bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Exodus 22
Exodus 22
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
“ሓደ ሰብ ብዕራይ ወይ በጊዕ ሰሪቑ እንተ ሓረደ፥ ወይ እንተ ሸጠ፥ ክንዲ ሓደ ብዕራይ ሓሙሽተ ብዕራይ፥ ክንዲ ሓንቲ በጊዕ ድማ ኣርባዕተ ኣባጊዕ ይኽሓስ።
2
“ሰራቒ ሰይሩ ኽኣቱ እንተሎ እንተ ተረኽበ፥ ወቒዖምዎ ኸዓ እንተ ሞተ፥ እቲ ወቓዒ ዝኸፍሎ፥ ዕዳ ደም የብሉን።
3
ፀሓይ ምስ በረቐት እንተ ቐተሎ ግና፥ ዕዳ ደም ኣለዎ። “እቲ ሰራቒ ኸዓ ዝሰረቖ ይምለስ። ዝኸፍሎ ገንዘብ እንተ ሰኣነ ግና፥ ነቲ ዝሰረቖ ምእንቲ ክኸፍል ይሸየጥ።
4
“ብዕራይ ኮነ ኣድጊ ወይ በጊዕ ሰሪቑ፥ እቲ ዝሰረቖ ኣብ ኢዱ ብህይወቱ እንተ ተረኽበ፥ ንሱ ዕፅፊ ገይሩ ይኽፈል።
5
“ሓደ ሰብ ናብ ዝሩእ ወይ ናብ ቦታ ወይኒ፥ ከፍቱ ሰዲዱ ንናይ ካልእ ዝሩእ እንተብልዐ፥ ካብ ግራቱ ወይ ካብ ኣታኽልቲ ወይኑ እቲ ዝበለፀ ይኽሓስ።
6
“ሓዊ ተባሪዑ ናብ ቈጥቋጥ እንተ ተባፅሐ፥ እሞ ዅልስስቲ ወይ ዘይተዓፅደ እኽሊ ወይ ግራት እንተ ኣንደደ፥ እቲ ሓዊ ዘንደደ ይኽሓስ።
7
“ሓደ ሰብ፥ ገንዘብ ወይ ኣቕሓ ኣብ ጐረቤቱ ኽሕለወሉ ሕድሪ እንተ ሃበ እሞ፥ ካብ ገዛ እቲ ሕድሪ ዝተቐበለ ሰብ እንተ ተሰርቐ፥ እቲ ሰራቒ ኸዓ እንተ ተረኽበ፥ ንሱ ዕፅፊ ገይሩ ይኽሓስ።
8
እቲ ሰራቒ እንተ ዘይተረኽበ ግና፥ እቲ በዓል ገዛ ናብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ይቕረብ፤ ገንዘብ ብፃዩ ኸም ዘየልዓለ ድማ ይምሓል።
9
“ሓደ ሰብ ብዝኾነ ነገር፥ ብዛዕባ ብዕራይ ኮነ ኣድጊ፥ ብዛዕባ በጊዕ ኾነ ኽዳን ወይ ብዛዕባ ዝጠፍአ ዝኾነ ኣቕሓ፥ ‘እዙይ ናተይ እዩ’ ኢሉ እንተ ኸሰሰ፥ ናይ ክልቲኦም ነገር ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ይቕረብ። እቶም ፈረድቲ ዝፈረዱሉ ኽንዲ ሓደ ኽልተ ይኽፈል።
10
“ሓደ ሰብ፥ ክሕለወሉ ኢሉ፥ ኣድጊ ወይ ብዕራይ ወይ በጊዕ ወይ ዝኾነ እንስሳ፥ ሕድሪ እንተ ሃበ፥ ንሱ ኸዓ እንተ ሞተ፥ ወይ እንተ ተሰብረ፥ ወይ ዝረአዮ ዘይብሉ እንተ ተዘምተ፥
11
እቲ በዓል ሕድሪ፥ ገንዘብ ብፃዩ ኸም ዘይወሰደ፥ ብስም እግዚኣብሄር ይምሓል እሞ፥ እቲ ኣብ መንጎ ኽልቲኦም ዝነበረ ነገር ይወዳእ፤ እቲ በዓል ዋና፥ ነቲ ማሕላ ይቀበል፤ ካሕሳ ግና ኣይቀበል።
