bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Exodus 37
Exodus 37
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ባስልኤል ድማ ብዕንፀይቲ ሰራው ገይሩ ታቦት ሰርሐ፤ ንውሓቱ ኽልተ እመትን ፈረቓን፥ ስፍሓቱ ኸዓ እመትን ፈረቓን፥ ምብራኹውን እመትን ፈረቓን ነበረ።
2
ውሽጡን ደገኡን ብፅሩይ ወርቂ ለበጦ። ዙርያኡ ኸዓ ኣኽሊል ወርቂ ገበረሉ።
3
ኣርባዕተ ቐለበት ወርቂ ኣፍሲሱ ኣብ ኣርባዕቲኡ እግሩ፥ ክልተ ቐለበት ብሓደ ወገን፥ ክልተ ቐለበት ከዓ ብኻልኣይ ወገን ገበሮ።
4
ብዕንፀይቲ ሰራው ገይሩ መፃውር ሰርሐ፤ ብወርቂ ኸዓ ለበጦ።
5
እቲ ታቦት ብእኡ ምእንቲ ኽፅወር ድማ፥ ነቲ መፃውር ናብቲ ኣብ ጐኒ ታቦት ዘሎ ቐለበታት ኣእተዎ።
6
ብፅሩይ ወርቂ ገይሩ ኸዓ ንውሓቱ ኽልተ እመትን ፈረቓን፥ ስፍሓቱ እመትን ፈረቓን ዝኾነ፥ መኽደን መስተስረዪ ገበረ።
7
ወርቂ ቐጥቂጡ ኽልተ ኪሩቤል ሰርሐ። ብኽልተ ወገኑ ነቲ መኽደን መስተስረዪ ገበሮ።
8
ሓደ ኪሩቤል ብሓደ ወሰን፥ ሓደ ኪሩቤል ድማ በቲ ሓደ ወሰን፥ ምስቲ መኽደን መስተስረዪ፥ ብሓደ ኣላጊቡ ሰርሖም።
9
እቶም ኪሩቤል መጠማምቲ ነበሩ፤ ኣኽናፎም ልዕል ኣቢሎም ዘርጊሖም፥ ነቲ መኽደን መስተስረዪ በኽናፎም የፅልሉሉ ነበሩ። ገፆም ከዓ ናብቲ መኽደን መስተስረዪ ኣቢሉ ነበረ።
10
ብዕንፀይቲ ሰራው ገይሩ ኸዓ ንውሓቱ ኽልተ እመት፥ ስፍሓቱ ሓደ እመት፥ ምብራኹ ድማ እመትን ፈረቓን ዝኾነ ጠረጴዛ ሰርሐ።
11
ብፅሩይ ወርቂ ለበጦ፤ ነቲ ዙርያኡ ኸዓ ወርቂ ኣኽሊል ገበረሉ።
12
ነቲ ዙርያኡውን ግናዕ ዝምግፋሑ ኽባስ ገበረሉ፤ ነቲ ኽባስ ከዓ ኣብ ልዕሊዑ ብወርቂ ኣኽሊል ኸፈፎ።
13
ወርቂ ኣፍሲሱ ኣርባዕተ ቐለበት ገበረ፤ ንኣኣተን ድማ ኣብቲ ኣርባዕተ እግሩ ዘሎ ኣርባዕተ መኣዝን ገበረ።
14
እቲ ቐለበታት፥ መፃውር ምእንቲ ኽኣትዎ እሞ፥ እቲ ጠረጴዛ ብእኡ ኽፅወር፥ ኣብ ጥቓ እቲ ኽባስ ነበረ።
15
ነቲ መፆሪ ጠረጴዛ ዝኾነ መፃውር ብዕንፀይቲ ሰራው ገይሩ ሰርሖ፤ ብወርቂ ድማ ለበጦ።
16
ነቲ ኣብ ጠረጴዛ ዝቕመጥ ኣቑሑ፥ ሒላባትን ውንጭሕትታትን ፅዋዓትን፥ ነቲ መስዋእቲ መስተ ዘፍስሰሉ ዅስኵስትታትን፥ ብፅሩይ ወርቂ ሰርሖ።
