bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Exodus 32
Exodus 32
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
እቶም ህዝቢ፥ ሙሴ ኻብ እምባ እንተይወረደ ኸም ዝደንጐየ ምስ ረአዩ፥ ተኣኪቦም ናብ ኣሮን ከዱ እሞ “ነዝ ካብ ምድሪ ግብፂ ዘውፅአና ሙሴ፥ እንታይ ከም ዝረኸቦ ኣይንፈልጥን ኢና እሞ ተስእ፤ ቀቅድሜና ዝኸዱ ኣማልኽቲ ኸዓ ግበረልና” በልዎ።
2
ኣሮን ድማ “እቲ ኣብ ኣእዛን ኣንስትኹምን ኣወዳትኩምን ኣዋልድኩምን ዘሎ፥ ብወርቂ ዝተሰርሐ ቐለበታት ኣኪብኩም ኣምፅኡለይ” በሎም።
3
ኵሎም እቶም ህዝቢ ኸዓ፥ ኣብ ኣእዛኖም ዝነበረ ቐለበታት ወርቂ ኣኪቦም፥ ናብ ኣሮን ኣምፅእዎ።
4
ንሱ ኸዓ ነቲ ቐለበታት ተቐቢሉ ኣምከኾ፤ ኣፍሲሱ ድማ ምስሊ ምራኽ ገበሮ። ንሱ ድማ “ኦ እስራኤል! ካብ ምድሪ ግብፂ ዘውፅኡኻ ኣማልኽትኻ እዚኣቶም እዮም” በሎም።
5
ኣሮን እዙይ ምስ ረአየ፥ ኣብ ቅድሚ እቲ ምራኽ መሰውኢ ሰርሐ፤ “ፅባሕ ናይ እግዚኣብሄር በዓል እዩ” ኢሉ ድማ ኣወጀ።
6
ንፅባሒቱ እቶም ህዝቢ ኣንጊሆም ተሲኦም፥ ዝቃፀል መስዋእቲ ሰውኡ፤ መስዋእቲ ምስጋናውን ኣቕረቡ። ክበልዑን ክሰትዩን ተቐመጡ፤ ክደርፉውን ተስኡ።
7
ሽዑ እግዚኣብሄር ንሙሴ ኸምዙይ በሎ፦ “እዞም ካብ ግብፂ ዘውፃእኻዮም ህዝብኻ፥ ሓጢኣት ገይሮም እዮም እሞ፥ ኪድ ውረድ።
8
ካብቲ ዝኣዘዝክዎም መንገዲ ቐልጢፎም ኣግለሱ። ካብ ወርቂ ፍሲ፥ ምስሊ ምራኽ ገይሮም ከዓ ሰገዱሉን ሰውኡሉን፤ ‘ኦ እስራኤል! እቶም ካብ ምድሪ ግብፂ ዘውፅኡኻ ኣማልኽትኻ እዚኣቶም እዮም’ ድማ በሉ” ኢሉ ተናገሮ።
9
እግዚኣብሄር ከዓ ንሙሴ “ኣነ ነዝ ህዝቢ እዙይ ሪአዮ ኣለኹ፤ እንሆ ተሪር ዝኽሳዱ ህዝቢ እዩ።
10
ሕዚ ቝጥዓይ ኣብኣቶም ክነድድ እሞ፥ ከጥፍኦም ሕደገኒ። ንኣኻ ግና ዓብዪ ህዝቢ ኽገብረካ እየ” በሎ።
11
ሙሴ ግና ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኹ ኸምዙይ ኢሉ ፀለየ፦ “ኦ እግዚኣብሄር! ስለ ምንታይ ቍጥዓኻ ኣብዝ ብዓብዪ ሓይልን ብፅንዕቲ ኢድን፥ ካብ ምድሪ ግብፂ ዘውፃእኻዮ ህዝብኻ ዝነድድ?
12
ስለ ምንታይከ ግብፃውያን ‘ኣብ እምባታት ምእንቲ ኽቐትሎም፥ ካብ ገፅ ምድሪ እውን ፈፂሙ ምእንቲ ኸጥፍኦም እዩ ዘውፅኦም’ ኢሎም ዝዛረቡ? ካብቲ ብርቱዕ ቝጥዓኻ ደኣ ተመለስ፤ ካብቲ ኣብ ልዕሊ ህዝብኻ ኽተውርዶ ዝሓሰብካዮ መዓት ድማ ተመለስ።
13
‘ንዘርእኹም ከም ከዋኽብቲ ሰማይ ከብዝሖ እየ። ነታ ኽህቦም ዘተስፈኽዋ ምድሪ ድማ ብምልእታ ንዘርእኹም ክህባ እየ። ንሳቶም ከዓ ንዘለኣለም ርስቶም ክገብርዋ እዮም’ ኢልካ ብርእስኻ ዝመሓልካሎም፥ ንኣብርሃምን ንይስሓቅን ንያእቆብን ባሮትካ ዘክር።”
14
እግዚኣብሄር ድማ ኻብቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቡ ኽገብሮ ኢሉ ንሙሴ ተዛሪብዎ ዝነበረ ቝጥዓኡ ተመለሰ።
15
ሙሴ ድማ ተመሊሱ፥ ነተን ክልተ ፅላት ኪዳን ሒዙ ኻብቲ እምባ ወረደ። ንሳተን ብኽልቲኡ ገፀን፥ ብቕድሚትን ብድሕሪትን ዝተፅሓፋ ነበራ።
16
