bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Exodus 31
Exodus 31
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
እግዚኣብሄር ንሙሴ ኸምዙይ በሎ፦
2
“እንሆ፥ ኣነ ነቲ ኻብ ነገድ ይሁዳ ዝኾነ ባስልኤል፥ ወዲ ኡሪ፥ ወዲ ሆር፥ ሓርየዮ ኣለኹ።
3
ኵሉ ስራሕ ምእንቲ ክኽእል ብመንፈሰይ መሊአዮ ኣለኹ። ኵሉ ዓይነት ስራሕ ዘኽእሎ ጥበብን ምስትውዓልን ፍልጠትን ሂበዮ ኣለኹ።
4
ንሱ ኸዓ ብወርቅን ብብሩርን ብነሃስን ገይሩ ስራሕ ጥበብ ዝሰርሕን፥
5
ክቡር እምኒ ቐሪፁ ዝስኵዕን፥ ዕንፀይቲ ዝፀርብን፥ ኵሉ ዓይነት ስራሕ ጥበብ ዝገብርን ክኸውን እዩ።
6
እንሆ ኸዓ፥ ነቲ ኻብ ነገድ ዳን ዝኾነ ኤልያብ ወዲ ኣሒሳማክ፥ ንእኡ ኽሕግዞ መሪፀዮ ኣለኹ። ኵሉ እቲ ዝኣዘዝኩኻ ምእንቲ ኽገብሩ ኸዓ፥ ንዅሎም ብልሓተኛታት ጥበብ ሂበዮም ኣለኹ።
7
ነቲ መራኸቢ ድንኳንን፥ ነቲ ታቦት ኪዳን ምስቲ ኣብ ልዕሊኡ ዘሎ ስርየት ሓጢኣት ዝርከበሉ መኽደንን፥ ንዅሉ ኣቑሑ ድንኳንን፥
8
ነቲ ጠረጴዛን ኣቑሑኡን፥ ነቲ ብፅሩይ ወርቂ ዝተሰርሐ ቐዋሚ ቐንዲልን ኵሉ ኣቑሑኡን፥ ነቲ መሰውኢ ዕጣንን፥
9
ነቲ ዝቃፀል መስዋእቲ ዝቐርበሉ መሰውእን ኵሉ ኣቑሑኡን፥ ነቲ ሸሓነ ምስ ኣጋሮኡን፥
10
ነቲ ኣልባስ ኣገልግሎትን፥ ነቲ ኻህን ኣሮንን ደቁን ካህናት ኮይኖም ከገልግሉ እንተለዉ ዝለብስዎ ቅዱስ ኣልባስን፥
11
ነቲ መቕብኢ ዝኸውን ዘይትን፥ ነቲ ንመቕደስ ዝኸውን ጥዑም ዝጨናኡ ዕጣንን፥ ከምቲ ዝኣዘዝኩኻ ዅሉ ይግበርዎ።”
12
እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዙይ በሎ፦
13
“ንደቂ እስራኤል ከምዙይ ኢልካ ንገሮም፦ ሰንበታተይ ኣኽብሩ። ቀዳሲኹም ኣነ እግዚኣብሄር ከም ዝኾንኩ ምእንቲ ኽትፈልጡ፥ እዚኣ ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎኻትኩምን ንውሉድ ወለዶኹም መለለዪ ትኹንኩም።
14
“ንኣኻትኩም ቅድስቲ እያ እሞ፥ ንሰንበት ኣኽብርዋ። ንኣኣ ዘርከሰ ይቀተል፤ ኵሉ ብኣኣ ዝኾነ ስራሕ ዝሰርሐ ኸዓ ኻብ ህዝቡ ይወገድ።
15
ሽዱሽተ መዓልቲ ስራሕኻ ስራሕ፤ ሻውዐይቲ መዓልቲ ግና ንእግዚኣብሄር ዝተቐደሰት ሰንበት ዕረፍቲ እያ። ኵሉ ብመዓልቲ ሰንበት ስራሕ ዝሰርሕ ይቀተል።
16
ደቂ እስራኤል ንውሉድ ወለዶኦም፥ ንዘለኣለም ዝፀንሕ ኪዳን ገይሮም እናብዓሉ ንሰንበት ይሓልዉ።
17
ኣነ እግዚኣብሄር፥ ብሽዱሽተ መዓልቲ ሰማይን ምድርን ፈጠርኩ፤ ብሻውዐይቲ መዓልቲ ድማ ኣዕረፍኩ። ስለዙይ ንሳ ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎ ደቂ እስራኤልን፥ ናይ ዘለኣለም መለለዪት እያ።”
18
እግዚኣብሄር ኣብ እምባ ሲና ምስ ሙሴ ተዛሪቡ ምስ ወድአ፥ በፃብዕቲ እግዚኣብሄር ዝተፅሓፋ ኽልተ ፅላት እምኒ ሃቦ።
← Chapter 30
Chapter 32 →