bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Exodus 34
Exodus 34
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ “ከምተን ቀዳሞት ዝበላ ኽልተ ፅላት እምኒ ፅረብ። ነቲ ኣብተን ዝሰበርካየን ቀዳሞት ፅላት ዝነበረ ቓላት፥ ኣብዘን ፅላት እዚኣተን ክፅሕፎ እየ።
2
ንፅባሕ ንግሆ ድማ ተዳሎ፤ ኣንጊህኻ ኸዓ ናብ እምባ ሲና ደይብ፤ ኣብ ልዕሊ እቲ እምባ ድማ ኣብ ቅድመይ ደው በል።
3
ሓደ ሰብ እኳ ምሳኻ ኣይደይብ። ኣብ ኵሉ እቲ እምባ ኸዓ ሓደ እኳ ኣይረአ፤ ኣባጊዕን ከፍትን ድማ ኣብ እግሪ እቲ እምባ ኣይውፈራ” በሎ።
4
ሙሴ ኸዓ ኸምተን ቀዳሞት ዝበላ ኽልተ ፅላት እምኒ ፀረበ። ንፅባሒቱ ድማ ኣንጊሁ ተስአ፤ ከምቲ እግዚኣብሄር ዝኣዘዞውን፥ ንኽልቲአን ፅላት እምኒ ኣብ ኢዱ ሒዙ፥ ናብ እምባ ሲና ደየበ።
5
እግዚኣብሄር ድማ ብደመና ወሪዱ ኣብ ጥቓ ሙሴ ደው በለሞ፥ ስም እግዚኣብሄር ኣወጀ።
6
እግዚኣብሄርውን ብቕድሚኡ ሓሊፉ “እግዚኣብሄር፥ እግዚኣብሄር፥ መሓሪ፥ ለጋስ፥ ዓቃል፥ ሕያዋይነቱን ሓቁን ዝበዝሐ፥
7
ክሳዕ ሽሕ ትውልዲ ሕያዋይነቱ ዝሕሉ፥ ዓመፅን ምጥሓስን ሓጢኣትን ይቕረ ዝብል፥ ንበዳሊ ግና ኸም ንፁህ ዘይርኢ፥ ሓጢኣት ኣቦታት ኣብ ደቅን ኣብ ደቂ ደቅን ክሳዕ ሳልሳይን ራብዓይን ትውልዲ ዝቐፅዕ” እናበለ ኣወጀ።
8
ሙሴ ድማ ቐልጢፉ ኣብ ምድሪ ተምበርኪኹ ሰገደ።
9
“ኦ ጐይታ! ኣብ ቅድሜኻ እንተ ደኣ ፀጋ ረኺበስ፥ በይዛኻ ንስኻ ምሳና ኺድ። እዝ ህዝቢ እዙይ ተሪር ክሳድ እኳ እንተ ኾነ፥ ዓመፃናን ሓጢኣትናን ይቕረ በለልና፤ ርስትኻ ጌርካ ኸዓ ተቐበለና” በለ።
10
እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዙይ በሎ፦ “እንሆ፥ ኣነ ኺዳን እኣቱ ኣለኹ፤ ንእኡ ዝመስል ኣብ ኵላ ምድሪ ወይ ኣብ ኵሎም ህዝብታት ተገይሩ ዘይፈልጥ ተኣምራት፥ ኣብ ቅድሚ ዅሉ ህዝብኻ ኽገብር እየ። እቲ ኣነ ምሳኻ ዝገብሮ ነገር ድማ ዘፍርሕ እዩ እሞ፥ ኵሉ እቲ ንስኻ ኣብ ማእኸሉ ዘለኻ ህዝቢ፥ ግብረይ ግብሪ እግዚኣብሄር ክርኢ እዩ።
11
ነዝ ሎሚ ዝእዝዘኩም ዘለኹ ሓልውዎ፤ እንሆ፥ ኣነ ኸዓ ንኣሞራውያንን ንከነዓናውያንን ንኬጢያውያንን ንፌርዛውያንን ንሃዋውያንን ንኢያቡሳውያንን ካብ ቅድሜኹም ክሰጎም እየ።
12
ኣብ ማእኸልኩም መፈንጠር ከይኾኑስ፥ ምስቶም ኣብታ ንስኻትኩም እትኣትዉዋ ምድሪ ዝነብሩ፥ ኪዳን ከይትተኣታተዉ ተጠንቀቑ።
13
መሰውኢታቶም ኣፍርሱ፤ ሓወልትታቶምውን ስበሩ፤ እቲ ናይ መምለኺ ዓፀዳቶምውን ቍረፁ።”
14
“እቲ ቐናእ ዝስሙ እግዚኣብሄር፥ ንሱ ቐናእ ኣምላኽ እዩ እሞ፥ ንኻልእ ኣምላኽ ኣይትስገዱ።
15
ደድሕሪ ኣማልኽቶም እንትስዕቡን ንኣማልኽቶም ክስውኡ እንተለዉን ከይዕድሙኹም እሞ ኻብ መስዋእቶም ምእንቲ ኸይትበልዑ፥ ምስቶም ኣብታ ሃገር ዝነብሩ፥ ኪዳን ኣይትእተዉ።
16
እተን ኣጓላቶም ከዓ ደድሕሪ ኣማልኽተን ክስዕባ እንተለዋ፥ ንደቅኹም ድማ ደድሕሪ ኣማልኽተን ከም ዝስዕቡ ኸይገብራኦም፥ ኣጓላቶም ነወዳትኩም ኣይትውሰዱ።”
17
“ብፍሲ ዝተሰርሑ ኣማልኽቲ ንኣኻትኩም ኣይትግበሩ።”
18
