bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Exodus 36
Exodus 36
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ስለዙይ “ባስልኤልን ኤልያብን ኵሎም ጥበብ ዘለዎም ሰባትን መቕደስ ንምስራሕ ዘድሊ ዅሉ ስራሕ ምስራሕ ምእንቲ ኽፈልጡ፥ እግዚኣብሄር ጥበብን ምስትውዓልን ዝሃቦም፥ ከምቲ ዅሉ እግዚኣብሄር ዝኣዘዞ ነገር ክገብሩ እዮም።”
2
ሙሴ ድማ ንባስልኤልን ንኤልያብን፥ ንዅሎም እቶም መፂኦም ነዝ ስራሕ እዙይ ክሰርሑ ድሌት ዘለዎምን፥ እግዚኣብሄር ጥበብ ዘሕደረሎም ክኢላታት ሰባትን ፀውዐ።
3
ንሳቶም ከዓ ነቲ ደቂ እስራኤል ንስራሕ መቕደስ ኢሎም ዘምፅእዎ ዅሉ ውህብቶ፥ ክሰርሑሉ ኻብ ሙሴ ተቐበሉ። ንሳቶም ድማ፥ ነቲ ብድሌት ዝህብዎ ውህብቶ፥ ንግሆ ንግሆ የምፅእዎ ነበሩ።
4
እቶም ንዅሉ ስራሕ መቕደስ ዝሰርሑ ዝነበሩ ዅላቶም ጥበበኛታት፥ ነፍሲ ወከፎም ካብቲ ዝሰርሑዎ ዝነበሩ ስራሖም ናብ ሙሴ መፂኦም፦
5
“እዝ ህዝቢ እዙይ፥ ነቲ እግዚኣብሄር ክግበር ዝኣዘዞ ስራሕ ንምስራሕ ካብ እቲ ዘድሊ ሕልፊ የምፅእ ኣሎ” ኢሎም ተዛረብዎ።
6
ሽዑ ሙሴ “ሰብኣይ ወይ ሰበይቲ ንመስርሒ መቕደስ ዝኸውን ውህብቶ ኣይተምፅኡ” ኢሉ ኣብ ሰፈር ኣዘዘ እሞ፥ እቶም ህዝቢ ኸየምፅኡ ተኸልከሉ፤
7
እቲ ዝተውሃበ ነቲ ዅሉ ዝስራሕ ስራሕ ኣኺሉ ዝተርፍ ነበረሞ።
8
እቶም ነቲ ስራሕ ዝሰርሑ ዝነበሩ ዅሎም ጥበበኛታት፥ ነቲ ድንኳን ብዓሰርተ ዓለባታት ሰርሕዎ፤ ብዝተፍሓሰ ሃርን ብሰማያዊ፥ ሓምራዊ፥ ውፁእ ቀይሕ ብዝኾነ ፈትልን ገበርዎ፤ ብብልሓት ዝተጠልፈ ምስሊ ኪሩቤል ከዓ ገበሩሉ።
9
እቲ መጋረጃ ንውሓቱ ዕስራን ሾመንተን እመት፥ ወርዱ ኣርባዕተ እመት ነበረ። ኵሉ እቲ ዓለባታት፥ ሓደ ዓይነት ስፍሪ ዘለዎ ነበረ።
10
ነቲ ሓሙሽተ ዓለባታት ንስንሳቱ ኣጋጠምዎ፤ ነቲ ዝተረፈ ሓሙሽተ ዓለባታትውን፥ ንሕድሕዱ ኣጋጠምዎ።
11
ኣብቲ ቐዳማይ ዝተጋጠመ ኣብ ጠርዚ እቲ ወሰናይ ዓለባ፥ ብሰማያዊ ፈትሊ ቐለበታት ገበሩሉ። ኣብቲ ኻልኣይ ዝተጋጠመ ድማ፥ ኣብ ጠርዚ እቲ ወሰናይ ዓለባ ኸምኡ ገበሩሉ።
12
ኣብቲ ሓደ መጋረጃ ሓምሳ ቐለበታት ገበሩ። ኣብቲ ኻልኣይ ዝተጋጠመ ኸዓ፥ ኣብ ጠርዚ እቲ ወሰናይ መጋረጃ ሓምሳ ቐለበታት ገበሩ። እቲ ቐለበታት ድማ፥ ንሕድሕዱ ኸም ዝራኸብ ገበርዎ።
13
ሓምሳ ቝልፊ ወርቂ ኸዓ ሰርሑ እሞ፥ ነቲ ዓለባታት በቲ ቝልፍታት ንስንሳቱ ኣጋጠምዎ። እቲ ድንኳን ድማ ሓደ ኾነ።
14
ንመደረብታ እቲ ድንኳን ድማ፥ ካብ ፀጕሪ ጤል ዓለባታት ገበሩ። ኵሉ እቲ ዓለባታት ዓሰርተ ሓደ መጋረጃታት ነበረ።
15
እቲ ዓለባ ንውሓቱ ሰላሳ እመት፥ ወርዱ ድማ ኣርባዕተ እመት ነበረ፤ እቲ ዓሰርተ ሓደ መጋረጃታት ከዓ ማዕረ ነበረ።
16
ነቲ ሓሙሽተ ዓለባ ንበይኑ ኣብ ሓደ፥ ነቲ ሽዱሽተ ዓለባ ኸዓ ንበይኑ ኣብ ሓደ ኣጋጠምዎ።
