bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Exodus 30
Exodus 30
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
“ብዕንፀይቲ ሰራው ጌርካ ዕጣን እትዓጥነሉ መሰውኢ ግበር።
2
ኣርባዕተ መኣዝኑ ማዕረ ኾይኑ፥ ምንዋሑ ሓደ እመት፥ ምግፋሑ ኸዓ ሓደ እመት ይኹን፤ ምብራኹ ድማ ኽልተ እመት ይኹን። ነቲ መሰውኢ ፀሪብካ ኸዓ ኣቕርንቲ ኣውፅአሉ።
3
ብላዕላዩን ብዅሉ ወገኑን ምስ ኣቕርንቱ፥ ብፅሩይ ወርቂ ለብጦ። ነቲ ጠርዙ ድማ ብወርቂ ጌርካ ኽፈፎ።
4
ብወርቂ ጌርካ ኽልተ ቐለበት ስራሕ፤ መፆሪ ምእንቲ ክኸውን ብኽልተ ጐድኑ ኣብ ትሕቲ እቲ መኽፈፊኡ ግበሮ። እወ፥ እቲ መፆሪ ኣብኡ ምእንቲ ኽኣቱ ኣብ ክልተ ወሰን ግበሮ።
5
ነቲ መፆሪ ብዕንፀይቲ ሰራው ጌርካ ስርሓዮ፤ ብወርቂ ኸዓ ለብጦ።
6
ነዝ መሰውኢ እዙይ፥ ኣብ ቅድሚ እቲ ቕድሚ ታቦት ኪዳን ተሰቒሉ ዘሎ መጋረጃ ኣንብሮ፤ ኣብቲ ስርየት ሓጢኣት ዝርከቦ መኽደን ታቦት ኣቐምጦ። ኣብኡ ኸዓ ኣነ ምሳኻ ኽራኸብ እየ።
7
“ኣብኡ ኣሮን ንግሆ ንግሆ ቐናዲል ከዳሉ እንተሎ፥ ጥዑም ዝጨናኡ ዕጣን ይዕጠን።
8
ኣጋ ምሸት ድማ ኣሮን ቀንዲል ከብርህ እንተሎ፥ ዕጣን ይዕጠን፤ ስለዙይ ንውሉድ ወለዶኹም ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ዘየቋርፅ ዕጣን እናተከየ ኽነብር እዩ።
9
ኣብዝ መሰውኢ እዙይ፥ ክልኩል ዝኾነ ዕጣን ወይ ዝቃፀል መስዋእቲ ወይ መስዋእቲ ብልዒ ኣይተቕርቡሉ። መስዋእቲ መስተ ኸዓ ኣብ ልዕሊኡ ኣይተፍስሱ።
10
ኣሮን ብደም እቲ ንስርየት ሓጢኣት ዝሕረድ እንስሳ ገይሩ ነቲ ኣቕርንቱ እናለኸየ ነቲ መሰውኢ ይቐድሶ። እዙይ ኣብ ዓመት ሓደ ጊዜ ዝግበር፥ ንውሉድ ወለዶ ዝኸውን እዩ። እዝ መሰውኢ እዙይ ንእግዚኣብሄር ቅዱሰ ቅዱሳን እዩ።”
11
እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዙይ በሎ፦
12
“ንደቂ እስራኤል ክትቈፅሮም እንተለኻ መቕሰፍቲ ኸይወርዶም፥ ነፍሲ ወከፍ ክቝፀር እንተሎ ቤዛ ነፍሱ ንእግዚኣብሄር ይሃብ።
13
ዝተቘፀረ ዅሉ ብሚዛን መቕደስ ሽዱሽተ ግራም ብሩር ይኽፈል። እዝ ሽዱሽተ ግራም ብሩር ናባይ ዝቐርብ መባእ እዩ።
14
ኵሎም እቶም ዝተቘፀሩ፥ ደቂ ዕስራ ዓመትን ካብኡ ንላዕልን ዝኾኑ፥ ንእግዚኣብሄር መባእ ይሃቡ።
15
ቤዛ ነፍስኹም ንእግዚኣብሄር መባእ ክትህቡ እንተለኹም፥ ሃብታም ካብ ሽዱሽተ ግራም ብሩር ኣየብዝሕ፥ ድኻውን ኣየውሕድ።
16
ነቲ ቤዛ ነፍሲ ዝኽፈል ገንዘብ፥ ካብ ደቂ እስራኤል ተቐቢልካ፥ ንኣገልግሎት እቲ መራኸቢ ድንኳን ኣውዕሎ። እዝ ገንዘብ እዙይ ከዓ፥ ኣነ ምእንቲ ኽሕልዎም፥ ኣብ ቅድመይ ንመዘከርታ ደቂ እስራኤል ክኸውን እዩ።”
17
እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዙይ በሎ፦
