bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Exodus 29
Exodus 29
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
“ኣሮንን ደቁን ካህናት ኮይኖም ምእንቲ ኸገልግሉኒ፥ ከምዙይ ጌርካ ቐድሶም፦ ጐደሎ ዘይብሎም ሓደ ዝራብዕን ክልተ ማጓሉን ውሰድ።
2
መባዅዕቲ ዘይተሓወሶ ልሑም ሕሩጭ ስርናይ ጌርካ እንጀራን፥ ብዘይቲ ዝተለወሰ ቕጫን፥ ዘይቲ ዝተለኸየ ረቀቕቲ ቕጫታትን ሰንክት።
3
ኣብ ሓደ መሶብ ኣንብሮ፤ በቲ መሶብ ጌርካ ምስቲ ዝራብዕን ምስቶም ክልተ ማጓሉን ኣቕርቦ።
4
“ንኣሮንን ንደቁን ናብቲ መራኸቢ ድንኳን ኣቕርቦም፤ ብማይ ድማ ሕፀቦም።
5
ነቲ ኣልባስ ወሲድካ ድማ፥ ንኣሮን ቀሚሽ ውሽጥን ናይ ኤፉድ ቀሚሽ ላዕልን፥ ኤፉድን ሳንቃ ኣፍ ልብን ክደኖ። በቲ ብብልሓት ዝተኣልመ ቕናት ኤፉድ ጌርካ ኸዓ ኣዕጥቆ።
6
ኣብ ርእሱ ድማ መጠምጠምያ ግበረሉ፤ ነቲ ቕዱስ ኣኽሊል ከዓ ኣብ ልዕሊ እቲ መጠምጠምያ ግበሮ።
7
መቕብኢ ዘይቲ ወሲድካ ድማ ናብ ርእሱ እናፍሰስካ ቕብኣዮ።
8
ንደቂ ኣሮን ኣቕሪብካ ኸዓ ቐማውሽ ውሽጢ ኽደኖም።
9
ንኣሮንን ንደቁን ድማ ብቕናት ኣዕጥቆም፤ መጠምጠምያውን ግበረሎም። ክህነት ከዓ ብሕጊ ንዘለኣለም ናታቶም ይኹን። ስለዙይ ንኣሮንን ንደቁን ከምዙይ ጌርካ መዓርግ ክህነት ሃቦም።
10
“ነቲ ዝራብዕ ድማ ኣብ ቅድሚ እቲ መራኸቢ ድንኳን ኣቕርቦ፤ ኣሮንን ደቁን ከዓ ኣእዳዎም ኣብ ርእሲ እቲ ዝራብዕ የንብሩ።
11
ነቲ ዝራብዕ ከዓ፥ ኣብ ኣፍ ደገ እቲ መራኸቢ ድንኳን ኣብ ቅድመይ ሕረዶ።
12
ካብ ደም እቲ ዝራብዕ ወሲድካ ድማ፥ በፃብዕትኻ ነቲ ኣቕርንቲ መሰውኢ ልኸዮ፤ ነቲ ዝተረፈ ደም ከዓ፥ ኣብ እግሪ እቲ መሰውኢ ኣፍስሶ።
13
ነቲ ናይ ውሽጢ ኣካላት ዝጕልብብ ቃንጡጥን ኣብ ልዕሊ ኸብዲ ዘሎ ስብሕን፥ ንኽልቲኡ ዀላሊትን፥ ኣብ ልዕሊኡ ዘሎ ስብሕን፥ ብምሉኡ ወሲድካ ኣብ መሰውኢ ኣሕርሮ።
14
ናይቲ ዝራብዕ ስጋን ቈርበትን ፈርስን ግና፥ ክንዲ ሓጢኣት ዝቐርብ መስዋእቲ ስለ ዝኾነ፥ ካብቲ ሰፈር ኣውፂእኻ ብሓዊ ኣቃፅሎ።
15
“ነቲ ሓደ ማጕላውን ውሰዶ፤ ኣሮንን ደቁን ድማ ኣእዳዎም ኣብ ርእሲ እቲ ማጕላ የንብሩ።
16
ነቲ ማጕላ ኸዓ ሕረዶ፤ ነቲ ደሙውን ኣብ ኵሉ ወገን እቲ መሰውኢ ንፀጎ።
17
ነቲ ማጕላ ድማ በብብልዕቱ ቘራርፆ፤ ነቲ ናይ ውሽጢ ኣካላቱን ኣእጋሩን ከዓ ሓፂብካ፥ ኣብ ልዕሊ እቲ ዝተቘራረፀ ስጋኡን ርእሱን ኣንብሮ።
