bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Exodus 21
Exodus 21
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
“ኣብ ቅድሚኣቶም እተንብሮም ሕግጋት እዚኣቶም እዮም፦
2
ዕብራዊ ኣገልጋሊ እንተ ዓደግካ፥ ሽዱሽተ ዓመት ይገዛእኻ፤ ኣብታ ሻውዐይቲ ዓመት ግና ብዘይ ክፍሊት ሓራ ይውፃእ።
3
በይኑ እንተ መፂኡ፥ በይኑ ሓራ ይውፃእ። ምስ ሰበይቱ እንተ መፂኡ፥ እታ ሰበይቱውን ምስኡ ሓራ ትውፃእ።
4
ጐይታኡ ሰበይቲ እንተ ሃቦ፥ ንሳ ድማ ኣወዳትን ኣጓላትን እንተ ወለደትሉ፥ እታ ሰበይትን ደቃን ንጐይታኦም ይኹኑ፤ ንሱ በይኑ ሓራ ይውፃእ።
5
“እቲ ኣገልጋሊ ግና፥ ‘ጐይታይን ሰበይተይን ደቀይን እፈቱ እየ፤ ሓራ ኣይወፅእን’ እንተበለ፥
6
ሽዑ እቲ ጐይታኡ ናብ ቅድሚ ፈረድቲ የቕርቦ፤ ኣብ ማዕፆ ወይ ኣብ ልዳት ኣቕሪቡ ኸዓ እዝኑ ብመስፈ ይስቈሮ፤ ክሳዕ ሕልፈቱ ኸዓ ይግዝኣዮ።
7
“ሰብ፥ ጓሉ ንባርነት እንተ ሸጠ፥ ንሳ ኸምቶም ሓራ ዝወፁ ኣገልገልቲ፥ ሓራ ኣይትውፃእ።
8
ንጐይታኣ ደስ እንተ ዘየበለቶ፥ ሓራ የውፅኣያ። ስለ ዝጠለማ ናብ ጓና ህዝቢ ኽሸጣ ኣይግብኦን እዩ።
9
ንወዱ እንተ ኣመርዓዋ ግና ኸምቲ ንኣዋልድ ዝግበር ይግበረላ።
10
ካልአይቲ ሰበይቲ እንተ ኣምፅአሉ ድማ፥ ንኣኣ ቐለብን ክዳንን ከም ሰበይቱ ዝግባእ መሰል ኣየጕድለላ።
11
ነዝ ሰለስተ ነገር እዙይ እንተ ዘይገበረላ ግና ብዘይ ገንዘብ ብኸምኡ የውፅኣያ።
12
“ንሰብ ወቒዑ ዝቐተለ፥ ይቀተል።
13
እግዚኣብሄር ኣብ ኢዱ ኣውዲቕዎ፥ እንተይተፀናተወ ብድንገት ሰብ ንዝቐተለ ግና፥ ንሱ ዝሃድመሉ ቦታ ኽገብረልካ እየ።
14
ተተናዂሉ ኾነ ኢሉ ንብፃዩ እንተ ቐተሎ ግና፥ ኣብ መሰውእየይ እንተ ተዓቘበ እኳ ኣውፂእኹም ቅተልዎ።
15
“ነቦኡ ወይ ንኖኡ ዝወቕዐ፥ ይቀተል።
16
“ንሰብ ሰሪቑ ዝሸጠ፥ ወይ ኣብ ኢዱ እንተ ተረኽበ፥ ይቀተል።
17
“ነቦኡ ወይ ንኖኡ ዝፀረፈ፥ ይቀተል።
18
“ክልተ ሰባት እንተ ተበኣሱ፥ እቲ ሓደ ንብፃዩ ብእምኒ ወይ ኢዱ ጨቢጡ እንተ ወቕዖ፥ እሞ እንተ ዘይሞተ፥ ግና ሓሚሙ ኣብ ዓራት እንተ ደቀሰ፥
19
በትሩ ተመርኲሱ ኸዓ፥ ንደገ ኽወፅእ እንተ ኸኣለ፥ እቲ ዝወቕዖ ሓራ እዩ። ናይቲ ስራሕ ዘብኰሮ ጊዜ ጥራሕ ይኽሓሶ፤ ፈፂሙ ኽሳዕ ዝሓዊ ኸዓ ይከናኸኖ።
20
