምን እንስሳኹምን ጥራሕ ደኣ ይትረፋ እምበር፥ ኣንስትኹምን ቈልዑኹምን ምሳኻትኩም ይኺዱ” በሎ።
25
ሙሴ ድማ “ንእግዚኣብሄር ኣምላኽና እንስውኦ መስዋእቲ ሕሩድን ዝቃፀል መስዋእትን፥ ንስኻዶ ኽትህበና ዄንካ?
26
እዙይ ከቶ ኣይኸውንን እዩ። እቲ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽና እንስውአሉ ኻብኣተን ስለ እንወስድ፥ ሓንቲ ሸኰና እኳ እንተይተረፈት ኵለን እንስሳና ምሳና ክኸዳ እየን። ንሕና ድማ ኣብታ እንስውአላ ኽሳዕ እንበፅሕ ንእግዚኣብሄር እንታይ ከም እንስውአሉ ኣይንፈልጥን ኢና” በሎ።
27
እግዚኣብሄር ግና ንልቢ ፈርዖን ኣትረሮ፤ ንሱ ኸዓ ኽሰዶም ኣይፈተወን።
28
ፈርዖን ድማ “ሙሴ ኻባይ ኪድ ረሓቕ! መሊስካ ገፀይ ከይትርኢ ተጠንቀቕ። እንሆ በታ ገፀይ እትሪአላ መዓልቲ ኽትመውት ኢኻ” በሎ።
29
ሙሴ ኸዓ መሊሱ “ከምቲ ዝበልካዮ ይኹን። ደጊም ገፅካ ኣይርእን እየ” በሎ።
← Chapter 9
Chapter 11 →