bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Exodus 33
Exodus 33
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዙይ በሎ፦ “ንስኻን እዝ ኻብ ምድሪ ግብፂ ዘውፃእኻዮ ህዝብን ካብዙይ ኪዱ፤ ናብታ ‘ንዘርእኹም ክህቦም እየ’ ኢለ፥ ንኣብርሃምን ንይስሓቅን ንያእቆብን ዝመሓልኩሎም ምድሪ ደይቡ።
2
ቀቅድሜኹም ድማ መልኣኽ ክሰድድ እየ፤ ንከነዓናውያንን ንኣሞራውያንን ንኬጢያውያንን ንፈሪዛውያንን ንሓዋውያንን ንኢያቡሳውያንን ክሰጎም እየ።
3
ናብታ ፀባን መዓርን እተውሕዝ ቦታ ኺዱ። ንስኻትኩም ተረርቲ ኽሳድ ዝኾንኩም ህዝቢ ኢኹም እሞ፥ ኣብ መንገዲ ምእንቲ ኸየጥፍአኩምስ፥ ምሳኻትኩም ኣይድይብን እየ” በሎ።
4
እቶም ህዝቢ ድማ እዝ ኽፉእ ነገር እዙይ ምስ ሰምዑ፥ ክጕህዩ ጀመሩ፤ ካብኣቶም ከዓ ሓደ እኳ ገይፂ ዝገበረ ኣይነበረን።
5
እግዚኣብሄር ብሙሴ ገይሩ ንደቂ እስራኤል “ንስኻትኩም ተረርቲ ኽሳድ ዝኾንኩም ህዝቢ ኢኹም። ኣነ ንቕፅበት ዓይኒ ምሳኻትኩም እንተ ዝኸይድ፥ ምወዳእኹኹም ነይረ፤ ሕዚ ኸዓ ንኣኻትኩም እንታይ ከም ዝገብረኩም ምእንቲ ኽፈልጥ፥ ሽልማትኩም ካባኻትኩም ኣወግዱ” ኢልዎም ነበረሞ።
6
ስለዙይ ደቂ እስራኤል ካብ እምባ ኮሬብ ንነዘው ሽልማቶም ኣወገዱ።
7
ሙሴ ድማ ነቲ ድንኳን እናወሰደ፥ ኣብ ወፃኢ እቲ ሰፈር፥ ካብቲ ሰፈር ኣርሕቕ ኣቢሉ ይተኽሎ ነበረ፤ “መራኸቢ ድንኳን” ኢሉ ድማ ሰመዮ። ኵሉ ንእግዚኣብሄር ዝደሊ ኸዓ፥ ካብቲ ሰፈር ወፂኡ ናብቲ መራኸቢ ድንኳን ይኸይድ ነበረ፤
8
ሙሴ ናብቲ ድንኳን ኣቢሉ ክኸይድ እንተሎ፥ ኵሉ እቲ ህዝቢ ተሲኡ፥ ነፍሲ ወከፍ ኣብ ኣፍ ድንኳኑ ደው ይብል ነበረ፤ ሙሴ ናብቲ ድንኳን ክሳዕ ዝኣቱ ድማ ይጥምቶ ነበረ።
9
ሙሴ ናብ ድንኳን ምስ ኣተወ፥ እቲ ዓምዲ ደመና ወሪዱ፥ ኣብ ኣፍ ድንኳን ይቐውም ነበረ፤ እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ይዛረቦ ነበረ።
10
ኵሉ እቲ ህዝቢ ድማ፥ ነቲ ዓምዲ ደመና ኣብ ኣፍ ድንኳን ደው ኢሉ ኽሪኦ እንተሎ፥ ተሲኡ ነፍሲ ወከፍ ኣብ ኣፍ ድንኳኑ ኾይኑ ይሰግድ ነበረ።
