bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Exodus 39
Exodus 39
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ብሰማያውን ሓምራውን ውፁእ ቀይሕ ዓለባን ገይሮም፥ ኣብ መቕደስ ንዘገልግሉሉ ዝተኣለመ ኣልባስ ኣገልግሎት ኣዳለዉ። ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞ ድማ፥ ንኣሮን ቅዱሳት ኣልባሳት ገበሩሉ።
2
ነቲ ኤፉድ ብወርቅን፥ ብሰማያዊ፥ ሓምራዊ፥ ውፁእ ቀይሕ ዓለባን፥ ካብ ፅቡቕ ኤፉድ ገይሮም ሰርሕዎ።
3
ነቲ ወርቂ ቐጥቂጦም ኣርቀቕዎ። ምስ ሰማያዊ ሓምራዊ ውፁእ ቀይሕ ፈትልን፥ ምስ ሃርን ክኢላ ሰብ ብብልሓት ምእንቲ ኽኣልሞ፥ ከም ፈትሊ ገይሮም ኣዳለውዎ።
4
ክልቲኡ ጫፍ ንኽጋጠም፥ ኣብ ልዕሊ ኽልቲኡ ማእገር ዝጋጠም ልብሲ ገበርዎ።
5
እቲ ብብልሓት ዝተሰርሐ ዝዕጠቑሉ ቕናት ከዓ፥ ምስኡ ብሓደ ዝተላገበ፥ ሓደ ዓይነት ዝስርሓቱ ነበረ። ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞ ብወርቅን ብሰማያዊ፥ ሓምራዊ፥ ውፁእ ቀይሕ ዝኾነ ፈትልን፥ ብዝተፍሓሰ ሃርን ዝተሰርሐ ነበረ።
6
ብትንጎ ወርቂ ዝተኸበ እምኒ ኦኒክስ ኣዳለዉ፤ ከም ኣቀራርፃ ማሕተም ገይሮም ከዓ ስም ደቂ እስራኤል ቀረፁሉ።
7
ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞ ድማ፥ እቲ ኣእማን ንመዘከርታ ደቂ እስራኤል ምእንቲ ክኸውን፥ ኣብ ልዕሊ ማእገር ኣብ ዝውዕል ኤፉድ ገበርዎ።
8
ነቲ ሳንቃ ኣፍ ልቢ ድማ ብብልሓት ክኢላ ዝተገብረ፥ ከምቲ ስራሕ ኤፉድ ገይሮም ብወርቅን ብሰማያዊን፥ ብሓምራዊን፥ ውፁእ ቀይሕ ብዝኾነ ፈትልን፥ ብዝተፍሓሰ ሃርን ገበርዎ።
9
ምንዋሑ ስድሪ፥ ወርዱ ኸዓ ስድሪ ዝኾነ ኣርባዕተ መኣዝኑ ድርብ ነበረ።
10
ኣርባዕተ መስርዕ ኣዕናቝ ድማ ኣዛነቑሉ። ኣብ ቀዳማይ መስርዕ፦ ሰርድዮን፥ ቶጳዝዮን፥ ቢረሌ፤
11
ኣብ ካልኣይ መስርዕ፦ መረግድ፥ ሰንፔር፥ ኣልማዝ፤
12
ኣብ ሳልሳይ መስርዕ፦ ያክንት፥ ኬልቄዶን፥ ኣሜቴስጢኖስ፤
13
ኣብ ራብዓይ መስርዕ፦ ክርስቲሎቤ፥ ኦኒክስ፥ ኢያሰጲድ፤ እዝ ዅሉ ብወርቂ ኣብ ዝተገብረ ትንጎ ተሰዂዑ ነበረ።
14
