bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Exodus 13
Exodus 13
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ፥ “ኣብ ደቂ እስራኤል ኵሉ ማህፀን እኖኡ ዝኸፍት፥ ሰብ ኮነ እንስሳ፥ ናተይ እዩ እሞ ዅሉ በዅሪ ንኣይ ቀድሶ” በሎ።
3
ሙሴ ድማ ነቶም ህዝቢ “እግዚኣብሄር፥ ብሓያል ኢድ ካብ ግብፂ ኣውፅኢኩም እዩ እሞ፥ ነዛ ኻብ ምድሪ ባርነት ዝወፃእኹምላ መዓልቲ ዘክርዋ፤ ዝበዅዐ፥ ከቶ ኣይትብልዑ።
4
ንስኻትኩም ሎሚ ብወርሒ ኣቢብ ትወፁ ኣለኹም።
5
እግዚኣብሄር ናብ ምድሪ ከነዓናውያንን ኬጢያውያንን ኣሞራውያንን ኤዋውያንን ኢያቡሳውያንን፥ ናብታ ፀባን መዓርን እተውሕዝ ምድሪ፥ ‘ንኣኻትኩም ክህበኩም እየ’ ኢሉ ነቦታትኩም ዝመሓለሎም ምድሪ ምስ ኣእተወኩም፥ ሽዑ ነዝ በዓል እዙይ ኣብዛ ወርሒ እዚኣ ኣኽብርዎ ኢኹም።
6
ሸውዓተ መዓልቲ ቕጫ ብልዑ። በታ ሻውዐይቲ መዓልቲ ድማ በዓል እግዚኣብሄር ይኹን።
7
በተን ሸውዓተ መዓልቲታት ቕጫ ብላዕ፤ ኣባኻ ብዅዕ ኣይረአ፤ ኣብ ኵሉ ኣዋሳኒኹምውን ማይ ብሑቕ ኣይረአ።
8
በታ መዓልቲ እቲኣ ንደቅኻ፦ ‘እዙይ ስለ እቲ እግዚኣብሄር ካብ ግብፂ ኽወፅእ እንተለኹ ዝገበረለይ ኢለ እየ ዝገብሮ ዘለኹ’ ኢልካ ንገሮም።
9
እግዚኣብሄር ብሓያል ኢዱ ኻብ ግብፂ ኣውፂኡካ እዩ እሞ፥ ሕጊ እግዚኣብሄር ምእንቲ ኣብ ኣፍካ ክኸውን፥ ኣብ ኢድካ ንምልክት፥ ኣብ ኣዒንትኻ ድማ ንመዘከርታ ይኹነልካ።
10
ነዝ ስርዓት እዙይ በቲ ውሱን ጊዜኡ ዓመት ዓመት ሓልዎ።
11
“እግዚኣብሄር ድማ ናብታ ንኣኻን ነቦታትካን ዝመሓለልካ ምድሪ ከነዓናውያን ምስ ኣእተወካ ንኣኣውን ምስ ሃበካ፥
12
ኵሉ ማህፀን እኖኡ ዝኸፍት፥ ንእግዚኣብሄር ክኸውን ፍለዮ፤ ካብ ዘለካ እንስሳ መጀመርታ ዝተወልደ ዅሉ ተባዕታይ ንእግዚኣብሄር ይኹን።
13
ኵሉ በዅሪ ኣድጊ ድማ ብበጊዕ ተቤዘዎ፤ እንተ ዘይተቤዘውካዮ ኸዓ ኽሳዱ ስበሮ። ካብ ደቅኻ ድማ፥ ንዅሉ በዅሪ ንዝኾነ ሰብ ተቤዘዎ።
14
“ብዝመፅእ ዘመን ደቅኻ ‘እዙይ እንታይ እዩ’ ኢሎም እንተ ጠየቑኻ፥ ‘እግዚኣብሄር ካብ ግብፂ፥ ካብ ምድሪ ባርነት ብሓያል ቅልፅሙ ኣውፅአና።
15
ፈርዖን ክንከይድ ከይሰደና ልቡ ምስ ኣትረረ፥ እግዚኣብሄር ኣብ ምድሪ ግብፂ ንዅሉ በዅሪ፥ ካብ በዅሪ ሰብ ክሳዕ በዅሪ እንስሳ ቐተለ። ስለዙይ ማህፀን እኖኡ ዝኸፈተ ዅሉ ተባዕታይ ንእግዚኣብሄር እስውኦ፤ ካብ ደቅና ድማ በዅሪ ንዝኾነ ዅሉ እብዜዎ’ ትብሎ።
16
እግዚኣብሄር ካብ ግብፂ፥ ብሓያል ቅልፅሙ ኣውፂኡና እዩ እሞ፥ እዙይ ድማ ኣብ ኢድካ ኸም ዝተንጠልጠለ፥ ኣብ መንጎ ኣዒንትኻ ኸዓ ኸም መዘከርታ ይኹንካ” በሎ።
17
ፈርዖን ነቶም ህዝቢ ክኸዱ ምስ ሰደዶም ድማ፥ እግዚኣብሄር እቶም ህዝቢ ውግእ ምስ ረአዩ፥ ተናሲሖም ናብ ግብፂ ኸይምለሱ ኢሉ፥ ቀረባ እኳ እንተ ነበረት፥ በታ መንገዲ ምድሪ ፍልስጥኤማውያን ኣይመርሖምን።
18
እግዚኣብሄር ግና ነቶም ህዝቢ ብመንገዲ ምድረ በዳ ኣቢሉ ንባሕሪ ኤርትራ ኣዞሮም። ደቂ እስራኤል ድማ ንውግእ ከም ዝተዳለዉ ኾይኖም፥ ካብ ምድሪ ግብፂ ተሰሊፎም ወፁ።
19
ዮሴፍ ንደቂ እስራኤል “እግዚኣብሄር ብርግፅ ክምልከተኩም እዩ፤ ሽዑ ነዕፅምተይ ካብዙይ ምሳኻትኩም ውሰድዎ” ኢሉ ኣምሒልዎም ነበረ እሞ፥ ሙሴ ነዕፅምቲ ዮሴፍ ምስኡ ወሰዶ።
20
ደቂ እስራኤል ካብ ሱኮት ተልዒሎም ኣብ ኤታም ኣብ ወሰን ምድረ በዳ ሰፈሩ።
21
ለይትን መዓልትን ምእንቲ ኽጐዓዙ፥ እግዚኣብሄር መንገዲ ንኽመርሖም ብመዓልቲ ብዓምዲ ደመና፥ ብለይቲ ድማ ኽበርሀሎም ብዓምዲ ሓዊ ቐቅድሚኣቶም ይኸይድ ነበረ።
22
ብመዓልቲ ዓምዲ ደመና፥ ብለይቲ ኸዓ ዓምዲ ሓዊ ኻብ ቅድሚ እቶም ህዝቢ ኸቶ ኣይተፈለየን።
← Chapter 12
Chapter 14 →