bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Exodus 5
Exodus 5
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ድሕሪዙይ ሙሴን ኣሮንን ናብ ፈርዖን ኣትዮም “እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ‘ኣብ ምድረ በዳ በዓል ክገብሩለይ ንህዝበይ ስደዶም’ ይብል ኣሎ” በልዎ።
2
ፈርዖን ድማ “እቲ ቓሉ ሰሚዐ ንእስራኤል ዝሰዶምስ፥ እግዚኣብሄር መን እዩ? ንእግዚኣብሄር ኣይፈልጦን እየ፤ ንእስራኤል ከዓ ኣይሰዶን እየ” በሎም።
3
ሙሴን ኣሮንን ድማ “ኣምላኽ ዕብራውያን ተራኺቡና እዩ እሞ፥ ፌራ ወይ ውግእ ምእንቲ ኸየውርደልናስ፥ መንገዲ ሰለስተ መዓልቲ ናብ ምድረ በዳ ኼድና፥ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽና መስዋእቲ ኽነቕርበሉ፥ ፍቐደልና” በልዎ።
4
ንጉስ ግብፂ ኸዓ “ንስኻትኩም ሙሴን ኣሮንን! ስለ ምንታይ ነዝ ህዝቢ እዙይ ካብ ስራሑ ተብኵርዎ ኣለኹም? ናብ ስራሕኹም ኪዱ” በሎም።
5
ፈርዖን ድማ ኣስዒቡ “እንሆ እዝ ህዝቢ እዙይ ኣብዛ ሃገር በዚሑ ኣሎ፤ ካብ ስራሖም ከዓ ተብኵርዎም ኣለኹም” በሎም።
6
በታ መዓልቲ እቲኣ ኸዓ ፈርዖን ነቶም ኣዘዝቶምን ነቶም ኣሕሉቕ ዝኾኑን ከምዙይ ኢሉ ኣዘዞም፦
7
“ደጊም ባዕልቶም ከይዶም ሓሰር ይኣክቡ እምበር፥ ነቶም ህዝቢ ኸም ቀደምኩም፥ ንመስርሒ ጡብ ዝኸውን ሓሰር ኣይትሃብዎም።
8
ብዝሒ ጡብ ግና፥ ከምቲ ቐደም ዝሰርሕዎ ዝነበሩ ኣስርሕዎም እምበር፥ ካብኡ ሓንቲ እኳ ኣየጕድሉ። ‘ንኣምላኽና ኽንስውእ ክንከይድ ስደደና’ እናበሉ ዝጠርዑ ዘለዉ ስራሕ ስለ ዝሰልከዮም እዩ እሞ።
9
እዞም ሰባት እዚኣቶም ናብ ዘረባ ሓሰት ምእንቲ ኸየቕልቡ ስራሕ ኣኽብዱሎም፤ ካብ ስራሕውን ፈንተት ኣይተብልዎም” በሎም።
10
እቶም ኣዘዝቶምን እቶም ኣሕሉቖምን ወፂኦም ነቶም ህዝቢ፦ “ፈርዖን ከምዙይ ይብል፦ ‘ሓሰር ኣይህበኩምን እየ፤
11
ናብቲ ኽትረኽቡሉ እትኽእሉ ቦታ ኼድኩም ባዕልትኹም ሓሰር ኣክቡ። ካብቲ ስራሕኹም ግና ሓደኳ ኣይጕደል’ ” በልዎም።
12
በዝ ምኽንያት እዙይ፥ እቲ ህዝቢ ሓሰር ክእክብ ናብ ኵላ ምድሪ ግብፂ ፋሕ በለ።
13
እቶም ኣዘዝቶም ድማ “እቲ ነንመዓልቱ ዝተመደበ ስራሕ፥ ከምቲ ሓሰር እንትወሃበኩም እትገብርዎ ዝነበርኩም፥ ነንመዓልቱ ኣማልኡ” እናበሉ ኣዳፍእዎም።
14
እቶም ኣዘዝቶም ናይ ንጉስ ተቘፃፀርቲ ኸዓ፥ ነቶም ሓለፍቲ ስራሕ ክኾኑ ዝሾምዎም ደቂ እስራኤል፥ “እቲ ዝተመደበልኩም ስራሕ ጡብ ትማልን ሎምን ደኣ ኸመይ ከም ቀደምኩም ዘየማላእኹም?” እናበሉ ገረፍዎም።
15
እቶም ኣሕሉቕ ደቂ እስራኤል ከዓ ናብ ፈርዖን ከይዶም “ስለ ምንታይ ንኣና ንኣገልገልትኻ ኸምዙይ ትገብረና ኣለኻ?
16
ሓሰር ኣይህቡናን፤ ጡብ ከዓ ኸምቲ ናይ ቀደምኩም ግበሩ ይብሉና። እንሆ ድማ ንሕና ኣገልገልትኻ ተገረፍና። በዲሎም ዘለዉ ግና ህዝብኻ እዮም” እናበሉ ጠርዑ።
17
ንሱ ግና “ሃካያት! ንስኻትኩም ሃካያት ኢኹም። ‘ንእግዚኣብሄር ክንስውእ ክንከይድ ስደደና’ ትብሉ ዘለኹምውን በዝ ምኽንያት እዙይ ኢኹም።
18
ሕዚ ድማ ኺዱ ስርሑ፤ ሓሰር ኣይወሃበኩምን እዩ፤ እቲ ምዱብ ቍፅሪ ጡብ ክተማልኡ ግና ግድን እዩ” በሎም።
19
እቶም ኣሕሉቕ ደቂ እስራኤል ድማ “ካብቲ ንመዓልቲ ዝተመደበ ቝፅሪ ጡብ ኣይተጕድሉ” ምስ ተብሃሉ መከራ ኸም ዝፀንዖም ተረድኡ።
20
ካብ ፈርዖን ክወፁ እንተለዉ ኸዓ ሙሴን ኣሮንን ኣብ ቅድሚኣቶም ቆይሞም ተራኸብዎም።
21
ንሳቶምውን “ኣብ ቅድሚ ፈርዖንን ሹመኛታቱን ጨናና ኣኽፋእኹም፤ ክቐትሉናውን ሰይፊ ናብ ኢዶም ኣዕቲርኩምዎም ኢኹምሞ እግዚኣብሄር ይርአኹም፤ ንሱውን ይፍረድኩም” በልዎም።
22
ሙሴ ኸዓ ናብ እግዚኣብሄር ተመሊሱ፦ “ኦ ጐይታ! ነዝ ህዝቢ እዙይ ስለ ምንታይ ኣኽፋእኻሉ? ንኣይከ ስለ ምንታይ ነዙይ ክገብር ለኣኽካኒ?
23
ካብታ ናብ ፈርዖን ከይደ ብስምካ ዝተዛረብኩላ ዕለት፥ ነዝ ህዝቢ እዙይ ኣጨነቐሉ፤ ንስኻ ድማ ንህዝብኻ ኸቶ ኣየድሓንካዮን” በለ።
← Chapter 4
Chapter 6 →