bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Exodus 7
Exodus 7
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዙይ በሎ፦ “እንሆ፥ ኣነ ኣምላኽ ፈርዖን ገይረካ እየ፤ ኣሮን ሓውካውን ነቢይ ይኹንካ።
2
ንስኻ እቲ ኵሉ ዝእዝዘካ ዘለኹ ንገሮ፤ ኣሮን ሓውካ ኸዓ ንደቂ እስራኤል ካብ ሃገሩ ኽሰዶም ንፈርዖን ይንገሮ።
3
ኣነ ግና ንልቢ ፈርዖን ከትርሮ እየ። ኣብ ምድሪ ግብፂ ድማ ምልክታተይን ተኣምራተይን ከብዝሕ እየ።
4
ፈርዖን ግና ኣይሰምዐኩምን እዩ። ሽዑ ኣነ ኢደይ ኣብ ልዕሊ ግብፂ ኽገብር እየ። ንሰራዊተይ፥ ነቶም ህዝበይ ዝኾኑ ደቂ እስራኤል ከዓ፥ ብዓቢዪ ፍርዲ ኻብ ምድሪ ግብፂ ኸውፅኦም እየ።
5
ኢደይ ዘርጊሐ ንደቂ እስራኤል ብሓይለይ ካብ ማእኸሎም ምስ ኣውፃእኹ፥ ሽዑ ግብፃውያን ኣነ እግዚኣብሄር ከም ዝኾንኩ ኽፈልጡ እዮም።”
6
ሙሴን ኣሮንን ድማ፥ ከምቲ እግዚኣብሄር ዝኣዘዞም ገበሩ።
7
ምስ ፈርዖን ክዛረቡ እንተለዉ ሙሴ ወዲ ሰማንያ ዓመት፥ ኣሮን ከዓ ወዲ ሰማንያን ሰለስተን ዓመት ነበሩ።
8
እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴን ንኣሮንን ከምዙይ በሎም፦
9
“ፈርዖን ‘ተኣምራት ኣርእዩኒ’ እንተበለኩም፥ ንኣሮን ‘በትርኻ ኣብ ቅድሚ ፈርዖን ደርብያ’ በሎ። ንሳ ኸዓ ተመን ክትከውን እያ።”
10
ሙሴን ኣሮንን ከዓ ናብ ፈርዖን ኣትዮም፥ ልክዕ ከምቲ እግዚኣብሄር ዝኣዘዞም ገበሩ። ኣሮን ኣብ ቅድሚ ፈርዖንን መኳንንቱን በትሩ ደርበየ፤ ተመንውን ኮነት።
11
ፈርዖን ድማ ነቶም ጠቢባንን ጠንቈልትን ፀውዖም። እቶም ጠንቈልቲ ግብፂውን ብስራዮም ከምኡ ገበሩ።
12
ነፍሲ ወከፎም በበትሮም ደርበዩ፤ ኣትማንውን ኮና። በትሪ ኣሮን ግና ነተን ኣብትርቶም ወሓጠተን።
13
ልቢ ፈርዖን ግና ተረረ። ከምቲ እግዚኣብሄር ዝበሎ ድማ ንሙሴን ንኣሮንን ኣይሰምዖምን።
14
እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዙይ በሎ፦ “ልቢ ንጉስ ተሪሩ እዩ። ነቲ ህዝቢ ኸይሰዶ ኸዓ ኣብዩ ኣሎ።
15
እንሆ፥ ፅባሕ ንግሆ ፈርዖን ናብ ሩባ ክኸይድ እንተሎ፥ ነታ ናብ ተመን ዝተለወጠት በትሪ ብኢድካ ሒዝካ፥ ኣብቲ ገምገም ሩባ ደው ኢልካ ፅንሓዮ።
16
ሽዑ ኸዓ ንፈርዖን ከምዙይ በሎ፦ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ዕብራውያን፥ ንህዝበይ ኣብ ምድረ በዳ ኸገልግሉኒ ክኸዱ ስደዶም፤ ክብለካ ናባኻ ለኣኸኒ፤ እንሆ ድማ ኽሳዕ ሕዚ ኣይሰማዕኻን።
17
እምበኣር እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ኣነ እግዚኣብሄር ከም ዝኾንኩ በዙይ ክትፈልጥ ኢኻ፦ እንሆ ኣነ በዛ ኣብ ኢደይ ዘላ በትሪ ነቲ ኣብ ሩባ ዘሎ ማይ ክወቕዖ እየ። እቲ ማይ ድማ ናብ ደም ክልወጥ እዩ።
18
እቶም ኣብ ሩባ ዘለዉ ዓሳታት ክሞቱ እዮም፤ እቲ ሩባ ድማ ኽጨኑ እዩ። ግብፃውያን ከዓ ኻብቲ ሩባ ማይ ምስታይ ክፍንፍኑ እዮም።”
19
እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዙይ በሎ፦ “ንኣሮን ‘በትርኻ ወሲድካ፥ ኣብ ልዕሊ ማያት ግብፂ፥ ኣብ ልዕሊ ወሓይዝቶምን ሩባታቶምን ቀላያቶምን መዕቘሪ ማዮምን ዘርግሕ’ ኢልካ ንገሮ። ሽዑ ዅሉ እቲ ማይ ናብ ደም ክልወጥ እዩ። ኣብ ኣቕሓ ዕንፀይትን ኣብ ኣቕሓ እምንን ኣብ ኵሉ ምድሪ ግብፂ ደም ክኸውን እዩ።”
20
ሙሴን ኣሮንን ድማ ኸምቲ እግዚኣብሄር ዝኣዘዞም ገበሩ። ኣሮን ከዓ በትሩ ኣልዒሉ፥ ኣብ ቅድሚ ፈርዖንን ኣብ ቅድሚ መኳንንቱን ነቲ ኣብ ሩባ ዝነበረ ማይ ወቕዖ። እቲ ኣብ ሩባ ዝነበረ ማይ ከዓ ናብ ደም ተለወጠ።
21
እቶም ኣብ ሩባ ዝነበሩ ዓሳታት ድማ ሞቱ፤ እቲ ሩባውን ጨነወ። ግብፃውያን ከዓ ኻብቲ ሩባ፥ ማይ ክሰትዩ ኣይከኣሉን፤ ኣብ ኵላ ምድሪ ግብፂ ድማ ደም ኮነ።
22
እቶም ኣስማተኛታት ግብፂ ድማ ብስራዮም ከምኡ ገበሩ። ልቢ ፈርዖን ግና ተረረ። ከምቲ እግዚኣብሄር ዝበሎ ድማ ንሙሴን ንኣሮንን ኣይሰምዖምን።
23
ፈርዖን ነዙይ ኣይተገደሰሉን፤ ተመሊሱውን ናብ ቤቱ ኣተወ።
24
ነቲ ማይ ሩባ ኽሰትይዎ ስለ ዘይከኣሉ ድማ ዅላቶም ግብፃውያን ዝስተ ማይ ደልዮም ኣብ ዙርያ እቲ ሩባ ሸኻ ዀዓቱ።
25
እግዚኣብሄር ነቲ ሩባ ኻብ ዝወቕዖ ሸውዓተ መዓልቲ ሓለፈ።
← Chapter 6
Chapter 8 →