bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Exodus 28
Exodus 28
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
“ንስኻ ኸዓ ንሓውካ ኣሮንን፥ ንደቁ ናዳብን ኣብዩድን ኣልኣዛርን ኢታምርን፥ ካህናት ኮይኖም ከገልግሉኒ፥ ካብ ደቂ እስራኤል ፈሊኻ ናባኻ ኣቕርቦም።
2
ንኣሮን ሓውካ ድማ፥ ክቡርን ዘጌፀን ቅዱሳት ኣልባሳት ግበረሉ።
3
ንስኻ ኸዓ ነቶም መንፈስ ጥበብ ዝመላእኽዎም ክኢላታት ዝኾኑ ሰባት ኵሎም፥ ኣሮን ብኽህነት ከገልግለኒ ንኣሮን ኣልባሳት ክገብሩሉ ንገሮም።
4
እቲ ዝገብርዎ ኣልባሳት ከዓ፥ ሳንቃ ኣፍ ልቢ፥ ኤፉድ፥ ቀሚሽ ላዕሊ፥ ዝተጠልፈ ቐሚሽ ውሽጢ፥ መጠምጠምያ፥ ቅናት እዩ። ኣሮንን ደቁን ካህናት ኮይኖም ምእንቲ ኸገልግሉኒ፥ እዝ ቅዱስ ኣልባሳት እዙይ ይግበሩሎም።
5
ብሰማያዊ፥ ብሓምራዊ፥ ብውፁእ ቀይሕ ዝኾነ ፈትልን፥ ብወርቅን፥ ገይሮም ከዓ ይስርሕዎ።
6
“ነቲ ኤፉድ፥ ብሰማያውን ሓምራውን ውፁእ ቀይሕ ብዝኾነ ፈትልን ብወርቅን ብሃርን ገይሮም ብብልሓት ይግበርዎ።
7
ብመንኰብ ሓሊፉ ዝጋጠም፥ ኣብ ክልተ ጫፉ ዝለገበ ኽልተ መንጠልጠሊ ይሃልዎ።
8
እቲ ብብልሓት ዝተገብረ ዝዕጠቑሉ ቕናት ከዓ፥ ምስኡ ብሓደ ዝተላገበ፥ ሓደ ዓይነት ዝስርሓቱ፥ ብሰማያዊ፥ ሓምራዊ፥ ውፁእ ቀይሕ ብዝኾነ ፈትልን፥ ብወርቅን ብዝተፍሓሰ ሃርን ይኹን።
9
“ክልተ እምኒ መረግድ ውሰድ እሞ፥ ናይቶም ዓሰርተ ኽልተ ደቂ ያእቆብ ስም ቅረፀሉ።
10
ከከም ኣወላልዳኣቶም ጌርካ፥ ናይቶም ሽዱሽተ ስም ኣብ ሓደ እምኒ፥ ናይቶም ዝተረፉ ሽዱሽተ ስም ድማ ኣብ ሓደ እምኒ ቕረፆ።
11
ከምቲ ቐራፅ እምኒ፥ ማሕተም ክቐርፅ እንተሎ ዝገብሮ ጌርካ፥ ኣብ ክልቲኡ እምኒ፥ ስም ደቂ ያእቆብ ቅረፅ። ነቲ እምኒ ኽሕዞ ኸዓ ብወርቂ ዝተሰርሐ ትንጎ ኣብ ዙርያኡ ግበረሉ።
12
ነቶም ዓሰርተ ኽልተ ነገድ እስራኤል መዘከርታ ምእንቲ ክኸውን፥ ነቲ ኽልተ ኣእማን፥ ኣብቲ መንኰብ ኤፉድ ግበሮ። ኣነ እግዚኣብሄር ምእንቲ ኽዝክሮም ድማ ኣሮን ንስማቶም ይፁሮ።
13
ብወርቂ ዝተሰርሐ ትንጎ ግበር።
14
ብፅሩይ ወርቂ ጌርካ፥ ከም ገመድ ዝተፍሓሰ ኽልተ ሰንሰለት ግበር። ነቲ ዝተፍሓሰ ሰንሰለት ምስቲ ትንጎ ኣላግቦ።
15