18
“ንመሕፀቢ ዝኸውን እግሪ ዘለዎ ሸሓነ፥ ብነሃስ ጌርካ ስራሕ። ኣብ መንጎ እቲ መራኸቢ ድንኳንን መሰውእን ኣንብሮ እሞ ማይ ግበረሉ።
19
ኣሮንን ደቁን ድማ ኣእዳዎምን ኣእጋሮምን ብእኡ ይተሓፀቡ።
20
ናብቲ መራኸቢ ድንኳን ክኣትዉ እንተለዉ፥ ምእንቲ ኸይሞቱ ማይ ይተሓፀቡ። ንኣይ ብሓዊ ዝቃፀል መስዋእቲ ገይሮም ከገልግሉኒ ናብቲ መሰውኢ ኽቐርቡ እንተለዉ፥
21
ምእንቲ ኸይሞቱ ኣእዳዎምን ኣእጋሮምን ይተሓፀቡ። እዙይ ከዓ ንኣሮንን ንደቁን ንውሉድ ወለዶኦም ንዘለኣለም ዝነብር ስርዓት ይኹን።”
22
እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዙይ በሎ፦
23
“ነዝ ጥዑም ጨና ዘለዎ ቐመማት፥ ሽዱሽተ ኺሎ ግራም ፈሳሲ ኸርበ፥ ፍርቂ ናይዙይ፥ ወይ ሰለስተ ኺሎ ግራም፥ ጥዑም ዝጨናኡ ቓርፋ፥ ሰለስተ ኺሎ ግራም ጥዑም ጨና ዘለዎ ቓንጫ ዶሪራ፥
24
ሽዱሽተ ኺሎ ግራም ሳናመኪ፥ ኣርባዕተ ሊትሮ ዘይቲ ኣውሊዕ ውሰድ።
25
ንእኡ ኸምቲ ኽኢላ ገባሪ ቅብኢ ዝገብሮ ጌርካ ጥዑም ዝጨናኡ፥ ዝተቐደሰ ዘይቲ ቕብኣት ግበር። ንሱ ዝተቐደሰ ዘይቲ ቕብኣት ይኸውን።
26
ሽዑ ብእኡ ጌርካ ነቲ መራኸቢ ድንኳን፥ ንታቦት ኪዳን፥
27
ንጠረጴዛ፥ ነቲ ኣብ ጠረጴዛ ዘሎ ኣቑሑ፥ ነቲ ቐዋሚ ቐንዲል ምስ መሳርሒኡ፥ ንመሰውኢ ዕጣን፥
28
ንመሰውኢ ናይቲ ዝቃፀል መስዋእቲ ምስ ኣቑሑኡ፥ ነቲ ሸሓነን ኣጋሮኡን ቅባእ።
29
ነዝ ዅሉ ቐድሶ እሞ፥ ኵሉ ቅዱሰ ቅዱሳን ክኸውን እዩ። ዝነኽኦ ዅሉ ኸዓ ኽቕደስ እዩ።
30
“ንኣሮንን ንደቁን ድማ ኻህናት ኮይኖም ምእንቲ ኸገልግሉኒ ቕብኣዮምን ቀድሶምን።
31
ንደቂ እስራኤል ከዓ ኸምዙይ በሎም፦ እዙይ ንውሉድ ወለዶኹም ዝተቐደሰ ዘይቲ ቕብኣት ይኹነለይ።
32
ኣብ ኣካላት ዝኾነ ሰብ ኣይፍሰስ፤ በቲ ናቱ ኣቃምማ ዝተዳለወ ኻልእ ዘይትውን ኣይትግበሩ። ንሱ ቅዱስ እዩ እሞ፥ ንኣኻትኩም ከዓ ቅዱስ ይኹን።
33
እቲ ኸምኡ ዝበለ ቕብኢ ዝገበረን፥ እቲ ኻህን ንዘይኮነ ኻልእ ሰብ ካብኡ ዝለኸየን፥ ካብ ህዝቡ ይወገድ።”
34
እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዙይ በሎ፦ “ጥዑም ጨና ዘለዎም ቀመማት፦ ከርበን ሰሊሆትን ከልበኔን፥ ፅሩይ ዕጣንን በብዓይነቱ ማዕረ ማዕረ ኸም ዝኸውን ጌርካ ውሰድ።
35
ንእኡ ድማ ኸምቲ ኽኢላ ቐማማይ ዝገብሮ ጌርካ፥ ጨው ዝኣተዎ ፅሩይ፥ ቅዱስ፥ ጥዑም ዝጨናኡ ዕጣን ግበሮ።
36
ካብኡ ኣድኪምካ ውቐጦ እሞ፥ ኣብቲ ኣነ ምሳኻ ዝራኸበሉ ድንኳን፥ ኣብ ቅድሚ ታቦት ኪዳን ኣንብሮ። እዙይ ንኣኻትኩም ቅዱሰ ቅዱሳን ይኹን።
37
በዝ ኣቃምማ እዙይ ዝተዳለወ ዕጣን ንኣኻትኩም ኣይትግበሩ። ንእግዚኣብሄር ዝተቐደሰ ይኹነልኩም።
38
ንኸምዙይ ዝመሰለ ኽዕጠኖ ኢሉ ኸምኡ ዝበለ ዕጣን ዝገብር ካብ ህዝቡ ይወገድ።”
← Chapter 29
Chapter 31 →