bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Exodus 6
Exodus 6
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ “ኣብ ልዕሊ ፈርዖን ዝገብሮ፥ ሕዚ ኽትርኢ ኢኻ። ብሓያል ኢድ ክሰዶም እዩ። እወ፥ ብሓያል ኢድ ካብ ምድሩ ኣውፂኡ ኽሰጎም እዩ” በሎ።
2
እግዚኣብሄር ንሙሴ ኸምዙይ በሎ፤ “ኣነ እግዚኣብሄር እየ፤
3
ንኣብርሃምን ንይስሓቅን ንያእቆብን ‘ኵሉ ዝኽእል ኣምላኽ’ ብዝብል ስም እየ ዝተገለፅኩሎም። ‘እግዚኣብሄር’ ብዝብል ስመይ ግና ኣይተገለፅኩሎምን።
4
ነታ ስደተኛታት ኮይኖም ተቐሚጦምላ ዝነበሩ ምድሪ ከነዓን ክህቦም ኪዳን ኣትየሎም እየ።
5
ሕዚ ድማ፥ ግብፃውያን ባሮት ገይሮም ናይ ዝገዝእዎም ደቂ እስራኤል ብኽያት ሰሚዐ ኺዳነይ ዘከርኩ።”
6
ስለዙይ ንደቂ እስራኤል ከምዙይ በሎም፦ “ኣነ እግዚኣብሄር እየ፤ ካብ ትሕቲ እቲ ኣርዑት ግብፃውያን ከውፅአኩም እየ፤ ካብ ባርነት ግብፂውን ሓራ ኸውፅአኩም እየ፤ ብሓያል ቅልፅምን ብብርቱዕ መቕፃዕትን ከድሕነኩም እየ።
7
ህዝበይ ክትኮኑ ኽወስደኩም እየ፤ ኣነ ኸዓ ኣምላኽ ክኾነኩም እየ። ካብ ትሕቲ እቲ ኸቢድ ኣርዑት ግብፃውያን ዘውፃእኹኹም ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ከም ዝኾንኩ ድማ ኽትፈልጡ ኢኹም።
8
ናብታ ኢደይ ኣልዒለ፥ ‘ንኣብርሃምን ንይስሓቅን ንያእቆብን ክህባ እየ’ ኢለ ዝመሓልኩላ ምድሪ ኸእትወኩም እየ፤ ርስቲ ኽትኮነኩም ከዓ ኽህበኩም እየ፤ ኣነ እግዚኣብሄር እየ” ድማ በሎ።
9
ሙሴ ኸዓ፥ ንደቂ እስራኤል እዝ ዅሉ ነገሮም። ንሳቶም ግና ካብ ጭንቂ ህይወቶምን ካብ ክብደት ስራሕን ዝተልዓለ ኣይሰምዕዎን።
10
እግዚኣብሄር ከዓ ንሙሴ “ናብ ንጉስ ግብፂ ፈርዖን ኣቲኻ፥ ንደቂ እስራኤል ካብ ሃገሩ ንኽወፁ ኽሰዶም ንገሮ” በሎ።
12
ሙሴ ግና ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር፥ “ኣነ ኣፈ ፀያፍ እየ፤ እንሆ ደቂ እስራኤል እኳ ዘይሰምዑንስ፥ ፈርዖን ግዳ ኸመይ ገይሩ ኽሰምዐኒ” ኢሉ መለሰ።
13
እግዚኣብሄር ንሙሴን ንኣሮንን ተናገሮም፤ ንጉስ ግብፂ ፈርዖን ንደቂ እስራኤል ካብ ግብፂ ኸውፅኦም ንኽነግርዎ ኣዘዞም።
