bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Exodus 8
Exodus 8
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዙይ በሎ፦ “ናብ ፈርዖን ኬድካ ‘ከገልግሉኒ ንህዝበይ ስደዶም።
2
እንተ ዘይሰዲድካዮም ግና፥ እንሆ ኣነ ንዅላ ሃገርካ ብመቕሰፍቲ ጭንቍራዕ ክወቕዓ እየ።
3
እቲ ሩባ ድማ ብጭንቍራዕ ፈኽፈኽ ክብል እዩ። ካብቲ ሩባ ወፂአን ድማ ናብ ቤትካን ናብ መደቀሲኻን ናብ ዓራትካን ናብ ቤት መኳንንትኻን ናብ ህዝብኻን ናብ እቶናትካን ናብ ንፅባኻን ኽኣትዋ እየን።
4
ናባኻን ናብ ህዝብኻን ናብ ኵሎም መኳንንትኻን ጭንቍራዕ ክድይባኹም እየን’ በሎ።”
5
እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ “ንኣሮን፥ ‘በትርኻ ሒዝካ ናብ ልዕሊ ወሓይዝትን መስኖታትን ቀላያትን፥ ኢድካ ዘርግሕ፤ ንሃገር ግብፂ ድማ ጭንቍራዕ ከም ዝመልኦ ግበር’ ኢልካ ንገሮ” በሎ።
6
ኣሮን ከዓ ናብ ልዕሊ ማያት ግብፂ ኢዱ ዘርግሐ፤ እተን ጭንቍራዓት ድማ ወፂአን ንምድሪ ግብፂ ኸደናኦ።
7
እቶም ኣስማተኛታት ከዓ ብስራዮም ከምኡ ገበሩ። ናብ ምድሪ ግብፂውን ጭንቍራዓት ኣውፅኡ።
8
ሽዑ ፈርዖን ንሙሴን ንኣሮንን ፀዊዑ “ካባይን ካብ ህዝበይን ጭንቍራዕ ከርሕቐለይ ንእግዚኣብሄር ለምኑለይ። ኣነ ኸዓ ነቲ ህዝቢ ኸይዱ ንእግዚኣብሄር ምእንቲ መስዋእቲ ኸቕርብ ክሰዶ እየ” በሎም።
9
ሙሴ ኸዓ ንፈርዖን “ሽዑ እተን ጭንቍራዓት ካባኻን ካብ ኣባይትኻን ክጠፍኣ፥ ኣብ ሩባ ጥራሕውን ምእንቲ ኽውሰና፥ ምእንታኻን ምእንቲ መኳንንትኻን ምእንቲ ህዝብኻን ንመኣዝ ከም ዝፅልየልካ ኣፍልጠኒ” በሎ።
10
ፈርዖን ከዓ “ንፅባሕ” በሎ። ሙሴ ድማ “ንእግዚኣብሄር ኣምላኽና ዝመስሎ ኸቶ ኸም ዘየለ ምእንቲ ኽትፈልጥስ፥ ከምቲ ዝበልካዮ ይኹን።
11
እተን ጭንቍራዓት ካባኻን ካብ ኣባይትኻን ካብ መኳንንትኻን ካብ ህዝብኻን ክርሕቓ፥ ኣብቲ ሩባ ጥራሕውን ክውሰና እየን” በሎ።
12
ሙሴን ኣሮንን ከዓ ኻብ ፈርዖን ወፁ። ሙሴ ድማ ብዛዕባ እተን ናብ ፈርዖን ዘምፅአን ጭንቍራዓት ናብ እግዚኣብሄር ተማህለለ።
13
እግዚኣብሄር ድማ ኸምቲ ሙሴ ዝለመኖ ገበረ። እተን ኣብ ኣባይትን ኣብ ቅፅርን ኣብ በረኻን ዝነበራ ጭንቍራዓት ሞታ።
14
እናኣከቡ ድማ ዀመርወን። እታ ምድሪ ኸዓ ጨነወት።
15
ፈርዖን ግና እቲ መዓት ከም ዝሃድአ ምስ ረአየ፥ ልቡ ኣትረረ፤ ከምቲ እግዚኣብሄር ዝበሎ ኸዓ ንሙሴን ንኣሮንን ኣይሰምዖምን።
16
እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ “ንኣሮን፥ ‘በትርኻ ዘርግሕ፤ ነቲ ሓመድ ምድሪ ውቕዓዮ፤ ኣብ ኵላ ምድሪ ግብፂ ድማ ቓርማ ክኸውን እዩ’ ኢልካ ንገሮ” በሎ።
17
ከምኡ ኸዓ ገበሩ። ኣሮን ኢዱ ዘርጊሑ ነቲ ሓመድ ብበትሩ ወቕዖ፤ ንሰብን ንኸብትን ድማ ቃርማ ወረሮ።
18
