bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Exodus 38
Exodus 38
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ብዕንፀይቲ ሰራው ገይሩ፥ ሓሙሽተ እመት ዝምንዋሑ፥ ሓሙሽተ እመት ዝምግፋሑ፥ መስዋእቲ ዝቃፀለሉ መሰውኢ ገበረ። እቲ መሰውኢ ኣርባዕተ መኣዝን ነበረ፤ ምብራኹ ድማ ሰለስተ እመት ነበረ።
2
በርባዕተ መኣዝኑ ኣቕርንቲ ገበረሉ። ነቲ ኣቕርንቲ ምስቲ መሰውኢ ብሓደ ኣልጊቡ ሰርሖ፤ ብነሃስ ከዓ ለበጦ።
3
ንሓሙዅሽቲ ዝኸውን ቍራዕን መፅሓሪን ውንጭሕትን መውግኢ ስጋን ምድጃን ገበረ፤ ነዝ ዅሉ ኣቑሑ ብነሃስ ሰርሖ።
4
ነቲ መሰውኢ ዝኸውን ከም መንፊት ዝበለ መጋረዲ፥ ብነሃስ ሰሪሑ ኣብ ትሕቲ መንከስ እቲ መሰውኢ ኣልገቦ፤ ብወገን ታሕቲ ኽሳዕ ፍርቁ ኸም ዝበፅሕ ድማ ገበሮ።
5
ነቲ ኣርባዕተ መኣዝን መጋረዲ ነሃስ ከዓ መፃውር ምእንቲ ኽኣትዎ፥ ኣርባዕተ ቐለበት ገበረሉ፤
6
መፃውር ከዓ ብዕንፀይቲ ሰራው ገበረ፤ ብነሃስ ድማ ለበጦ።
7
ነቲ መፃውር ድማ፥ መፆሪ ምእንቲ ክኸውን፥ ናብቲ ኣብ ጐኒ መሰውኢ ዘሎ ቐለበታት ኣእተዎ። እቲ መፃውር ካብ ሉሕ ጓንጓ ኾይኑ ዝተሰርሐ ነበረ።
8
ነቲ ገበራ ብነሃስ ገይሩ ሰርሐ፤ ምስ ኣጋሮኡ ሰርሐ፤ እዝ ነሃስ እዙይ፥ እተን ኣብ ኣፍ ደገ እቲ መራኸቢ ድንኳን የገልግላ ዝነበራ ኣንስቲ፥ ዘምፅኣኦ ናይ ነሃስ መስትያት እዩ።
9
ቅፅሪ ድማ ገበረሉ። ብወገን ደቡብ ነቲ ቕፅሪ፥ ብዝተፍሓሰ ሃሪ ዝተሰርሐ ሚእቲ እመት ዝምንዋሑ መጋረጃታት ነበሮ።
10
ብነሃስ ዝተሰርሐ ዕስራ መርገፂ ዘለዎ ዕስራ ኣዕምዲ ገበረ፤ ናይቶም ኣዕማድ መሰቓቐልን ዘንግታትን ብብሩር ዝተሰርሐ ነበረ።
11
ከምኡ ድማ ብወገን ሰሜን፥ ኣርብዓን ሽዱሽተን ሜትር ዝምንዋሑ መጋረጃታት ሰርሐሉ። ብነሃስ ዝተሰርሐ ዕስራ መርገፂ ዘለዎ ዕስራ ኣዕምዲ ድማ ነበረ። ናይቲ ኣዕምዲ መሰቓቐልን ዘንግታትን ከዓ ብሩር ነበረ።
12
ብወገን ምዕራብ ድማ ዕስራን ሰለስተን ሜትር ዝምንዋሑ መጋረጃታት ነበረ። ዓሰርተ መርገፂ ዘለዎ ዓሰርተ ኣዕምዲ ድማ ነበረ። ናይቲ ኣዕምዲ መሰቓቐልን ዘንግታትን ከዓ ብሩር ነበረ።
13
ብወገን ምብራቕ ድማ ዕስራን ሰለስተን ሜትር ዝምስፍሑ ነበረ።
14
እቲ ኣፍ ደገ ብሓደ ወገኑ፥ ሸውዓተ ሜትር ዝምንዋሑ መጋረጃታት ነበሮ። ሰለስተ መርገፂ ዘለዎ ሰለስተ ዓምዲ ድማ ነበሮ።
15
ብኻልኣይ ወገኑ ድማ ሸውዓተ ሜትር ዝምንዋሑ መጋረጃታት ነበሮ፤ ሰለስተ መርገፂ ዘለዎ ሰለስተ ኣዕምዲ ኸዓ ነበሮ።
16
ኵሉ እቲ ኣብ ዙርያ እቲ ቕፅሪ ዝነበረ መጋረጃታት፥ ብዝተፍሓሰ ሃሪ ዝተሰርሐ ነበረ።
