bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Exodus 35
Exodus 35
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ሙሴ ድማ ንዅሉ ማሕበር ደቂ እስራኤል ኣኪቡ፥ ከምዙይ በሎም፦ “እቲ እግዚኣብሄር ክትገብርዎ ኢሉ ዝሃበኩም ትእዛዝ እዙይ እዩ፦
2
ሽዱሽተ መዓልቲ ስራሕኹም ስርሑ፤ እታ ሻውዐይቲ መዓልቲ ግና፥ ንእግዚኣብሄር ዝተቐደሰት ሰንበት፥ በዓል ዕረፍቲ ትኹነልኩም፤ ብኣኣ ስራሕ ዝሰርሐ ዅሉ ይቀተል።
3
ብመዓልቲ ሰንበት ኣብ ሰፈርኩም ሓዊ እኳ ኣይተንድዱ።”
4
ሙሴ ድማ ንዅሉ ማሕበር ደቂ እስራኤል ከምዙይ ኢሉ ተዛረቦም፦ “እቲ እግዚኣብሄር ዝኣዘዞ ነገር እዙይ እዩ፦
5
ካባኻትኩም ንእግዚኣብሄር ቍርባን ኣቕርቡ፤ ናይ ልቢ ፍቓድ ዘለዎ ንእግዚኣብሄር ቍርባን የምፅእ፤ ዝፈቐዶ ወርቂ፥ ብሩር፥ ነሃስ፥
6
ሰማያዊ፥ ሓምራዊ፥ ውፁእ ቀይሕ ፈትልን ሃርን፥ ፀጕሪ ጤል፥
7
ዝተቐረፀ ቘራብቲ ማጓሉ፥ ቈራብቲ እንስሳ ባሕሪ፥ ዕንፀይቲ ሰራው፥
8
ንቐንዲል ዝኸውን ዘይቲ፥ ንመቕብኢ ዘይትን ንጥዑም ዝጨናኡ ዕጣን መስርሒ ዝኸውን ቀመማት፥
9
ኣብ ኤፉድን፥ ኣብ የማነ ፀጋም ኣፍ ልብን ተዛኒቑ ዝስኳዕ ኦኒክስን፥ ካልእ ክቡር እምንን፥ ንእግዚኣብሄር መባእ የምፅእ።
10
“ኵሎም እቶም ኣብ መንጎኹም ዘለዉ ጥበበኛታት ይምፅኡ፤ ነቲ እግዚኣብሄር ዝኣዘዞ ዅሉ ድማ ይግበሩ፤
11
ነቲ ድንኳን ምስ ዓለባኡን መደረብታኡን ቍልፍታቱን ሉሓቱን ጋድማቱን ኣዕምዱን ኣእጋሩን፥
12
ታቦቱን መፃውሩን፥ እቲ ስርየት ዝርከበሉ መኽደንን ዝጋርዶ መጋረጃን፥
13
ሰደቓን እቲ መፃውሩን ኵሉ ኣቑሑኡን ከምኡ ኸዓ ሕብስቲ ቝርባን፥
14
እቲ ዘብርህ ቀዋሚ ቐንዲልን ኣቑሑኡን፥ መብራህትን ንመብራህቲ ዝኸውን ዘይትን፥
15
መሰውኢ ዕጣንን መፃውሩን፥ ንመቕብኢ ዝኸውን ዘይትን ምዑዝ ዕጣንን፥ ነቲ ኣፍ ደገ ድንኳን ዝኸውን መጋረጃን፥
16
ነቲ መስዋእቲ ዝቃፀለሉ መሰውእን ብነሃስ ዝተሰርሐ መጋረዲኡ ንመፃውሩን ኵሉ ኣቑሑኡን፥ ነቲ ብነሃስ ዝተሰርሐ ሸሓነ ምስ ኣጋሮኡ፥
17
መጋረጃታት ቅፅርን ምስ ናይ ኣዕማዱን ኣእጋሩን፥ ከምኡ ኸዓ መጋረጃ ኣፍ ደገ ቕፅሪ፥
18
ሽኻላት ድንኳንን ሽኻላት ቅፅርን ምስ ኣግማዱን፥
19
