bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Exodus 40
Exodus 40
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ሽዑ እግዚኣብሄር ንሙሴ ኸምዙይ በሎ፦
2
“ብቐዳመይቲ መዓልቲ ናይታ ቐዳመይቲ ወርሒ፥ ነቲ መራኸቢ ድንኳን፥ መሕደሪ ትኸሎ።
3
ነቲ ታቦት ኪዳን ኣብኡ ኣንብሮ፤ መጋረጃ ጌርካ ኸዓ ጋርዶ።
4
ነቲ ጠረጴዛ ናብኡ ኣእቲኻ ድማ፥ እቲ ኣብኡ ዝቕመጥ ኣቑሑ ስርዐሉ። ቀዋሚ ቐንዲል ኣእቲኻ ኸዓ፥ እቲ ቐናዲሉ ኣንብረሉ።
5
ነቲ ብወርቂ ዝተገብረ መሰውኢ ዕጣን፥ ኣብ ቅድሚ እቲ ታቦት ኪዳን ኣንብሮ፤ ንኣፍ ደገ እቲ ድንኳን ከዓ ብመጋረጃ ጋርዶ።
6
“ነቲ ዝቃፀል መስዋእቲ ዝቐርበሉ መሰውኢ ድማ፥ ኣብ ቅድሚ ኣፍ ደገ እቲ መራኸቢ ድንኳን ግበሮ።
7
ነቲ ገበራ ድማ ኣብ መንጎ እቲ መራኸቢ ድንኳንን፥ ኣብ መንጎ እቲ መሰውእን ኣንብሮ፤ ማይ ከዓ ግበረሉ።
8
ነቲ ቕፅሪ ድማ ኣብ ዙርያኡ ግበሮ፤ ነቲ መጋረጃ ኸዓ ኣብ ኣፍ ደገ እቲ ቕፅሪ ግበሮ።
9
“መቕብኢ ዘይቲ ወሲድካ ኸዓ፥ ነቲ ድንኳንን ኣብኡ ንዘሎ ዅሉን ቅብኣዮ፤ ንእኡን ንዅሉ ኣቑሑኡን ቀድሶ እሞ ቅዱስ ክኸውን እዩ።
10
ነቲ ዝቃፀል መስዋእቲ መሰውኢን ንዅሉ ኣቑሑኡን ድማ ቕብኣዮ፤ ነቲ መሰውኢውን ቐድሶ እሞ፥ እቲ መሰውኢ ቅዱሰ ቅዱሳን ክኸውን እዩ።
11
ነቲ ገበራን ንኣጋሮኡን ከዓ ቕብኣዮን ቀድሶን።
12
“ንኣሮንን ንደቁን ድማ፥ ናብ ኣፍ ደገ እቲ መራኸቢ ድንኳን ኣቕሪብካ ብማይ ሕፀቦም።
13
ንኣሮን እቲ ቅዱስ ልብሲ ኸዲንካ ድማ፥ ካህነይ ክኸውን፥ ቅብኣዮን ቀድሶን።
14
ንደቁ ኸዓ ኣቕሪብካ ቐማውሽ ኽደኖም።
15
ነቦኦም ከም ዝቐባእኻዮ፥ ንኣኣቶም ድማ ኻህናተይ ክኾኑኒ ቕብኣዮም። እዙይ ንውሉድ ወለዶኦም፥ ብኽህነት ከገልግሉኒ ዘለኣለማዊ ምቕባእ ይኹነሎም።”
16
ሙሴ ድማ ኸምቲ ዅሉ እግዚኣብሄር ዝኣዘዞ ገበረ።
17
ኣብታ ኻልአይቲ ዓመት፥ በታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ናይታ ቐዳመይቲ ወርሒ፥ እቲ ድንኳን ተተኽለ።
18
ሙሴ ድማ ነቲ ድንኳን ኣቖሞ፤ ኣእጋሩ ተኺሉ ነቲ ሉሓቱ ኣቖሞ፤ ጋድማቱ ኣእተወ፤ ኣዕምዱውን ተኸለ።
19
ከምቲ እግዚኣብሄር ዝኣዘዞ ኸዓ፥ ሙሴ ኣብ ልዕሊ እቲ ድንኳን ዓለባ ዘርግሐሉ፤ ኣብ ልዕሊኡ ድማ መደረብታ ገበረሉ።
20
ነቲ ፅላት ኪዳን ወሲዱ ድማ፥ ናብ ታቦት ኣእተዎ እሞ፥ ነቲ ታቦት መፃውር ገበረሉ፤ ነቲ ስርየት ሓጢኣት ዝርከበሉ መኽደን ከዓ፥ ኣብ ልዕሊ እቲ ታቦት ኣንበሮ።