14
ኣሕሉቕ ነናይ ቤት ኣቦታቶም እዚኣቶም እዮም፦ ደቂ እቲ በዅሪ እስራኤል ዝኾነ ሮቤል፥ ሄኖህ፥ ፈሉስ፥ ኣስሮን ከርሚ እዮም። እዚኣቶም ዓሌት ሮቤል እዮም።
15
ደቂ ስምኦን ድማ፥ ይሙኤል፥ ያሚን፥ ኦሃድ፥ ያኪን፥ ፆሓር፥ ሳኡል ወዲ እታ ከነዓናዊት እዮም። እዚኣቶም ዓሌት ስምኦን እዮም።
16
ስም ደቂ ሌዊ ድማ በብዓሌቶም ከምዙይ እዩ፦ ጌድሶን፥ ቀዓት፥ ሜራሪ እዮም። ሌዊ ብህይወት ዝነበረሉ ዘመን ሚእትን ሰላሳን ሸውዓተን ዓመት እዩ።
17
ደቂ ጌድሶን በብማይ ቤቶም ሎቤኒ፥ ሰሜኢ እዮም።
18
ደቂ ቀዓት ድማ እንበረም፥ ይሰዓር፥ ኬብሮን፥ ዑዝኤል እዮም። ቀዓት ብህይወት ዝነበረሉ ዘመን ሚእትን ሰላሳን ሰለስተን ዓመት እዩ።
19
ደቂ ሜራሪ ኸዓ ሞሖሊን ሙሲን እዮም። እዚኣቶም በብዓሌቶም ማይ ቤት ሌዊ እዮም።
20
እንበረም ከዓ ንዮካብድ ጓል ሓው ኣቦኡ፥ ሰበይቲ ኽትኮኖ ወሰዳ እሞ ንኣሮንን ንሙሴን ወለደትሉ። እንበረም ብህይወት ዝነበረሉ ዘመን ሚእትን ሰላሳን ሸውዓተን ዓመት እዩ።
21
ደቂ ይሳኮር ከዓ፥ ቆሬ፥ ናፌግ፥ ዝክሪ እዮም።
22
ደቂ ዑዝኤል ከዓ፥ ሚሳኤል፥ ኤልዳፋን፥ ስትሪ እዮም።
23
ኣሮን ድማ ንኤልሳቤጥ ጓል ኣሚናዳብ፥ ሓፍቲ ነአሶን፥ ሰበይቱ ኽትኮኖ ወሰዳ። ንሳ ኸዓ ንናዳብ፥ ንኣብዩድ፥ ንኣልኣዛር፥ ንኢታምር ወለደትሉ።
24
ደቂ ቆሬ ድማ ኣሴር፥ ሕልቃና፥ ኣብያሳፍ እዮም። እዚኣቶም ቤተ ሰብ ቆሬ ነበሩ።
25
ኣልኣዛር ወዲ ኣሮን ድማ ሓንቲ ኻብ ኣጓላት ፉትኤል ሰበይቲ ኽትኮኖ ወሰዳ። ንሳ ኸዓ ንፊንሃስ ወለደትሉ። እዚኣቶም በብቤተ ሰቦም ኣሕሉቕ ኣቦታት ሌዋውያን ነበሩ።
26
እቶም እግዚኣብሄር “ንደቂ እስራኤል በብሰራዊቶም ካብ ምድሪ ግብፂ ኣውፅእዎም” ኢሉ ዝኣዘዞም፥ ኣሮንን ሙሴን፥ እዚኣቶም እዮም።
27
እቶም ንደቂ እስራኤል ካብ ግብፂ ኸውፅእዎም፥ ምስ ንጉስ ግብፂ ፈርዖን ዝተዛረቡ፥ ሙሴን ኣሮንን፥ እዚኣቶም እዮም።
28
በታ መዓልቲ እቲኣ እግዚኣብሄር ንሙሴ ተዛረቦ።
29
“ኣነ እግዚኣብሄር እየ፤ እዝ ዅሉ ኣነ ዝዛረበካ፥ ንንጉስ ግብፂ ፈርዖን ንገሮ” በሎ።
30
ሙሴ ግና ንእግዚኣብሄር “እንሆ፥ ኣነ ኸንፈረይ ዘይተገርዘ እዩ፤ ፈርዖን ደኣ ኸመይ ይሰምዐኒ?” በሎ።
← Chapter 5
Chapter 7 →