17
ብፅሩይ ወርቂ ገይሩ ቐዋሚ ቐንዲል ሰርሐ። ነቲ ቐዋሚ ቐንዲል፥ ምስ እግሩን ዘንጉን፥ ብዝተቐጥቀጠ ወርቂ ገይሩ ሰርሖ። ነቲ ጫፉ ዝኸፈተ ዕምበባ፥ ነቲ ጕንዱ ድማ ዝመዓጐ ዕምበባ ዝመስል ገይሩ ሰርሖ።
18
ብኽልተ ጐኑ ነቲ ቐዋሚ ቐንዲል ሽዱሽተ ጨንፈር፥ ብሓደ ወገኑ ሰለስተ፥ ብሓደ ወገኑ ድማ ሰለስተ ጨንፈር ነበሮ።
19
በቲ ቐዳማይ ጨንፈር ዝመዓጐን ዕንበባኡን ሰለስተ ናይ ለውዚ ዕንበባ ዝመስሉ ፅዋዓት፥ ኣብቲ ኻልኣይ ጨንፈር ድማ ዝመዓጐን ዕንበባኡን፥ ሰለስተ ናይ ለውዚ ዕንበባ ዝመስሉን ፅዋዓት፥ ከምኡውን ካብቲ ቐንዲል ንዝወፁ፥ ነቶም ሽዱሽተ ጨናፍር ገበረ።
20
ኣብቲ ቐዋሚ ቐንዲል ከዓ፥ ዕምበባ ለውዚ ዝመስል ኣርባዕተ ጫፉ ዝኸፈተ ዕምበባን ዝመዓጐ ዕምበባን ነበረ።
21
ሓደ ዝመዓጐ ዕምበባ ኣብ ትሕቲ ቐዳመይቲ ፅምዲ ጨንፈር፥ ሓደ ዝመዓጐ ዕምበባ ኸዓ፥ ኣብ ትሕቲ እታ ኻልአይቲ ፅምዲ ጨንፈር፥ ሓደ ዝመዓጐ ዕምበባ ድማ፥ ኣብ ትሕቲ እታ ሳልሰይቲ ፅምዲ ጨንፈር ነበረ። እተን ጨናፍር ብዝሐን ሽዱሽተ ነበራ።
22
እቲ ዝመዓጐ ዕምበባን ጨናፍርን ምስቲ ቐዋሚ ቐንዲል፥ ፅሩይ ወርቂ ብምቕጥቃጥ ብሓደ ዝተሰርሐ ነበረ።
23
ብፅሩይ ወርቂ ገይሩ፥ መዀስተርን መዋህለሊ ርስሓትን ዘለዎ ሸውዓተ ቕሉዕ ቐንዲል ገበረ።
24
ነቲ ቐዋሚ ቐንዲልን ንዅሉ ኣቑሑኡን፥ ብሰላሳን ኣርባዕተን ኪሎ ግራም ፅሩይ ወርቂ ገይሩ ሰርሖ።
25
ብዕንፀይቲ ሰራው ገይሩ፥ ዕጣን ዝትክየሉ መሰውኢ ሰርሐ። ኣርባዕተ መኣዝኑ ማዕረ ነበረ፤ ንውሓቱ ሓደ እመት፥ ስፍሓቱ ሓደ እመት፥ ምብራኹ ድማ ኽልተ እመት ነበረ። ነቲ መሰውኢ ፀሪቡ ኸዓ ኣቕርንቲ ኣውፅአሉ።
26
ላዕላዩን ኵሉ ወገኑን ምስ ኣቕርንቱ፥ ብፅሩይ ወርቂ ለበጦ። ዙርያኡ ድማ ናይ ወርቂ ኸፈፍ ገበረሉ።
27
ኣብ ትሕቲ ኸፈፍ ድማ፥ ክልተ ናይ ወርቂ ቐለበት ገበረሉ። መፆሪ ምእንቲ ክኸውን ብኽልተ ጐኑ ኣብ ትሕቲ እቲ መኽፈፊኡ ገበሮ። እቲ መፃውር ኣብኡ ምእንቲ ኽኣቱ፥ ብኽልተ ወገኑ ኣጥበቖ።
28
ነቲ መፃውር ብዕንፀይቲ ሰራው ገይሩ ሰርሖ፤ ብወርቂ ኸዓ ለበጦ።
29
ነቲ ዝቕባእ ቅዱስ ዘይቲ ቕብኣትን፥ ነቲ ፅሩይ ምዑዝ ዕጣንን ድማ፥ ከምቲ ብኽኢላ ቐማሚ ዝግበር ገይሩ ኣዳለዎ።
← Chapter 36
Chapter 38 →