እቲ ኣእማን ድማ፥ ከምቲ ስም ደቂ እስራኤል ዓሰርተ ኽልተ ነበረ። ስም እቶም ዓሰርተ ኽልተ ነገድ፥ ከም ቅርፂ ማሕተም ኣብቲ ኽቡር ኣእማን ተቐርፀ።
15
ንሳንቃ ኣፍ ልቢ ዝኸውን ድማ፥ ብፅሩይ ወርቂ ኸም ገመድ ፍሒሶም ሰንሰለታት ገበሩ።
16
ክልተ ትንጎ ወርቅን ክልተ ቐለበት ወርቅን ገበሩ እሞ፥ ነቲ ኽልተ ቐለበት ኣብቲ ኽልተ መኣዝን ሳንቃ ኣፍ ልቢ ገበርዎ።
17
ነቲ ኽልተ ትንጎ ወርቂ ድማ፥ ኣብቲ ወሰና ወሰን ሳንቃ ኣፍ ልቢ ዘሎ ኽልተ ቐለበት ገበርዎ።
18
ነቲ ኽልተ ኻልእ ኣንፊ ናይቲ ኽልተ ትንጎ ድማ፥ ኣብቲ ኽልተ መሰኵዒ ኣጋጢሞም፥ ኣብቲ ኽልተ ማእገር ኤፉድ ብወገን ቅድሚት ገበርዎ።
19
ክልተ ቐለበት ወርቂ ሰሪሖም ድማ ናብቲ ኽልተ ወሰን ሳንቃ ኣፍ ልቢ፥ ኣብ ወገን ኤፉድ ዘሎ ውሽጣዊ ጠርዚ ገበርዎ።
20
ሽዑ ኽልተ ቐለበት ወርቂ ገበሩ እሞ፥ ኣብ ክልቲኡ ማእገር ኤፉድ ብታሕቲ፥ ብወገን ቅድሚት፥ ኣብ ልዕሊ እቲ ብብልሓት ዝተገብረ ቅናት ኤፉድ፥ ኣብ ጥቓ እቲ ዝጋጠመሉ ገበርዎ።
21
ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞ፥ እቲ ሳንቃ ኣፍ ልቢ፥ ኣብ ልዕሊ እቲ ብብልሓት ዝተገብረ ቕናት ኤፉድ ክኸውን፥ ካብቲ ኤፉድ ድማ ኸይፍለ፥ ነቲ ሳንቃ ኣፍ ልቢ፥ ብቐለበታቱ ምስ ቀለበታት ኤፉድ ብሰማያዊ ገመድ ኣሰርዎ።
22
ነቲ ናይ ላዕሊ ኤፉድ ቐሚሽ ብምሉኡ፥ ብሰማያዊ ኻብ ዝተኣልመ ዓለባ ገበርዎ።
23
እቲ ኣብ ማእኸል እቲ ቐሚሽ ዘሎ ኣፍ ምእንቲ ኸይቕደድ፥ ከም ኣፍ ድርዒ ገይሮም፥ ነቲ ኣፍ ዙርያኡ ኸበስዎ።
24
ነቲ ቐሚሽ ከዓ ኣብ ታሕተዋይ ዘፈሩ ብሰማያዊ፥ ሓምራዊ፥ ውፁእ ቀይሕ፥ ዝኾነ ፈትልን፥ ብዝተፍሓሰ ሃርን ገይሮም ሮማናት ገበሩሉ።
25
ብፅሩይ ወርቂ ገይሮም ድማ ቓጭላት ገበሩ። ነቲ ቓጭላት ምስቲ ሮማናት እናዛነቑ፥ ኣብ ዘፈር እቲ ቐሚሽ፥ ብዙርያኡ ገበርዎ።
26
ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞ፥ ከገልግሉ እንተለዉ ምእንቲ ኽለብስዎ፥ ሓደ ቓጭልን ሓደ ሮማንን እናዛነቑ ኣብ ዘፈር እቲ ቐሚሽ ብዙርያኡ ገበሩ።
27
ንኣሮንን ንደቁን ድማ ብሃሪ ገይሮም፥ ብማእለማ ዝተኣልመ ቐማውሽ ታሕትን፥
28
መጠምጠምያን ናይ ገይፂ ቖብዕን ገበሩሎም። ስረታት ድማ ብዝተፍሓሰ ሃሪ ገበሩሎም።