12
ካብ ኢዱ እንተ ተሰርቀ ግና፥ ነቲ በዓል ዋና ይተክአሉ።
13
ኣራዊት እንተ በልዖ ኸዓ፥ ንምስክር ክኾኖ ኻብቲ ተረፍ ኣራዊት የምፅእ፤ ክትክእ ግና ግድን ኣይኮነን።
14
“ሓደ ሰብ ካብ ብፃዩ ዝኾነ እንስሳ እንተ ለመነ፥ ዋናኡ ኣብ ዘይብሉ ድማ እንተ ተሰብረ ወይ እንተ ሞተ፥ ይኽሓሶ።
15
እቲ ዋና፥ ምስኡ እንተ ነበረ ግና ኣይኽሓሶ። ብኽራይ ዝመፀ እንስሳ እንተ ኾነ ድማ እቲ ኽሳራኡ ብኽራዩ ተኸሓሒሱ እዩ።
16
“ሓደ ሰብ፥ ንሓንቲ ዘይተሓፅየት ጓል እንተ ዓመፀ፥ ክብሪ ንፅህናኣውን እንተ ደፈረ፥ ገዝሚ ኣግዚሙ ይመርዓዋ።
17
ኣቦኣ ‘ኣይህበካን እየ’ ኢሉ እንተ ኸልኦ ግና፥ ከም ገዝሚ ኣጓላት ገንዘብ ይኽፈል።
18
“ንጠንቋሊት ብህይወት ክትነብር ኣይትሕደጋ።
19
“ምስ እንስሳ ዝብዕልግ ፈፂሙ ይቀተል።
20
“እንትርፊ ንእግዚኣብሄር፥ ንኻልኦት ኣማልኽቲ ዝስውእ ይቀተል።
21
“ንስኻትኩም ከዓ ኣብ ምድሪ ግብፂ ስደተኛታት ኔርኩም ኢኹም እሞ፥ ንስደተኛ ኣይትዓምፅዎ ወይ ኣይትግፍዕዎ።
22
“ንመበለታት ኮነ ንደኽታማት ኣይትግፍዕዎም።
23
እንተ ገፋዕኹምዎም፥ ንሳቶም ከዓ ናባይ እንተእወዩ፥ ኣነ ንኣውያቶም ብርግፅ ክሰምዖ እየ።
24
ቍጥዓይ ምስ ነደደ ኸዓ ብሰይፊ ኽቐትለኩም እየ። ሽዑ ኣንስትኹም መበለታት፥ ደቅኹም ድማ ደኽታማት ክኾኑ እዮም።
25
“ካብቶም ምሳኻ ዝነብሩ ህዝበይ፥ ንሓደ ድኻ ገንዘብ እንተ ኣለቃሕኻዮ፥ ከም በዓል ሃረፃ ኣይትኹኖ፤ ሃረፃውን ኣይትፅዓኖ።
26
ክዳን ብፃይካ ትሕጃ እንተ ሓዝካ፥ ፀሓይ እንተይዓረበት ምለሰሉ።
27
ዝኽደና ኽዳን ዝባኑ ንሳ ጥራሕ እያ እሞ፥ እንታይ ተኸዲኑ ደኣ ይደቅስ? እንሆ፥ ኣነ መሓሪ እየ እሞ፥ ናባይ እንተ ጠርዐ ኽሰምዖ እየ።
28
“ንእግዚኣብሄር ኣይትፅረፍ፤ ንሓለቓ ህዝብኻ ድማ ኣይትርገም።
29
“ካብ ምልኣት ማዕኸንካን ካብ መፅመቝ ወይንኻን መባእ ንምቕራብ ኣይትደንጒ። “ካብ ኣወዳትካ ነቲ በዅሪ ንኣይ ሃበኒ።
30
ካብ ኣብዑርካን ካብ ኣባጊዕኻን ድማ ኸምኡ ግበር። ሸውዓተ መዓልቲ ምስ እኖኡ ይፅናሕ፤ በታ ሻምነይቲ መዓልቲ ንኣይ ሃበኒ።
31
“ንስኻትኩም ንኣይ ቅዱስ ህዝቢ ኽትኮኑኒ ኢኹም፤ ስለዙይ ነኽላባት ደኣ ደርቢይዎ እምበር ኣራዊት ዝሰላልዖ ስጋ እንስሳ ኣይትብልዑ።
← Chapter 21
Chapter 23 →