bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Exodus 23
Exodus 23
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
“ወረ ሓሰት ኣይትቀበል። ሓሲኻ ንኽትምስክርውን ምስ ዓማፂ ኢድካ ኣይተልዕል።
2
“ክፉእ ንምግባር ደድሕሪ ብዙሓት ሰባት ኣይትስዓብ። ነቶም ብዙሓት ወጊንካ ፍርዲ ንምቕይናን ኣይትመስክር።
3
ብፍርዲ ነገርውን ነቲ ድኻ ኣይተዳሉ።
4
“ብዕራይ ፀላኢኻ ወይ ኣድጉ ጠፊኡ እንተ ረኸብካ፥ ናብ ዋናኡ ምለሶ።
5
ኣድጊ ፀላኢኻ ኣብ ትሕቲ ፅዕነቱ ወዲቑ እንተ ረኸብካ፥ ምስ ዋናኡ ዄንካ ሓግዞ እምበር ረጊፅካዮ ኣይትሕለፍ።
6
“ድኻ ናብ ፍርዲ እንተ ቐረበ፥ ‘ድኻ እዩ’ ኢልካ ፍትሒ ኣይተጕድለሉ።
7
ካብ ሓሰት ዘረባ ረሓቕ። ንፁህን ቕኑዕን ሰብ ኣይትቕተል፤ ኣነ ንዝበደለ ሰብ ኣይምሕሮን እየሞ።
8
“ጉቦ ነቶም ዝሪኡ ዘዕውር፥ ዘረባ ፃድቃን ከዓ ዘቐይንን እዩ እሞ፥ ጉቦ ኣይትቀበል።
9
“ንስኻትኩም ኣብ ምድሪ ግብፂ ስደተኛታት ኔርኩም ኢኹም፤ ነፍሲ ስደተኛ ኸመይ ከም ዝኾነት ድማ ትፈልጡ ኢኹም እሞ፥ ንስደተኛ ኣይትግፍዕዎ።
10
“ሽዱሽተ ዓመት ምድርኻ ዝራእ፤ ፍርያታ ኸዓ ኣእቱ።
11
በታ ሻውዐይቲ ዓመት ግና፥ ድኻ ህዝብኻ ኻብኣ ምእንቲ ኽበልዕ፥ እቲ ዝተረፈ ድማ እንስሳ በረኻ ምእንቲ ኽበልዖ፥ ክተዕርፍ ሕደጋ። ኣብ ኣታኽልቲ ወይንኻን ኣብ ኣውሊዕኻን ድማ ኸምኡ ግበር።
12
“ሽዱሽተ መዓልቲ ስራሕኻ ግበር፤ በታ ሻውዐይቲ መዓልቲ ግና፥ ብዕራይካን ኣድግኻን፥ እቲ ኣብ ገዛኻ ዝተወልደ ባርያኻን፥ እቲ ስደተኛን ምእንቲ ኸዕርፉ፥ በታ ሻውዐይቲ መዓልቲ ኣዕርፍ።
13
“ነቲ ዅሉ ዝበልኩኹም ሓልውዎ። ስም ካልኦት ኣማልኽቲ ኣይትፀውዑ፤ ካብ ኣፍኩምውን ኣይሰማዕ።
14
“ኣብ ዓመት ሰለስተ ሻዕ በዓል ግበረለይ።
15
“በቲ ምዱብ እዋን፥ ብወርሒ ኣቢብ፥ ካብ ግብፂ በዛ ወርሒ እዚኣ ኢኻ ዝወፃእኻ እሞ፥ በዓል ቅጫ ኣብዕል፤ ከምቲ ዝኣዘዝኩኻ ሸውዓተ መዓልቲ ቕጫ ብላዕ። “ጥራሕ ኢድካ፥ ኣብ ቅድመይ ኣይትረአ።
16
“ናይቲ ኣብ ግራትካ ዝዘራእኻዮ መጀመርታ ፍረ ኽትዓፅድ እንተለኻ፥ በዓል ዓፂድ ኣብዕል። “ኣብ መወዳእታ ዓመት፥ እኽልኻ ኻብ ግራትካ ምስ ኣከብካ፥ ናይ ምእካብ በዓል ኣብዕል።
17
“ተባዕታይ ዝኾነ ዅሉ ኣብ ዓመት ሰለስተ ሻዕ፥ ኣባይ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ይረአ።
18