ነቲ ኻህናት ኣብ መቕደስ ከገልግሉ እንተለዉ ዝለብስዎ ኣልባስ፥ ነቲ ካህን ኣሮን ዝለብሶ ቅዱስ ኣልባስን፥ ነቲ ደቁ ብኽህነት ከገልግሉ እንተለዉ ዝኽደንዎ ኣልባስን ይስርሑ።”
20
ኵሉ እቲ ማሕበር ደቂ እስራኤል ከዓ ኻብ ቅድሚ ሙሴ ወፀ።
21
ኵሉ ልቡ ዝነኽኦ፥ ነፍሲ ወከፍ መንፈሱውን ዘለዓዓሎ፥ ነቲ መራኸቢ ድንኳን መስርሒ መባእ ኣምፅአ፤ ንዅሉ ኣገልግሎቱን ንቅዱሳት ኣልባስን ዝኸውን ኣምፅአ።
22
ድሌት ዘለዎም ሰብኡትን ኣንስትን መፂኦም፥ ቍልፍታትን ቀለበታት እዝንን ቀለበታት ኣፃብዕትን ኣምባራትን ኵሉ ኣቑሑ ወርቅን ሃቡ። ነፍሲ ወከፍ ንእግዚኣብሄር መባእ ወርቂ ኣቕረበ።
23
ሰማያውን ሓምራውን ውፁእ ቀይሕ ፈትልን፥ ሃርን ፀጕሪ ጤልን ዝተቐረፀ ቘራብቲ ማጓሉን ቈራብቲ እንስሳ ባሕርን ዝነበሮ፥ ኵሉ ሰብ ኣምፅአ።
24
ኵሉ ብሩርን ነሃስን ዘቕረበ፥ ከም መባእ ንእግዚኣብሄር ወፈየ። ነፍሲ ወከፍ ዕንፀይቲ ሰራው ዝነበሮ ሰብ፥ ንዝኾነ ስራሕ ኣገልግሎት ክኸውን ኣምፅአ።
25
ጥበብ ዘለወን ኵለን ኣንስቲ ድማ በእዳወን ፈቲለን፥ ነቲ ዝፈተላኦ ሰማያዊ፥ ሓምራዊ፥ ውፁእ ቀይሕ ፈትልን ሃርን ኣምፅኣ።
26
ኵለን ድሌትን ጥበብን ዘለወን ኣንስቲ ኸዓ ፀጕሪ ጤል ፈተላ።
27
እቶም ኣሕሉቕ ድማ ኦኒክስን፥ ኣብ ኤፉድን ኣብ ሳንቃ ኣፍ ልቢ ዝዛነቕ ክቡር ኣእማንን፥
28
ንመብራህትን ንመቕብኢ ዘይትን ንምዑዝ ዕጣን ዝኸውን፥ ቀመማትን ዘይትን ኣምፅኡ።
29
ነፍሲ ወከፍ ሰብኣይን ሰበይትን ደቂ እስራኤል፥ ነቲ እግዚኣብሄር ክግበር ኢሉ ብሙሴ ዝኣዘዞ፥ ልቡ ዝፈቐዶ ብፍታዉ ንእግዚኣብሄር መባእ ኣምፅአ።
30
ሙሴ ድማ ንደቂ እስራኤል ከምዙይ በሎም፦ “ረአዩ፥ እግዚኣብሄር ንባስልኤል ወዲ ኡሪ፥ ወዲ ሁር፥ ካብ ነገድ ይሁዳ ሓረዮ።
31
ንእኡ ድማ ብመንፈሱ መልኦ፤ ኵሉ ስራሕ ምእንቲ ኽኽእል ከዓ፥ ጥበብን ፍልጠትን ክእለትን ሃቦ።
32
ብብልሓት ንምብልሓት፥ ብወርቅን ብብሩርን ብነሃስን ንምስራሕ፥
33
ዝዛነቕ ኣእማን ንምቕራፅን ዕንፀይቲ ንምፅራብን፥ ኵሉ ዓይነት ናይ ስራሕ ብልሓት፥
34
ንእኡን ንኤልያብ፥ ወዲ ኣሂሳሚክ ካብ ነገድ ዳንን፥ ንኻልኦት ክምህሩ ኽእለት ሃቦም።
35
ንኣኣቶም ኵሉ ስራሕ ብልሓትን ምቕራፅን ንምስራሕ፥ ካብ ሰማያዊ፥ ሓምራዊ፥ ውፁእ ቀይሕ ፈትልን ሃርን ከዓ፥ ብብልሓት ንምእላምን ንምጥላፍን፥ ንስራሕ ማእለማን ኵሉ ዓይነት ስራሕ ብብልሓት ንምሕሳብን፥ ብጥበባት መልኦም።”
← Chapter 34
Chapter 36 →