29
ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞ ድማ፥ እቲ ቕናት ብዝተፍሓሰ ሃርን ብሰማያዊ፥ ሓምራዊ፥ ውፁእ ቀይሕ ዝኾነ ፈትልን ብምጥላፍ ዝተሰርሐ ነበረ።
30
ብፅሩይ ወርቂ ቅዱስ ኣኽሊል ሰሪሖም ድማ፥ ከም ኣቀራርፃ ማሕተም ገይሮም “ንእግዚኣብሄር ዝተቐደሰ” ዝብል ፅሕፈት ፀሓፉሉ።
31
ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞ ኸዓ፥ ኣብ ልዕሊ እቲ መጠምጠምያ ምእንቲ ኽእሰር፥ ኣብቲ ኣኽሊል ሰማያዊ ፍሕሶ ገበሩ።
32
ኵሉ እቲ መራኸቢ ድንኳን ተሰሪሑ ተፈፀመ። ደቂ እስራኤል፥ ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞ ዅሉ ገበሩ።
33
ሽዑ ነቲ ድንኳን ምስ ኵሉ ኣቑሑኡ፥ ናብ ሙሴ ኣምፅእዎ፤ ነቲ ቝልፍታቱን ሉሓቱን ጋድማቱን ኣዕምዱን ኣእጋሩን፥
34
ነቲ መደረብታ ዝኸውን ዝተቐረፀ ቘራብቲ ማጕላታትን፥ ልስሉስ ቈራብትን፥ ነቲ ዝጋረድ መጋረጃን፥
35
ነቲ ታቦት ኪዳንን መፃውሩን ስርየት ሓጢኣት ዝርከበሉ መኽደንን፥
36
ነቲ ጠረጴዛ ምስ ኵሉ ኣቑሑኡን፥ ሕብስቲ ቝርባንን፥
37
ነቲ ብፅሩይ ወርቂ ዝተሰርሐ ቐዋሚ ቐንዲል ምስ ቀንዲሉ፥ ኵሉ መሳርሒኡን ንመብራህቲ ዝኸውን ዘይትን፥
38
ነቲ ብወርቂ ዝተሰርሐ መሰውእን፥ ንመቕብኢ ዝኸውን ዘይትን፥ ምዑዝ ዕጣንን፥ ነቲ ኣፍ ደገ ድንኳን መዕፀዊ ዝኸውን መጋረጃን፥
39
ነቲ ብነሃስ ዝተሰርሐ መሰውእን፥ ምስቲ ብነሃስ ዝተሰርሐ መጋረዲኡን መፃውሩን፥ ኵሉ ኣቑሑኡን ገበራን ኣጋሮኡን፥
40
ነቲ መጋረጃታት ቅፅሪ ምስ ኣዕምዱን መርገፂኡን፥ ነቲ መጋረጃታት ኣፍ ደገ ቕፅሪ ምስ ኣግማዱን ሽኻላቱን፥ ነቲ ኣብ ኣገልግሎት እቲ መራኸቢ ድንኳን ዝውዕል ኵሉ ኣቑሑን፥
41
ነቲ ኣብ ኣገልግሎት መቕደስ ዝውዕል ዝተጠልፈ ኣልባሳት፥ ነቲ ቅዱሳት ኣልባሳት እቲ ኻህን ኣሮንን፥ ነቲ ደቁ ብኽህነት ከገልግሉ እንተለዉ ዝኽደንዎ ኣልባስን፥ ናብ ሙሴ ኣምፅእዎ።
42
ደቂ እስራኤል ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞ ዅሉ ገይሮም ሰርሕዎ።
43
ሙሴ ድማ ንዅሉ ስራሕ፥ ከምቲ እግዚኣብሄር ዝኣዘዞ ገይሮም ከም ዝሰርሕዎ ሪኡ ባረኾም።
← Chapter 38
Chapter 40 →