“እንስሳ ሓሪድካ ደም ክትስውአለይ እንተለኻ፥ ዝበዅዐ ነገር ምስኡ ኣይትሕወስ። “ስብሒ ናይቲ ንበዓለይ ዝተሰውአ፥ ክሳዕ ንግሆ ኣይሕደር።
19
“ነቲ ዝበለፀ በዅሪ ፍረ ምድርኻ ናብ ቤት እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኣምፅኣዮ። “ንማሕስእ ብፀባ እኖኡ ኣይተብስሎ።
20
“ኣብ መንገዲ ኽሕልወካ ናብቲ ዘዳለኽዎ ቦታ ድማ ኸእትወካ፥ እንሆ፥ ኣነ ቐቅድሜኻ መልኣኽ እልእኽ ኣለኹ።
21
ኣብ ቅድሚኡ ተጠንቀቕ፤ ድምፁ ኸዓ ስማዕ። እምቢ ኣይትበሎ። ስመይ ኣብኡ ተሰምዩ እዩ እሞ፥ ሓጢኣት እንተ ሰራሕኻ ንበደልካ ኣይሓድግን እዩ።
22
ድምፁ እንተ ሰሚዕኻ፥ ኣነ ዝብለካ ዅሉ ድማ እንተ ገበርካ፥ ኣነ ንፀላእትኻ ኽፀልኦም፥ ንዝፃረሩኻ ድማ ኽፃረሮም እየ።
23
መልኣኸይ ቀቅድሜኻ ክኸይድ እዩ እሞ፥ ናብ ምድሪ ኣሞራውያንን ኬጢያውያንን ፈሪዛውያንን ከነዓናውያንን ኤዋውያንን ኢያቡሳውያንን ከእትወካ እዩ። ኣነ ድማ ኸጥፍኦም እየ።
24
ንኣማልኽቶም ኣይትስገደሎም፤ ኣይተምልኮምውን፤ ከምቲ ዝገብርዎ ኸዓ ኣይትግበር። እኳ ደኣ ኣጥፍኣዮም፤ ነቲ ቕዱስ ዝብልዎ ናይ ኣምልኾ እምኒ ኣዕምዶም ከዓ ሰባብሮ።
25
ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ኣምልኹ፤ ኣነ ኸዓ እንጀራኹምን ማይኩምን ክባርኸልኩም እየ። ሕማም ከዓ ኻብ ማእኸልኩም ከርሕቕ እየ።
26
ኣብ ሃገርካ ጥንሲ ዝወርዳ ወይ መኻን ሰበይቲ ኣይትርከብን እያ። ቍፅሪ ዘመንካ ኸብዝሖ እየ።
27
“ናብቶም እትጋጠሞም ኵሎም ህዝብታት ራዕዲ ቐቅድሜኻ ኽሰድድ፥ ከሸብሮምውን እየ። ንዅላቶም ፀላእትኻ ኸዓ፥ ካባኻ ኸም ዝሃድሙ ኽገብሮም እየ።
28
ንኤዋውያንን ንከነዓናውያንን ንኬጢያውያንን ካብ ቅድሜኻ ዘሳጕጉ፥ ተናኸስቲ ፅንፅያ ቐቅድሜኻ ኽሰድድ እየ።
29
እታ ምድሪ ምእንቲ ኸይትባድም፥ ኣራዊት በረኻ ኸዓ ኸይበዝሑኻ፥ ካብ ቅድሜኻ ብሓንቲ ዓመት ኣየወግዶምን እየ።
30
ተባዚሕኻ ነታ ምድሪ ኽሳዕ እትወርሳ ኻብ ቅድሜኻ በብቑሩብ እየ ዘወግዶም።
31
“ነቶም ኣብታ ምድሪ ዝነብሩ፥ ኣብ ኣእዳውካ ኽህበካ እየ፤ ካብ ቅድሜኻ ኸዓ ኽትሰጎም ኢኻ እሞ፥ ሽዑ ወሰንካ ኻብ ቀይሕ ባሕሪ ኽሳዕ ባሕሪ ፍልስጥኤም፥ ካብ ምድረ በዳ ድማ ኽሳዕ ፈለግ ኤፍራጥስ ክገብሮ እየ።
32
ምስኣቶም ኮነ፥ ምስ ኣማልኽቶም ኪዳን ኣይትእቶ።
33
ንኣማልኽቶም እንተ ደኣ ኣምሊኽካ፥ እዙይ ንኣኻ መፈንጠር ክኾነካ እዩ እሞ፥ ከየስሕቱኻ እሞ ንኣይ ከም እትብድል ከይገብሩኻ፥ ኣብ ምድርኻ ኽነብሩ ኣይትፍቀደሎም።”
← Chapter 22
Chapter 24 →