bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Exodus 4
Exodus 4
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ሙሴ ድማ “እንሆ ኣይኣምኑንን፤ ቃለይውን ኣይሰምዑን፤ ‘እግዚኣብሄር ኣይተገልፀልካን’ ክብሉኒ እዮም” በለ።
2
እግዚኣብሄር ከዓ “ኣብ ኢድካ ዘላ እንታይ እያ?” በሎ። ሙሴ ድማ “በትሪ እያ” በለ።
3
ንሱ ኸዓ “ናብ ምድሪ ደርብያ” በሎ። ሙሴ ድማ ናብ ምድሪ ደርበያ፤ ተመን ከዓ ኾነት። ሙሴ ድማ ኻብኣ ሃደመ።
4
“እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦታቶም፥ ኣምላኽ ኣብርሃም፥ ኣምላኽ ይስሓቅ፥ ኣምላኽ ያእቆብ ከም ዝተርኣየካ ምእንቲ ኽኣምኑ ኢድካ ዘርጊሕኻ ብጭራኣ ሓዛ” በሎ። ሙሴ ድማ ኢዱ ዘርጊሑ ብጭራኣ ሓዛ፤ ኣብ ኢዱ ኸዓ በትሪ ኾነት።
6
እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ መሊሱ “ንኢድካ ናብ መንኰራርዕትኻ ኣእትዋ” በሎ። ሙሴ ኸዓ ናብ መንኰራርዕቱ ኣእተዋ። ምስ ኣውፅኣ ድማ፥ እንሆ ኢዱ ኸም በረድ ዝፃዕደወት ለምፃም ኮነት።
7
መሊሱ “ኢድካ ናብ መንኰራርዕትኻ ኣእትዋ” በሎ። ንኢዱ ናብ መንኰራርዕቱ ኣእተዋ። ካብ መንኰራርዕቱ ምስ ኣውፅኣ ድማ፥ እንሆ መሊሳ ኸምቲ ኻልእ ኣካሉ ኾነት።
8
እግዚኣብሄር ከዓ “ነቲ ዝገበርካዮ ቐዳማይ ምልክት እንተ ዘይኣሚኖም፥ ነቲ ኻልኣይ ምልክት ክኣምኑ እዮም።
9
ነዝ ክልተ ምልክት እዙይ እንተ ዘይኣመኑ፥ ንቓልካውን እንተ ዘይሰምዑ፥ ካብ ሩባ ማይ ውሰድ እሞ፥ ናብ ንቑፅ ምድሪ ኣፍስሶ። እቲ ኻብ ሩባ ዝወሰድካዮ ማይ ከዓ ኣብቲ ንቑፅ ምድሪ፥ ደም ክኸውን እዩ” በሎ።
10
ሙሴ ከዓ ንእግዚኣብሄር “ኦ ጐይታ! ኣነ ዘረባ ኣይክእልን እየ፤ ትማሊ ኾነ ቕድሚ ትማሊ ምስ ተዛረብካኒውን ተዛራባይ ሰብ ኣይኮንኩን። ኣነ ኣፈይ ፀያፍ፥ ልሳነይ ኮልታፍ እዩ” በሎ።
11
እግዚኣብሄር ከዓ ንሙሴ “ንሰብ ኣፍ ዝገበረሉ መን ድዩ? በሃም ወይ ፀማም፥ ዝርኢ ወይ ዕዉር ዝገበሮኸ መን ድዩ? ኣነ እግዚኣብሄርዶ ኣይኮንኩን?