“ሰብ ንኣገልጋሊኡ ወይ ንግዝእቱ ብበትሪ ወቒዑ ኣብ ኢዱ እንተ ሞተ፥ ይቀፃዕ።
21
ንሓንቲ ወይ ንኽልተ መዓልቲ እንተይሞተ እንተ ፀንሐ ግና፥ ድሮ እውን ብገንዘቡ ዝዓደጎ እዩ እሞ ኣይቀፃዕ።
22
“ሰባት እንተ ተበኣሱ ጥንስቲ ሰበይቲ ኸዓ እንተ ደፍኡ፥ እሞ ጥንሳ እንተ ኸደ፥ ካልእ ጕድኣት ከዓ እንተ ዘይብላ፥ እቲ ዝበደለ፥ ሰብኣይ ነታ ሰበይቲ ዝመደቦሞ ፈረድቲ ኸዓ ዘፅንዕዎ ኻሕሳ ይኽፈል።
23
ነታ ጥንስቲ ኸቢድ ጕድኣት እንተ በፅሓ ግና ነፍሲ፥ ክንዲ ነፍሲ፥
24
ዓይኒ፥ ክንዲ ዓይኒ፥ ስኒ፥ ክንዲ ስኒ፥ ኢድ፥ ክንዲ ኢድ፥ እግሪ፥ ክንዲ እግሪ፥
25
ምንዳድ፥ ክንዲ ምንዳድ፥ ቍስሊ፥ ክንዲ ቝስሊ፥ ሕበጥ፥ ክንዲ ሕበጥ ይከፈል።
26
“ሰብ ዓይኒ ኣገልጋሊኡ ወይ ዓይኒ ግዝእቱ ወቒዑ እንተ ኣንቈረ፥ ክንዲ ኻሕሳ እታ ዓይኑ ሓራ የውፅኣዮ።
27
ስኒ ኣገልጋሊኡ ወይ ስኒ ግዝእቱ እንተ ሰበረውን፥ ክንዲ ኻሕሳ እታ ስኑ ሓራ የውፅኣዮ።
28
“ብዕራይ፥ ሰብኣይ ወይ ሰበይቲ ወጊኡ እንተ ቐተለ፥ ነቲ ብዕራይ ብእምኒ ቐጥቂጦም ይቕተልዎ፤ ስጋኡ ድማ ኣይበላዕ። እቲ በዓል ብዕራይ ግና ናፃ እዩ።
29
እቲ ብዕራይ ካብ ቀደሙ ተዋጋኢ እንተ ነይሩ፥ እሞ ነቲ ዋናኡ ኣሰሚዖምሉ ነይሮም፥ እንተይሓለዎ ተሪፉ ሰብኣይ ወይ ሰበይቲ እንተ ቐተለ፥ ነቲ ብዕራይ ብዳርባ እምኒ ይቕተልዎ፤ ነቲ ዋናኡውን ይቕተልዎ።
30
‘ጋር ነፍሲ ጥራሕ ክፈለና’ እንተ በልዎ ግና፥ ከምቲ ዝመደቡሉ ጋር ነፍሲ ይኽፈል።
31
እቲ ብዕራይ ወዲ ወይ ጓል እንተ ወግአውን ከምኡ ይፍረድዎ።
32
ብዕራይ፥ ንተባዕታይ ባርያ ወይ ኣንስተይቲ ባርያ እንተ ወግአ፥ ዋና እቲ ብዕራይ ንጐይታ እቲ ውጉእ ሰላሳ ቕርሺ ብሩር ይኽፈሎ። ነቲ ብዕራይ ድማ ብእምኒ ቐጥቂጦም ይቕተልዎ።
33
“ሰብ ጕድጓድ እንተ ኸፈተ ወይ ከዓ ጕድጓድ እንተ ዀዓተ እሞ እንተ ዘይከደኖ፥ ናብኡ ድማ ብዕራይ ወይ ኣድጊ እንተ ወደቐ፥
34
እቲ በዓል ጕድጓድ ነቲ ዋናኡ ገንዘብ ይኽሓስ። እቲ ዝሞተ እንስሳ ኸዓ ንእኡ ይኹን።
35
“ብዕራይ ሓደ ሰብ፥ ንብዕራይ ካልእ ሰብ እንተ ቐተለ፥ ነቲ ብህይወት ዘሎ ብዕራይ ሸይጦም ሽያጡ ይማቐሉ። ነቲ ዝሞተ ብዕራይ ከዓ ይማቐልዎ።
36
እቲ ብዕራይ ካብ ቀደሙ ፍሉጥ ተዋጋኢ እንተ ኾነ እሞ፥ ዋናኡ እንተ ዘይሓለዎ ግና ብዕራይ፥ ክንዲ ብዕራይ ይኽሓስ። እቲ ዝሞተ እንስሳውን ንእኡ ይኹኖ።
← Chapter 20
Chapter 22 →