21
ከምቲ እግዚኣብሄር ዝኣዘዞ ድማ፥ ነቲ ታቦት ናብ ውሽጢ ድንኳን ኣእተዎ፤ ነቲ ዝጋረድ መጋረጃ ድማ ሰቐሎ እሞ፥ ነቲ ታቦት ኪዳን ጋረዶ።
22
ነቲ ጠረጴዛ ኸዓ ኣብቲ መራኸቢ ድንኳን፥ ብወገን ሰሜን እቲ ድንኳን፥ ብወፃኢ እቲ መጋረጃ ገበሮ።
23
ነቲ ሕብስቲ ቝርባን ድማ፥ ከምቲ እግዚኣብሄር ዝኣዘዞ፥ ኣብ ልዕሊ እቲ ጠረጴዛ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ሰርዖ።
24
ነቲ ቐዋሚ ቐንዲል ድማ፥ ኣብቲ መራኸቢ ድንኳን፥ ኣብ መንፅር ጠረጴዛ፥ ብወገን ደቡብ ድንኳን ኣንበሮ።
25
ነቲ ቐንዲል ከዓ፥ ከምቲ እግዚኣብሄር ዝኣዘዞ፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣብርሆ።
26
ነቲ ብወርቂ ዝተሰርሐ መሰውኢ ዕጣን ድማ፥ ናብቲ መራኸቢ ድንኳን ኣብ ቅድሚ መጋረጃ ኣንበሮ።
27
ከምቲ እግዚኣብሄር ዝኣዘዞ ድማ፥ ኣብኡ ምዑዝ ዕጣን ዓጠነ።
28
ነቲ መጋረጃ፥ ኣብ ኣፍ ደገ እቲ ድንኳን ገበሮ።
29
ከምቲ እግዚኣብሄር ዝኣዘዞ ድማ፥ ነቲ ዝቃፀል መስዋእቲ ዝኸውን መሰውኢ፥ ኣብ ኣፍ ደገ እቲ መሕደሪ ናይ መራኸቢ ድንኳን ኣንበሮ እሞ፥ ዝቃፀል መስዋእትን መስዋእቲ እኽልን ኣብኡ ኣቕረበ።
30
ነቲ ገበራ ድማ፥ ኣብ መንጎ እቲ መራኸቢ ድንኳንን፥ ኣብ መንጎ እቲ መሰውእን ኣንቢሩ፥ ንመሕፀቢ ዝኸውን ማይ መልኦ።
31
ሙሴን ኣሮንን ደቁን ከዓ፥ ኣእዳዎምን ኣእጋሮምን ካብኡ ይሕፀቡ ነበሩ።
32
ናብቲ መራኸቢ ድንኳን ክኣትዉ እንተለዉን፥ ናብ መሰውኢ ኽቐርቡ እንተለዉን፥ ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞ ይሕፀቡ ነበሩ።
33
ኣብ ዙርያ ድንኳንን መሰውእን ከዓ፥ ቅፅሪ ኣቖመ፤ ነቲ ኣፍ ደገ ቕፅሪ ድማ፥ መጋረጃ ጋረደሉ። ሙሴ ነቲ ስራሕ በዝ ኸምዙይ ፈፀሞ።
34
ብድሕሪኡ፥ ነቲ መራኸቢ ድንኳን ደመና ሸፈኖ፤ ነቲ ድንኳን ድማ፥ ክብሪ እግዚኣብሄር መልኦ።
35
እቲ ደመና ኣብ ልዕሊኡ ስለ ዝዓረፈ፥ እቲ ኽብሪ እግዚኣብሄር ድማ፥ ነቲ ድንኳን መሊእዎ ስለ ዝነበረ፥ ሙሴ ናብቲ መራኸቢ ድንኳን ክኣቱ ኣይከኣለን።
36
እቲ ደመና ኻብቲ ድንኳን እንትለዓል፥ ደቂ እስራኤል ብዅሉ መንገዶም ይጐዓዙ ነበሩ።
37
እቲ ደመና እንተ ዘይተልዒሉ ግና፥ ክሳዕ ዝለዓል ኣይጐዓዙን ነበሩ።
38
ብዅሉ መንገዶም፥ ኣብ ቅድሚ ዅሉ ቤት እስራኤል፥ ደመና እግዚኣብሄር ብመዓልቲ ኣብ ልዕሊ እቲ ድንኳን ነበረሞ፥ ሓዊ ድማ ብለይቲ ኣብኡ ነበረ።
← Chapter 39