18
ነቲ ማጕላ ድማ ብምሉኡ ኣብ መሰውኢ ኣቃፅሎ። ንሱ ንእግዚኣብሄር ዝቃፀል መስዋእቲ እዩ፤ ንሱ ንኣይ ጥዑም ዝጨናኡ ብሓዊ ዝቃፀል መስዋእቲ እዩ።
19
“ነቲ ኻልኣይ ማጕላ ውሰዶ፤ ኣሮንን ደቁን ከዓ ኣእዳዎም ኣብ ርእሲ እቲ ማጕላ የንብሩ።
20
ነቲ ማጕላ ኸዓ ሕረዶ፤ ካብ ደሙ ወሲድካ ድማ፥ ኣብ ጫፍ የማነይቲ እዝኒ ኣሮንን፥ ኣብ ጫፍ የማናይ ኣእዛን ደቁን፥ ኣብ የማናይ ዓበዓባይቶ ኣእዳዎምን፥ ኣብ የማናይ ዓበዓባይቶ ኣእጋሮምን ልኸ። ነቲ ደሙውን ኣብ ኵሉ ወገን እቲ መሰውኢ ንፀጎ።
21
ካብቲ ኣብ መሰውኢ ዘሎ ደምን፥ ካብቲ ዘይቲ መቕብእን ወሲድካ ድማ፥ ኣብ ኣሮንን ኣብ ኣልባሱን፥ ኣብ ደቁን ኣብ ኣልባስ ደቁን ንፀጎ። ሽዑ ንሱን ኣልባሱን ኣልባስ ደቁን ክቕደሱ እዮም።
22
“ኣብ ምቕባል ክህነት ዝሕረድ ማጕላ ስለ ዝኾነ፥ ስብሒ፥ እቲ ማጕላ ሕልሕል፥ ንናይ ውሽጢ ኣካላት ዝጕልብብ ቃንጡጥ፥ ስብሒ ኸብዲ፥ ክልቲኡ ዀላሊት፥ ኣብ ልዕሊ ዀላሊት ዘሎ ስብሒ፥ የማናይ እግሪ ውሰድ።
23
ካብቲ ኣብ ቅድመይ ዘሎ ዘይበዅዐ ቕጫ ዘለዎ መሶብ፥ ዘይቲ ዘይኣተዎ ሓደ ቕጫ፥ ዘይቲ ኣትዩዎ ዝተሰንከተ ሓደ ቕጫ፥ ሓደ ረቂቕ ቅጫ ውሰድ።
24
ነዝ ዅሉ ድማ ኣብ ኣእዳው ኣሮንን ኣብ ኣእዳው ደቁን ኣንብሮ፤ ሽዑ ናባይ እናወዝወዝካ ኸም ዝቐርብ መስዋእቲ ጌርካ ኣቕርበለይ።
25
ካብ ኣእዳዎም ወሲድካ፥ ኣብ ቅድመይ ጥዑም ጨና ምእንቲ ክኸውን፥ ምስቲ ዝተቓፀለ መስዋእቲ ጌርካ፥ ኣብ ልዕሊ እቲ መሰውኢ ኣቃፅሎ። እዙይ ንኣይ ብሓዊ ዝቃፀል መስዋእቲ እዩ።
26
ሓኸለ ናይቲ ኣሮን ክህነት ክቕበል እንተሎ ዝተሓረደ ማጕላ ውሰድ፤ ሽዑ ናባይ እናወዝወዝካ ኸም ዝቐርብ መስዋእቲ ጌርካ ኣብ ቅድመይ ኣቕርቦ። እዙይ ግዴኻ ይኹን።
27
“ነቲ ናባይ እናወዝወዝካ ኸም መስዋእቲ ዝቐርብ፥ ናይቲ ኽህነት ክወሃብ እንተሎ ዝሕረድ ማጕላ፥ ግደ ኣሮንን ደቁን ዝኾነ ሓኸለን እግርን ቀድሶ።
28
እዙይ ኣሮንን ደቁን ካብ ደቂ እስራኤል ዝቕበልዎ ብፅሒት ንዘለኣለም ሕጊ ይኹን። እዝ ብፅሒት እዙይ፥ ካብቲ ደቂ እስራኤል ዘቕርቡለይ ዝለዓል መስዋእቲ ምስጋና እዩ።
29
“እቲ ኣሮን ዝኽደኖ ቅዱስ ኣልባስ፥ ብእኡ ምእንቲ ኽቕብኡን ክህነት ምእንቲ ኽቕበሉን፥ ብድሕሪ ሞቱ ናብ ደቁ ይሕለፍ።
30
ካብ ደቁ፥ እቲ ተኪኡ ኻህን ዝኸውን፥ እቲ ናብቲ መራኸቢ ድንኳን ከገልግል ናብ መቕደስ ዝኣቱ፥ ሸውዓተ መዓልቲ ይልበሶ።
31