“ንበዓል ቅጫ ሓልውዎ። ካብ ግብፂ ብወርሒ ኣቢብ ወፂእኹም ኢኹም እሞ፥ በዝ ምዱብ ወርሒ እዙይ ከምቲ ዝኣዘዝኩኹም ሸውዓተ መዓልቲ ቕጫ ብልዑ።”
19
“ኵሉ ማህፀን ዝኸፍት፥ ተባዕታይ ዝኾነ በዅሪ እንስሳኹም፥ ብዕራይ ኮነ በጊዕ ናተይ እዩ።
20
ንበዅሪ ኣድጊ ግና ብበጊዕ ተቤዘውዎ። ክትብዘውዎ እንተ ዘይደሊኹም ግና ኽሳዱ ቘልዕፅዎ፤ ካብ ደቅኹም ከዓ ነቲ በዅሪ ዝኾነ ተቤዘውዎ።” “ሓደ እኳ ጥራሕ ኢዱ ኣብ ቅድመይ ኣይረአ።”
21
“ሽዱሽተ መዓልቲ ስርሑ። በታ ሻውዐይቲ መዓልቲ ግና ኣዕርፉ። ጊዜ ማሕረስን ዓፂድን እንተ ኾነውን፥ በታ ሻውዐይቲ መዓልቲ ኣዕርፉ።”
22
“ናይ ሸውዓተ ሱባዔ በዓል ክትገብር ኢኻ፤ ንሱውን መጀመርያ ዓፂድ ስርናይ እዩ፤ ኣብ መወዳእታ ዓመት ድማ፥ በዓል ምትሕሳስ ክትገብር ኢኻ።”
23
“ኵሉ ተባዕታይኩም ድማ ኣብ ቅድመይ፥ ኣብ ቅድሚ ጐይታ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል፥ ኣብ ዓመት ሰለስተ ሻዕ ይረአ።
24
ንኣህዛብ ካብ ቅድሜኹም ክሰጎም እየ፤ ንኣዋሳኒኹም ድማ ኸስፍሖ እየ እሞ፥ እቲ ኣብ ዓመት ሰለስተ ሻዕ ኣብ ቅድመይ፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም፥ ክትረአዩ ኢልኩም ክትመፁ እንተለኹም፥ ንምድሪኹም ዝምነያ ሰብ ኣይህሉን እዩ።”
25
“ንደም መስዋእተይ ምስ ዝበዅዐ እንጀራ ኣይትሰውኡ፤ ካብቲ ንበዓል ፋሲካ ዝተሓርደ መስዋእቲ ድማ ኽሳዕ ንግሆ ኣይሕደር።”
26
“እቲ ዝበለፀ በዅሪ ፍረ ምድሪኹም፥ ናብ ቤት እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ኣእትውዎ።” “ንማሕስእ ብፀባ እኖኡ ኣይተብስልዎ።”
27
እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ፥ “በዝ ቓል እዙይ ምሳኻን ምስ እስራኤልን ኪዳን ኣትየ እየ እሞ፥ ነዝ ቓል እዙይ ፀሓፎ” በሎ።
28
ሙሴ እንጀራ እንተይበልዐን ማይ እንተይሰተየን፥ ኣብኡ ምስ እግዚኣብሄር ኣርብዓ መዓልትን ኣርብዓ ለይትን ገበረ። ነቲ ቓል ኪዳን፥ ዝኾነ ዓሰርተ ትእዛዛት፥ ኣብተን ፅላት ፀሓፎ።
29
ከምዙይ ድማ ኾነ፦ ሙሴ ነተን ክልተ ፅላት ኪዳን ሒዙ፥ ካብ እምባ ሲና ኽወርድ እንተሎ፥ ምስ እግዚኣብሄር ብምዝራቡ፥ ገፁ ኸም ዘንፀባረቐ ኣይፈለጠን ነበረ።
30
ኣሮንን ኵሎም ደቂ እስራኤልን ንሙሴ ምስ ረአዩ፥ እንሆ ገፁ የንፀባርቕ ነበረ እሞ፥ ናብኡ ንምቕራብ ፈርሑ።
31
ሙሴ ግና ፀውዖም፤ ኣሮንን ኵሎም ኣሕሉቕ ደቂ እስራኤልን ድማ ናብኡ ተመለሱ፤ ሙሴ ኸዓ ተዛረቦም።
32
ድሕሪዙይ ከዓ ዅሎም ደቂ እስራኤል ቀረቡ። ንሱ ድማ ነቲ እግዚኣብሄር ኣብ እምባ ሲና ዝሃቦ ትእዛዝ ነገሮም።
33
ሙሴ ምስኣቶም ተዛሪቡ ምስ ወድአ ገፁ ተጐልበበ።
34
ሙሴ ምስ እግዚኣብሄር ክዛረብ ናብ ቅድሚኡ ኽኣቱ እንተሎ፥ ካብኡ ኽሳዕ ዝወፅእ ነቲ ጕልባቡ ይቐልዖ ነበረ። ወፂኡ ኸዓ ነቲ ዝተኣዘዞ ነገር ንደቂ እስራኤል ይነግሮም ነበረ።
35
ደቂ እስራኤል ድማ ገፅ ሙሴ ኸም ዘንፀባርቕ ረአዩ፤ ሙሴ ኸዓ ምስ እግዚኣብሄር ንምዝራብ ኣብ ቅድሚኡ ኽሳዕ ዝኣቱ ገፁ ይጕልበብ ነበረ።
← Chapter 33
Chapter 35 →