“ብብልሓት ዝተገብረ፥ ፍቓድ እግዚኣብሄር መፍለጢ ዝኸውን ሳንቃ ኣፍ ልቢ ግበር። ከም ስርሓት ኤፉድ ጌርካ፥ ብሰማያውን ሓምራውን ውፁእ ቀይሕ ብዝኾነ ፈትልን፥ ብወርቅን ብዝተፍሓሰ ሃርን ስርሓዮ።
16
ኣርባዕተ ዝመኣዝኑ ድርብ ይኹን። ምንዋሑ ስድሪ፥ ወርዱ ኸዓ ስድሪ ይኹን።
17
ዝዛነቕ ጌርካ ኣርባዕተ ዝመስርዑ ኽቡር ኣእማን ኣልግበሉ። ኣብ ቀዳማይ መስርዕ ሰርድዮን ቶጳዝዮን፥ ቢረሌ።
18
ኣብ ካልኣይ መስርዕ፥ መረግድ፥ ሰንፔር፥ ኣልማዝ።
19
ኣብ ሳልሳይ መስርዕ፥ ያክንት፥ ኬልቄዶን፥ ኣሜቴስጢኖስ።
20
ኣብ ራብዓይ መስርዕ፥ ክርስቲሎቤ፥ ኦኒክስ፥ ኢያሰጲድ። ነዝ ዅሉ ብትንጎ ወርቂ ኣብ ዝተሰርሐ ስዅዓዮ።
21
እቲ ኣእማን ድማ፥ ብቝፅሪ ስም ደቂ ያእቆብ፥ ዓሰርተ ኽልተ ይኹን። ስም ናይ ነፍሲ ወከፍ እቶም ዓሰርተ ኽልተ ነገድ ከዓ፥ ኣብቲ ኣእማን ከም ቅርፂ ማሕተም ይፀሓፍ።
22
“ነቲ ሳንቃ ኣፍ ልቢ ድማ ብፅሩይ ወርቂ ዝተሰርሐ፥ ዝተተነጐ ሰንሰለታት ግበረሉ።
23
ከምኡ ድማ ነቲ ሳንቃ ኣፍ ልቢ፥ ክልተ ቐለበት ወርቂ ግበረሉ። ነቲ ኽልተ ቐለበት ከዓ፥ ኣብ ክልተ መኣዝን ናይቲ ሳንቃ ኣፍ ልቢ ግበሮ።
24
ነቲ ብወርቂ ዝተሰርሐ፥ ክልተ ዝተተነጐ ሰንሰለት ከዓ፥ ኣብቲ ኣብ መኣዝን ሳንቃ ኣፍ ልቢ ዘሎ ኽልተ ቐለበት እሰሮ።
25
ነቲ ኽልተ ኻልእ ጫፍ ከዓ፥ ምስ ክልቲኡ ትንጎ ወርቂ ኣተሓሒዝካ፥ ኣብቲ ኤፉድ ኣብ መንኰብ ዝንጥልጠለሉ፥ ብወገን ቅድሚት እሰሮ።
26
ብወርቂ ጌርካ ድማ ኽልተ ቐለበት ስራሕ፤ ኣብቲ ኽልተ ወሰን ሳንቃ ኣፍ ልቢ፥ ናብ ወገን ኤፉድ ዘሎ ውሽጣዊ ጠርዚ እሰሮ።
27
ብወርቂ ጌርካ ኽልተ ቐለበት ስራሕ፤ ኣብቲ ኤፉድ ብኽልተ ወገኑ፥ ብታሕቲ ዝእሰረሉ ብወገን ቅድሚት፥ ኣብ ጥቓ እቲ መገጣጠሚኡ፥ ኣብ ልዕሊ እቲ ብብልሓት ዝተገብረ ቕናት ኤፉድ እሰሮ።
28
እቲ ሳንቃ ኣፍ ልቢ፥ ኣብቲ ብብልሓት ዝተገብረ ቕናት ኤፉድ ክለግብ እምበር፥ ምእንቲ ኻብቲ ኤፉድ ከይፍለ፥ ነቲ ቐለበታት ሳንቃ ኣፍ ልቢ፥ ምስቲ ቐለበታት ኤፉድ ብሰማያዊ ፍሕሶ እሰሮ።
29
“ኣሮን ናብ መቕደስ ክኣቱ እንተሎ፥ ነቲ ስም ደቂ ያእቆብ ኣብኡ ተቐሪፁ ዘሎ ሳንቃ ኣፍ ልቢ፥ ይፁሮ። ኣነ እግዚኣብሄር ድማ ንህዝበይ ኵልሻዕ ክዝክሮም እየ።
30