እተን ፅላት ድማ ናይ እግዚኣብሄር ስራሕ ነበራ፤ ኣብተን ፅላት ዝተቐርፀ ፅሕፈት ከዓ፥ ብእግዚኣብሄር ዝተፅሓፈ ነበረ።
17
ኢያሱ ድማ እቶም ህዝቢ ክዕልሉን ዋዕ ዋዕ ክብሉን ምስ ሰምዐ፥ ንሙሴ “ኣብቲ ሰፈር ድምፂ ውግእ ይስማዕ ኣሎ” በሎ።
18
ሙሴ ኸዓ “እዙይ፥ ድምፂ ዝሰዓሩ ኣይኮነን፥ ድምፂ ዝተስዓሩውን ኣይኮነን፤ ኣነ ድምፂ ደርፊ እየ ዝሰምዕ ዘለኹ” በለ።
19
ሙሴ ናብቲ ሰፈር ምስ ቀረበ፥ ነቲ ምራኽን ነቲ ስዕስዒትን ሪኡ፥ ቍጥዓኡ ነደደ እሞ፥ ነተን ፅላት ካብ ኢዱ ደርበየን፤ ኣብ እግሪ እቲ እምባ ኸዓ ሰበረን።
20
ነቲ ዝገበርዎ ምስሊ ምራኽ ድማ ወሲዱ ብሓዊ ኣንደዶ እሞ፥ ጥሒኑ ኣድከሞ፤ ኣብ ማይ ነስኒሱ ኸዓ ንደቂ እስራኤል ኣስተዮም።
21
ሙሴ ንኣሮን “እዝ ዓብዪ ሓጢኣት ዘምፃእኻሉስ፥ እዝ ህዝቢ እዙይ እንታይ ገበረካ?” በሎ።
22
ኣሮን ከዓ “ጐይታይ፥ ቍጥዓኻ ኣባይ ኣይንደድ፤ እዝ ህዝቢ እዙይ ክፉእ ምዃኑ ንስኻ ትፈልጥ ኢኻ።
23
‘እቲ ኻብ ምድሪ ግብፂ ዘውፅአና ሙሴ፥ እንታይ ከም ዝረኸቦ ኣይንፈልጥን ኢና እሞ፥ ቀቅድሜና ዝኸዱ ኣማልኽቲ ግበረልና’ በሉኒ።
24
ኣነ ድማ ‘ወርቂ ዘለዎ ኣውፂኡ ይሃበኒ’ በልክዎም። ንሳቶም ከዓ ሃቡኒ፤ ኣነ ድማ ናብ ሓዊ ደርበኽዎ፤ እዝ ምራኽ እዙይ ከዓ ወፀ።”
25
እቲ ህዝቢ ኸም ዝዓበደ፥ ኣሮን ነቶም ህዝቢ ስዲ ኸም ዝሓደጎም፥ ኣብ ቅድሚ ፀላእቶም ከዓ ኸም ዝተነወሩ ሙሴ ረአየ።
26
ሽዑ ኣብ ኣፍ ደገ እቲ ሰፈር ደው ኢሉ “ናይ እግዚኣብሄር ዝኾነ ዅሉ ናባይ ይምፃእ” በለ። ኵሎም ደቂ ሌዊ ኸዓ ናብኡ ተኣከቡ።
27
ንሱ ድማ “እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ‘ነፍሲ ወከፍ ሰይፉ ኣብ ሕቘኡ ይዕጠቕ። ካብ በሪ ናብ በሪ ኸዓ ኣብዝ ሰፈር ተመላለሱ፤ ነፍሲ ወከፍ ንሓዉ፥ ንፈታዊኡ፥ ንጐረቤቱ ይቕተል’ ” በሎም።
28
ደቂ ሌዊ ድማ ኸምቲ ሙሴ ዝበሎም ገበሩ። በታ መዓልቲ እቲኣ ኻብቲ ህዝቢ ኣስታት ሰለስተ ሽሕ ሰባት ሞቱ።
29
ሙሴ ድማ “ሎሚ በረከት ምእንቲ ኽወሃበኩም ብደቅኹምን በሕዋትኩምን ኣእዳውኩም ንእግዚኣብሄር ቅዱስ ግበሩ” በሎም።
30
ብፅባሒቱ ሙሴ ነቶም ህዝቢ “ንስኻትኩም ዓብዪ ሓጢኣት ገበርኩም። ሕዚ ኸዓ፥ ምናልባሽ ስርየት ሓጢኣት እንተ ረኸብኩልኩም፥ ናብ እግዚኣብሄር ክድይብ እየ” በሎም።
31
ድሕሪዙይ ሙሴ ናብ እግዚኣብሄር ተመሊሱ “ኣየ! እዞም ህዝቢ እዚኣቶም፥ ብወርቂ ዝተሰርሑ ኣማልኽቲ ንኣኣቶም ብምግባር፥ ዓብዪ ሓጢኣት ገበሩ።
32
ሕዚ ድማ ሓጢኣቶም ይቕረ በለሎም፤ እንተ ዘይኮነ ኻብቲ ዝፀሓፍካኒ መፅሓፍካ ደምስሰኒ” በለ።
33
እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ “ኣነ ነቲ ዝበደለኒ እየ ኻብ መፅሓፈይ ዝድምስሶ።
34
ሕዚ ኸዓ ኺድ እሞ፥ ነዝ ህዝቢ እዙይ ናብቲ ዝበልኩኻ ምርሓዮ። እንሆ፥ መልኣኸይ ቀቅድሜኻ ክኸይድ እዩ። ኣነ ግና እቲ ዝቕፅዑሉ ጊዜ እንትበፅሕ፥ ብሓጢኣቶም ክቐፅዖም እየ” በሎ።
35
ኣሮን ንዝሰርሖ ምራኽ ስለ ዝሰርሑ እግዚኣብሄር ነቶም ህዝቢ ቐሰፎም።
← Chapter 31
Chapter 33 →