12
ሕዚ ኸዓ ኺድ፤ ከም እትዛረብ ክገብረካ እየ፤ እቲ እትብሎውን ክምህረካ እየ” በሎ።
13
ሙሴ ግና “በይዛኻ ጐይታ! ብኢድ እትልእኾ ሰብ ደኣ ለኣኽ” በሎ።
14
ሽዑ ቝጥዓ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ ሙሴ ነደደ። ከምዙይ ድማ በሎ፦ “እቲ ሌዋዊ ሓውካ ኣሮን ኣሎዶ ኣይኮነን? ንሱ ፅቡቕ ተዛራቢ ምዃኑ እፈልጥ እየ። እንሆ ንሱ ኽራኸበካ ይመፅእ ኣሎ። ምስ ረአየካ ድማ ኽሕጐስ እዩ።
15
ንስኻ ንእኡ ኽትዛረቦ ኢኻ፤ እቲ ቓላት ድማ ኣብ ኣፉ ኣንብር። ኣነ ድማ ምስ ኣፍካን ምስ ኣፉን ክኸውን እየ፤ እቲ እትገብርዎውን ክምህረኩም እየ።
16
ንሱ ኽንዳኻ ንህዝቢ ኽዛረቦም እዩ፤ ከምዙይውን ክኸውን እዩ፦ ንሱ ኣፍ ክኾነካ እዩ፤ ንስኻ ድማ ኽንዲ እግዚኣብሄር ክትኮኖ ኢኻ።
17
ነዛ ተኣምራት እትገብረላ በትርውን ብኢድካ ሒዝካ ኺድ።”
18
ሙሴ ናብ ሓሙኡ ዮቶር ተመሊሱ “ናብቶም ኣብ ግብፂ ዘለዉ ኣሕዋተይ ተመሊሰ፥ ገና ብህይወት እንተ ሃልዮም ክርኢ ክኸይድ ፍቐደለይ” በሎ። ዮቶር ድማ ብሰላም ኪድ በሎ።
19
እግዚኣብሄር ከዓ ንሙሴ ኣብ ምድያም፥ “ኵሎም እቶም ንነፍስኻ ዝደልዩዋ ዝነበሩ ሰባት ሞይቶም እዮም እሞ፥ ኪድ ናብ ግብፂ ተመለስ” በሎ።
20
ሙሴ ድማ ሰበይቱን ደቁን ወሲዱ፥ ኣብ ኣድጊ ኣቐመጦም። ናብ ምድሪ ግብፂውን ተመለሰ። ነታ ናይ እግዚኣብሄር በትሪ ድማ ብኢዱ ሒዙ ኸደ።
21
እግዚኣብሄር ከዓ ንሙሴ ኸምዙይ በሎ፦ “ናብ ግብፂ ምስ ተመለስካ፥ ነተን ክትገብረን ኢለ ዝሃብኩኻ ዅለን ተኣምራት፥ ኣብ ቅድሚ ፈርዖን ንጉስ ግብፂ፥ ክትገብረን ከም ዘለካ ፍለጥ። ኣነ ግና ንልቢ እቲ ንጉስ ከትርሮ እየ፤ ንሱ ኸዓ ነቲ ህዝቢ ኣይሰዶን እዩ።
22
ንንጉስ ፈርዖን ከዓ ኸምዙይ በሎ፦ እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ እስራኤል በዅሪ ወደይ እዩ።
23
ምእንቲ ኸገልግለኒ ድማ ንወደይ ክኸይድ ስደዶ ኢለካ ነይረ፤ ንስኻ ግና ምስዳድ ኣበኻ። እንሆ እምበኣር ኣነ ንበዅሪ ወድኻ ኽቐትሎ እየ።”
24
ኮነ ድማ፥ ሙሴ ኣብ መንገዲ ኣብ ዝሓደረሉ ቦታ እግዚኣብሄር ተራኸቦ፤ ክቐትሎውን ደለየ።
25
ሽዑ ሲፖራ ፅንፅልሒት ወሲዳ ወዳ ገረዘት፤ ንሙሴ ኸዓ “ንስኻ ንኣይ ናይ ደም መርዓዊ ኢኻ” እናበለት ናብ እግሩ ደርበየቶ።
26
እግዚኣብሄር ከዓ ካብኡ ድሕር በለ፤ ሽዑ ኸዓ እያ ስለ ግርዘቱ “ናይ ደም መርዓዊ ኢኻ” ዝበለት።
27
እግዚኣብሄር ከዓ ንኣሮን “ኪድ እሞ ንሙሴ ኣብ ምድረ በዳ ተራኸቦ” በሎ። ኣሮን ከዓ ኣብቲ እምባ እግዚኣብሄር ከይዱ ተራኸቦ፤ ሰዓሞውን።
28
ሙሴ ድማ ብዛዕባ እቲ እግዚኣብሄር ክዛረቦ ኢሉ ዝለኣኾ ቓልን፥ ብዛዕባ እቲ ግበሮ ኢሉ ዝኣዘዞ ተኣምራትን፥ ንኣሮን ነገሮ።
29
ሙሴን ኣሮንን ከዓ ኸይዶም ንዅሎም ዓበይቲ ደቂ እስራኤል ኣከብዎም።
30
ኣሮን ድማ እቲ ዅሉ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝተዛረቦ ነገሮም። ሙሴ ኸዓ ነቲ ተኣምራት፥ ኣብ ቅድሚ እቲ ህዝቢ ገበሮ።
31
እቲ ህዝቢ ድማ ኣመነ። እግዚኣብሄር ንደቂ እስራኤል ከም ዝተመልከቶም፥ መከራኦምውን ከም ዝረአየ ምስ ሰምዑ፥ ፍግም ኢሎም ሰገዱ።
← Chapter 3
Chapter 5 →