ነቲ ኡሪምን ቱሚምን ወሲድካ ኣብ ሳንቃ ኣፍ ልቢ ግበሮ። ኣሮን ናብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክኣቱ እንተሎ ኸዓ፥ ኣብ ኣፍ ልቡ ይፁሮ፤ ኣሮን ድማ ንፍርዲ ደቂ እስራኤል ኵልሻዕ ኣብ ልዕሊ ልቡ ይፁሮ።
31
“ነቲ ናይ ኤፉድ ቐሚሽ ላዕሊ ኸዓ፥ ኵለንትናኡ ሰማያዊ ግበሮ።
32
ኣብ ማእኸሉ ድማ ንርእሲ ዘሕልፍ ኣፍ ይሃልዎ። እቲ ኣፍ ምእንቲ ኸይቕደድ፥ ኣብ ዙርያኡ ተኸቢሱ ዝተኣልመ ናይ ክሳድ ይሃልዎ።
33
ኣብ ዙርያ ታሕተዋይ ዘፈሩ ኸዓ፥ ሰማያውን ሓምራውን ውፁእ ቀይሕን ዝኾነ ሮማን ግበረሉ። ኣብ መንጎ እተን ሮማን ድማ፥ ብወርቂ ዝተሰርሐ ቓጭላት ግበረሉ።
34
ኣብ ዙርያ እቲ ዘፈር ቀሚሽ፥ ብወርቂ ዝተሰርሐ ቓጭልን ሮማንን እናዛነቕካ፥ ሓደ ድሕሪ ሓደ ግበሮ።
35
ኣሮን ብኽህነት ከገልግል እንተሎ፥ ይከደኖ። ኣብ ቅድመይ ናብ መቕደስ ክኣቱን ክወፅእን እንተሎ ድምፂ ናይተን ቃጭላት ክስማዕ እዩ። ስለዙይ እውን ኣይመውትን እዩ።
36
“ብፅሩይ ወርቂ ጌርካ ድማ ሓደ ገይፂ ግበር። ኣብኡ ኸዓ ኸም ቅርፂ ማሕተም ጌርካ፥ ‘ንእግዚኣብሄር ዝተቐደሰ’ ዝብል ፀሓፈሉ።
37
ብሰማያዊ ፍሕሶ ጌርካ፥ ኣብ መጠምጠምያ ኣልግቦ። ኣብቲ መጠምጠምያ ኸዓ፥ ብወገን ቅድሚት ግበሮ።
38
ነዙይ ኣብ ግምባር ኣሮን ግበሮ። ኣሮን ድማ ነቲ ደቂ እስራኤል፥ ንእግዚኣብሄር ዝተቐደሰ ውህብቶ ዅሉ ኸቕርቡ እንተለዉ ዝገብርዎ በደል ይፁር። ኣነ እግዚኣብሄር ምእንቲ ኽቕበሎም ከዓ ዅልሻዕ ኣብ ግምባሩ ይፁሮ።
39
“ብሃሪ ዝተኣልመ ቐሚሽ ውሽጢ ግበር። ብሃሪ ድማ መጠምጠምያ ግበር። ዝተጠልፈ ቕናት እውን ግበር።
40
ንደቂ ኣሮን ድማ ቐማውሽ ግበረሎም፤ ቅናውቲውን ግበረሎም፤ ክቡርን ምልኩዕን መጠምጠምያ እውን ግበረሎም።
41
በዝ ኽዳውንቲ እዙይ፥ ንኣሮን ሓውካን ንደቁን ክደኖም፤ ብዘይትውን ቅብኣዮም፤ መዓርግ ክህነት ድማ ሃቦም፤ ብኽህነት ምእንቲ ኸገልግሉኒ ኸዓ ቐድሶም።
42
“ብሃሪ ጌርካ ንሕፍረቶም ዝኸድን ናይ በፍታ ስረ ግበረሎም። እዙይ ካብ ሕቘኦም ክሳዕ ብርኮም ዝበፅሕ ይኹን።
43
ኣሮንን ደቁን ከይብድሉ እሞ ኸይሞቱ፥ ናብታ ኣነ ዝርከበላ ድንኳን ክኣትዉ እንተለዉ፥ ወይ ኣብ መቕደስ ከገልግሉ ናብ መሰውኢ ኽቐርቡ እንተለዉ ይተዓጠቕዎ። “እዙይ ንኣሮንን ብድሕሪኡ ድማ ንዘርኡን ንዘለኣለም ዝነብር ሕጊ ይኹን።
← Chapter 27
Chapter 29 →