11
ሰብ ምስ ፈታዊኡ ኸም ዝዛረብ፥ እግዚኣብሄር ድማ ምስ ሙሴ ገፅ ንገፅ ይዘራረብ ነበረ። ሙሴ ኸዓ ናብቲ ሰፈር ይምለስ ነበረ። እቲ ሓጋዚኡ ኢያሱ ወዲ ነዌ ግና፥ ካብቲ ድንኳን ኣይፍለን ነበረ።
12
ሙሴ ድማ ንእግዚኣብሄር “እንሆ ንስኻ ‘ነዝ ህዝቢ እዙይ ምርሓዮ’ ትብለኒ ኣለኻ። ምሳይ መን ከም እትሰድድ ግና ኣየፍለጥካንን። ንኣኻ ብስምካ ፈለጥኩኻ፤ መሊስካ ኣብ ቅድመይ ሞገስ ረኺብካ ኢኻ ኢልካኒ ኔርካ።
13
እምበኣር ኣብ ቅድሜኻ ሞገስ እንተ ደኣ ረኺበስ፥ ምእንቲ ንኣኻ ፈሊጠ ኣብ ቅድሜኻውን ኵልሻዕ ሞገስ ክረክብስ፥ በይዛኻ መንገድኻ ኣፍልጠኒ። እዝ ህዝቢ እዙይ ከዓ ህዝብኻ ኸም ዝኾነ ዘክር” በሎ።
14
እግዚኣብሄር ድማ “ኣነ ምሳኻ ክኸይድ እየ፤ ከዕርፈካውን እየ” በሎ።
15
ሙሴ ኸዓ ኸምዙይ በሎ፦ “ንስኻ ምሳና ዘይትኸይድ እንተ ዄንካስ ካብዙይ ኣይተውፅአና።
16
ንስኻ ምሳና እንተ ዘይኬድካ፥ ኣብ ቅድሜኻ ፀጋ ኸም ዝረኸብና፥ ኣነን ህዝብኻን ድማ ኣብ ገፅ ምድሪ ኻብ ዘለዉ ዅሎም ህዝብታት ፍሉያት ከም ዝኾንና ደኣ፥ ብምንታይ ክፍለጥ እዩ?” በሎ።
17
እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ “ኣብ ቅድመይ ፀጋ ረኺብካ ኢኻ፤ ብስምካውን ፈሊጠካ እየ እሞ፥ እዝ ዝበልካዮ ነገር ክገብሮ እየ” በሎ።
18
ሙሴ ኸዓ “እምበኣር፥ በይዛኻ ኽብርኻ ኣርእየኒ” በሎ።
19
እግዚኣብሄር ከዓ “ምስ ኵሉ ኽብረይ ብቕድሜኻ ኽሓልፍ እየ፤ ብቕድሜኻ ኽሓልፍ እንተለኹ ኸዓ ስመይ፥ ስም እግዚኣብሄር ክእውጅ እየ። ነቲ ፀጋ ኽህቦ ዝደለኹ ፀጋ እህቦ፤ ነቲ ኽምሕሮ ዝደለኹ ድማ እምሕሮ።
20
ሰብ ሪኡኒ ብህይወት ኣይነብርን እዩ እሞ፥ ገፀይ ክትርኢ ኣይትኽእልን ኢኻ” በሎ።
21
እግዚኣብሄር ድማ “እንሆ፥ ኣብዝ ጥቓይ ኣብ ኰዅሒ ደው እትብለሉ ቦታ ኣሎ።
22
ክብረይ ክሓልፍ እንተሎ ድማ ኣብ ዝተሰንጠቐ ኰዅሒ ኽገብረካ እየ፤ ኣነ ኽሳዕ ዝሓልፍ ከዓ፥ ብኢደይ ክኽውለካ እየ።
23
ሽዑ ኢደይ ከልዕል እየ፤ ንስኻ ኸዓ ብድሕሪተይ ክትርእየኒ ኢኻ፤ ገፀይ ግና ኣይረአን እዩ” በሎ።
← Chapter 32
Chapter 34 →