17
ኣእጋር እቲ ኣዕምዲ ድማ፥ ካብ ነሃስ ነበረ። ናይቶም ኣዕምዲ መሰቓቐልን ዘንግታትን ከዓ ብሩር ነበረ። ጕልላት እቲ ኣዕምዲ ድማ፥ ብብሩር ተለቢጡ ነበረ፤ ኵሉ ኣዕምዲ እቲ ቕፅሪ እውን ዘንግታት ብሩር ነበሮ።
18
መጋረጃ ኣፍ ደገ እቲ ቕፅሪ ድማ ኻብ ሰማያዊ፥ ሓምራዊ፥ ውፁእ ቐይሕ ዓለባን፥ ዝተፍሓሰ ሃርን ዝተጠልፈ ነበረ። ከምቲ መጋረጃታት ቅፅሪ፥ ንውሓቱ ዕስራ እመት ቁመቱ ሓሙሽተ እመት ነበረ።
19
ብነሃስ ዝተሰርሐ ኣርባዕተ ኣዕማድን፥ ኣርባዕተ መርገፂን ድማ ነበሮ። መሰቓቐሊኡን ዘንግታቱን ብሩር ነበረ፤ ጕልላቱ ድማ ብብሩር ዝተለበጠ ነበረ።
20
ሽኻላት እቲ ድንኳንን ሽኻላት እቲ ቕፅርን ብምሉኡ ብነሃስ ዝተሰርሐ ነበረ።
21
ነቲ መሕደሪ ድንኳን ንሱውን እቲ ናይ ምስክር ድንኳን ከምቲ ሙሴ ዝኣዘዞ፥ ሌዋውያን ብኢታምር ወዲ ኻህን ኣሮን ተመሪሖም፥ ዘቕረብዎ ፀብፃብ ኣቑሑ እዙይ እዩ።
22
እቲ ኻብ ነገድ ይሁዳ ዝኾነ ባስልኤል ወዲ ኡሪ ወዲ ሁር ድማ፥ ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞ ዅሉ ገበረ።
23
ኤልያብ፥ ወዲ ኣሒሳማክ ካብ ነገድ ዳን ከዓ ምስኡ ነበረ። ንሱ ቐራፅን፥ ብሰማያዊ፥ ሓምራዊ፥ ውፁእ ቐይሕ ዓለባን ሃርን ዝሰርሕ ብልሓተኛ ኣላምን ጠላፍን ነበረ።
24
እቲ ንዅሉ ስራሕ ቤተ መቕደስ መስርሒ ክኸውን ዝተውሃበ ወርቂ፥ ሽሕ ኪሎ ግራም ኮነ።
25
በቶም ዝተቘፀሩ ህዝቢ እስራኤል ዝተውሃበ ብሩር ድማ፥ ሰለስተ ሽሕን ኣርባዕተ ሚእትን ሰላሳን ኪሎ ግራም ኮነ።
26
እዝ ፀብፃብ እዙይ ደቂ እስራኤል ክቝፀሩ እንተለዉ፥ እቶም ዝተቘፀሩ ሰባት ብሚዛን ቤተ መቕደስ ዝኸፈልዎ ድምር እዩ። እቶም ዝተቘፀሩ ድማ ኻብ ወዲ ዕስራ ዓመት ንላዕሊ፥ ኵሎም ሽዱሽተ ሚእትን ሰለስተን ሽሕን ሓሙሽተ ሚእትን ሓምሳን ሰባት ነበሩ።
27
ካብቲ ብሩር፥ ንሓደ መርገፂ ሰላሳን ኣርባዕተን ኪሎ ግራም ብምፍሳስ፥ ነቲ ድንኳንን ነቲ መጋረጃታትን ዝኸውን፥ ሚእቲ መርገፂ፥ ሰለስተ ሽሕን ኣርባዕተ ሚእትን ኪሎ ግራም ብሩር ወድአ።
28
በቲ ሰላሳ ኺሎ ግራም ብሩር ድማ፥ ነቲ ኣዕምዲ መሰቓቐሊ ገበረሉ፤ ንጕልላቱ ኸዓ ለበጦ፤ ዘንግታትውን ገበረሉ።
29
እቲ ዝተውሃበ ነሃስ ድማ፥ ክልተ ሽሕን ኣርባዕተ ሚእትን ዕስራን ሓሙሽተን ኪሎ ግራም ነበረ።
30
ብእኡ ገይሩ መርገፂ ኣፍ ደገ ናይቲ መራኸቢ ድንኳንን፥ መሰውኢ ምስ መጋረዲኡን፥ ኵሉ ኣቑሑ መሰውእን፥
31
ኣእጋር ቅፅርን መርገፂ ኣፍ ደገ ቅፅርን፥ ኵሉ ሽኻላት ድንኳንን ኵሉ ሽኻላት ቅፅርን ሰርሐ።
← Chapter 37
Chapter 39 →