“ስጋ ናይቲ ኣብ ምቕባል ክህነት ዝሕረድ ማጕላ ወሲድካ፥ ኣብ ቅዱስ ቦታ ኣብስሎ።
32
ኣሮንን ደቁን ድማ፥ ንስጋ እቲ ማጕላን ነቲ ኣብ መሶብ ዘሎ ቕጫን፥ ኣብ ኣፍ እቲ መራኸቢ ድንኳን ኮይኖም ይብልዕዎ።
33
ንሳቶም ክህነት ምእንቲ ኽቕበሉን ክቕደሱን፥ ነቲ ምእንቲ ስርየት ሓጢኣት ዝተወፈየ ይብልዕዎ። ንሱ ቅዱስ እዩ እሞ፥ ካልእ ሰብ ከቶ ኣይብልዓዮ።
34
ካብ ስጋ ናይቲ ኣብ ምቕባል ክህነት ዝሕረድ ማጕላ፥ ወይ ካብቲ ቕጫ ኽሳዕ ንፅባሒቱ ዝኾነ እንተ ተረፈ፥ ነቲ ተረፍ ብሓዊ ኣቃፅሎ፤ ቅዱስ እዩ እሞ ሰብ ኣይብልዓዮ።
35
“ንኣሮንን ንደቁን ከምቲ ዅሉ ዝኣዘዝኩኻ ጌርካ፥ ሸውዓተ መዓልቲ ስርዓት ክህነት ፈፅመሎም።
36
በብመዓልቱ ኸዓ ንስርየት ሓጢኣት ሓደ ዝራብዕ ሰውእ፤ ስርየት ሓጢኣት ብምግባር ድማ ነቲ መሰውኢ ኣፅርዮ፤ ዘይቲ እናቐባእኻውን ቀድሶ።
37
እዙይ ንሸውዓተ መዓልቲ ግበሮ። ሽዑ እቲ መሰውኢ ፈፂሙ ቅዱስ ክኸውን እዩ፤ እቲ ዅሉ ዝነኽኦ ድማ ኽቕደስ እዩ።
38
“በብመዓልቱ፥ ዓመት ዝገበሩ ኽልተ ጡቦታት ኣባጊዕ መስዋእቲ ኣቕርብ።
39
ነቲ ሓደ ጡቦት በጊዕ ጊሓት፥ ነቲ ኻልኣይ ጡቦት በጊዕ ከዓ ምሸት ሰውኣዮ።
40
ምስቲ ቐዳማይ ጡቦት በጊዕ፥ ሓደ ኺሎ ግራም ልሑም ሕሩጭ፥ ብሓደ ሊትሮ ዘይቲ ኣውሊዕ ለዊስካ ሰውእ፤ ሓደ ሊትሮ ወይኒ ድማ፥ ከም መስዋእቲ ጌርካ ኣፍስሰሉ።
41
ነቲ ኻልኣይ ጡበት በጊዕ ድማ፥ ከምቲ ናይ ጊሓት ምስ መስዋእቲ ብልዕን መስዋእቲ መስተን ጌርካ፥ ኣጋ ምሸት ኣቕርቦ። ንሱ ንኣይ ጥዑም ዝጨናኡ፥ ብሓዊ ዝቃፀል መስዋእቲ እዩ።
42
“እዙይ ኣብቲ መራኸቢ ድንኳን፥ ኣብ ቅድመይ፥ ንውሉድ ወለዶኹም ንዅልሻዕ ዝቃፀል መስዋእቲ እዩ። ኣነ ኣብኡ ኽዛረበካ፥ ምሳኻውን ክራኸብ እየ።
43
ኣብኡ ምስ ደቂ እስራኤልውን ክራኸብ እየ፤ እቲ ድንኳን ድማ ብኽብረይ ክቕደስ እዩ።
44
“ነቲ መራኸቢ ድንኳንን ነቲ መሰውእን ክቕድሶ እየ። ንኣሮንን ንደቁን ከዓ ኻህናት ኮይኖም ከገልግሉኒ ኽቕድሶም እየ።
45
ኣነ ኣብ ማእኸል ደቂ እስራኤል ክነብር፥ ኣምላኾም ድማ ክኸውን እየ።
46
ንሳቶም ከዓ፥ ኣብ ማእኸሎም ምእንቲ ኽነብር ኢለ፥ ካብ ምድሪ ግብፂ ዘውፃእኽዎም፥ ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኾም ከም ዝኾንኩ ኽፈልጡ እዮም፤ ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኾም እየ።
← Chapter 28
Chapter 30 →