እቶም ጠንቈልቲ ድማ ብስራዮም ቃርማ ኸውፅኡ ፈተኑ፤ ግና ኣይከኣሉን፤ እቲ ቃርማውን ንሰብን ንኸፍትን ወረሮ።
19
እቶም ኣስማተኛታት ድማ ንፈርዖን “እዙይስ ኣፃብዕቲ እግዚኣብሄር እዩ” በልዎ፤ ልቢ ፈርዖን ግና ተረረ፤ ከምቲ እግዚኣብሄር ዝበሎውን ንሙሴን ንኣሮንን ኣይሰምዖምን።
20
እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዙይ በሎ፦ “ኣንጊህኻ ተስእ፤ ፈርዖን ናብ ማይ እንትወርድ ኣብ ቅድሚኡ ደው በል። እግዚኣብሄር፥ ምእንቲ ኸገልግለኒ ንህዝበይ ክኸይድ ስደድ።
21
ንህዝበይ እንተ ዘይሰዲድካዮ ግና እንሆ ናባኻን ናብ መኳንንትኻን ናብ ህዝብኻን ናብ ኣባይትኻን ዕስለ ፅንፅያ ኸልቢ ኽሰድድ እየ። ኣባይቲ ግብፃውያንን እታ ዝነብሩላ ምድርን ከዓ ብዕስለ ፅንፅያ ኽመልኣ እየን በሎ።
22
“በታ መዓልቲ እቲኣ ድማ ኣነ እግዚኣብሄር ኣብዛ ምድሪ እዚኣ ኸም ዘለኹ ምእንቲ ኽትፈልጥ፥ ነታ ህዝበይ ዝነብሩላ ምድሪ ጌሴም ክፈልያ እየ፤ ዕስለ ፅንፅያ ዘይብላውን ክገብራ እየ።
23
ኣብ መንጎ ህዝበይን ህዝብኻን ፍልልይ ክገብር እየ። እዝ ምልክት እዙይ ፅባሕ ክኸውን እዩ ይብል ኣሎ ድማ በሎ።”
24
እግዚኣብሄር ድማ ኸምቲ ዝበሎ ገበረ። ናብ ቤት ፈርዖንን ናብ ቤት ኣገልገልቱን ኣብ ኵሉ ሃገር ግብፂ፥ ብዙሕ ዕስለ ፅንፅያ ወረረ። እታ ምድሪ ድማ ብፅንፅያ ተበላሸወት።
25
ሽዑ እቲ ንጉስ ንሙሴን ንኣሮንን ፀዊዑ “ኪዱ፥ ኣብዛ ሃገር እዚኣ ዄንኩም ንኣምላኽኩም መስዋእቲ ሰውኡ” በሎም።
26
ሙሴ ግና “እቲ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽና እነቕርቦ መስዋእቲ ንግብፃውያን ርኽሰት እዩ፤ ስለዙይ ኣብዙይ ክንስውእ ግቡእ ኣይኮነን። እቲ ንግብፃውያን ርኽሰት ዝኾነ ኣብ ቅድሚኣቶም እንተ ሰዋእና ብእምኒ ቐጥቂጦምዶ ኣይቐትሉናን?
27
ከምቲ እግዚኣብሄር ዝእዝዘና ዘሎ፥ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽና ኽንስውእስ፥ መንገዲ ሰለስተ መዓልቲ ናብ ምድረ በዳ ኽንከይድ ኢና” በሎ።
28
ፈርዖን ከዓ “ኣርሒቕኩም ደኣ ኣይትኺዱ እምበር፥ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ኣብ በረኻ ኽትስውኡሉ ኽትከዱ ኽሰደኩም እየ፤ ሕዚ ግና ፀልዩለይ” በሎም።
29
ሙሴ ኸዓ “እንሆ ኻባኻ ውፅእ ምስ በልኩ ናብ እግዚኣብሄር ክፅሊ እየ፤ እቲ ፅንፅያ ኸልቢውን ኻባኻን ካብ መኳንንትኻን ካብ ህዝብኻን ፅባሕ ከግልስ እዩ። ንስኻ ግና ነቲ ህዝቢ፥ ንእግዚኣብሄር ክስውእ ምስዳድ ከይትኣቢ፤ መሊስካ ኸዓ ኸይተዐሽወና” በሎ።
30
ሙሴ ኸዓ ኻብ ፈርዖን ወፂኡ ናብ እግዚኣብሄር ፀለየ።
31
እግዚኣብሄር ድማ ኸምቲ ሙሴ ዝለመኖ ገበረ፤ ነቲ ፅንፅያ ኸልቢ ኸዓ፥ ካብ ፈርዖንን ካብ ኣገልገልቱን ካብ ህዝቡን ኣርሓቐ። ፅንፅያ ኸልቢ ዝብልዎ ድማ ጠፍአ።
32
ሕዚ እውን ፈርዖን ልቡ ኣትረረ፤ ነቶም ህዝቢ እውን ኣይሰደዶምን።
← Chapter 7
Chapter 9 →