17
ኣብቲ ቐዳማይ ዝተጋጠመ፥ ኣብ ጠርዚ እቲ ወሰናይ ዓለባ፥ ሓምሳ ቐለበታት ገበሩ። ኣብቲ ኻልኣይ ዝተጋጠመ ኸዓ፥ ኣብ ጠርዚ እቲ ወሰናይ ዓለባ፥ ሓምሳ ቐለበታት ገበሩ።
18
እቲ መደረብታ ኽጋጠም እሞ ሓደ ክኸውን፥ ሓምሳ ቝልፊ ነሃስ ገበሩ።
19
ነቲ መደረብታ ድማ፥ ካብ ዝተቐረፀ ቘራብቲ ማጓሉ መኽደን ገበሩሉ። ኣብ ልዕሊኡ ኸዓ፥ ካብ ቈርበት እንስሳ ባሕሪ፥ ካልእ መኽደን ገበሩሉ።
20
ነቲ ድንኳን ከዓ፥ ካብ ዕንፀይቲ ሰራው ደው ዝብል ሉሕ ገበሩሉ።
21
እቲ ሉሕ ንውሓቱ ዓሰርተ እመት፥ ስፍሓቱ ሓደ እመትን ፈረቓን ነበረ።
22
ነንሕድሕድ ሉሕ መጣምቲ ዝኾኑ ኸክልተ መተሓሓዚ ገበሩሉ። ንዅሉ እቲ ሉሓት ድንኳን ከዓ ኸምኡ ገበሩሉ።
23
ብወገን ደቡብ ነቲ ድንኳን ዕስራ ሉሓት ገበሩሉ።
24
ኣብ ትሕቲ እቲ ዕስራ ሉሕ ድማ፥ ብብሩር ዝተሰርሐ ኣርብዓ እግሪ ገይሮም፥ ኣብ ትሕቲ እቲ ኽልተ መተሓሓዚ ዘለዎ ሓደ ሉሕ ክልተ እግሪ፥ ኣብ ትሕቲ እቲ ኻልእ ሉሓት ከዓ፥ ንኽልተ ጉጭ ከክልተ እግሪ ገበሩሉ።
25
በቲ ኻልኣይ ወገን ሰሜን እቲ ድንኳን ድማ፥ ዕስራ ሉሕ፥ ገበሩ።
26
ኣብ ትሕቲ ሓደ ሉሕ ከክልተ እግሪ እናገበሩ፥ ብብሩር ኣርብዓ እግሪ ሰርሑ።
27
ብድሕሪኡ ብወገን ምዕራብ ድንኳን፥ ሽዱሽተ ሉሕ ገበሩ።
28
ንዅርናዓቱ ኸዓ ኽልተ ሉሕ ገበሩሉ።
29
እዙይ ካብ ታሕቲ ጀሚሩ ኽሳዕ ላዕሊ፥ ክሳዕ እቲ ቐዳማይ ቀለበት ድርብ ነበረ። ንኽልቲኡ ኣብቲ ኽልተ ዅርናዕ ከምኡ ገበሩሉ።
30
እቲ ሉሓት ሸሞንተ፥ እቲ ብብሩር ዝተገብረ ኣእጋር ከዓ፥ ኣብ ትሕቲ ሓደ ሉሕ ክልተ እግሪ፥ ዓሰርተ ሽዱሽተ እግሪ ነበረ።
31
ብዕንፀይቲ ሰራው ድማ ጋድማት ገበሩ፤ ብሓደ ወገን ድንኳን ንዘሎ ሉሓት ሓሙሽተ፥
32
ብኻልኣይ ወገን ድንኳን ንዘሎ ሉሓት ከዓ ሓሙሽተ ጋድም፥ ብድሕሪኡ ብወገን ምዕራቡ ንዘሎ ሉሓት ድማ፥ ሓሙሽተ ጋድም ገበሩ።
33
ነቲ ማእኸላይ ጋድም ከዓ ብማእኸል እቲ ሉሓት ገይሩ፥ ካብቲ ሓደ ወሰን ናብቲ ሓደ ወሰን ከም ዝሓልፍ ገበርዎ።
34
ነቲ ሉሓት ብወርቂ ለበጥዎ፤ ነቲ ጋድማት ዝኣትዎ ቐለበታት ድማ ብወርቂ ገበርዎ፤ ነቲ ጋድማትውን ብወርቂ ለበጥዎ።
35
ነቲ መጋረጃ ብሰማያዊ፥ ሓምራዊ፥ ውፁእ ቀይሕ ፈትልን፥ ብዝተፍሓሰ ሃርን ሰርሕዎ። ብብልሓት ዝተጠልፉ ኪሩቤል ድማ ሰኣሉሉ።
36
ካብ ዘይነቅዝ ዕንፀይቲ ኣርባዕተ ዓምዲ ገበሩ። ብወርቂ ኸዓ ለበጥዎ፤ መሰቓቐሊኡውን ካብ ወርቂ ነበረ። ኣርባዕተ እግሪ ብሩር ድማ ብፍሲ ገበሩ።
37
መጋረጃ ኣፍ ደገ ድንኳን ከዓ ብሰማያዊ፥ ሓምራዊ፥ ብውፁእ ቀይሕ ፈትልን፥ ዝተፍሓሰ ሃርን ገይሮም ጠለፍዎ።
38
ነቲ ሓሙሽተ ኣዕምዱ ድማ፥ ምስ መሰቓቐሊኡ ገበርዎ። ነቲ ጕልላቱን ዘንግታቱን ብወርቂ ለበጥዎ። እቲ ሓሙሽተ ኣእጋሩ ኸዓ ነሃስ ነበረ።
← Chapter 35
Chapter 37 →