bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Exodus 14
Exodus 14
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዙይ ኢሉ ተናገሮ፦
2
“ንደቂ እስራኤል፥ ተመሊሶም ኣብ መንፅር ፒሃሒሮት፥ ኣብ መንጎ ሚግዶልን ባሕርን ክሰፍሩ ንገሮም። ኣብ መንፅር በዓልፀፎን፥ ኣብ ጥቓ ባሕሪ ስፈሩ።
3
ፈርዖን ድማ ‘ደቂ እስራኤል ምድረ በዳ ዓፅዩዎም ኮለል ይብሉ ኣለዉ’ ኽብል እዩ።
4
ኣነ ድማ ንልቢ ፈርዖን ከትርሮ እየ፤ ንሱ ኸዓ ደድሕሬኹም ስዒቡ ኸሳጕጐኩም እዩ። ሽዑ ኣነ ንፈርዖንን ንዅሉ ሰራዊቱን ብምስዓር ክኸብር እየ። ግብፃውያን ድማ ኣነ እግዚኣብሄር ከም ዝኾንኩ ኽፈልጡ እዮም” በሎ። ደቂ እስራኤል ከዓ ኸምኡ ገበሩ።
5
ደቂ እስራኤል ከም ዝሃደሙ ድማ ንፈርዖን ንጉስ ግብፂ ነገርዎ። ንጉስን መኳንንቱን ከዓ ብዛዕባኣቶም ሓሳቦም ለወጡ፤ “እንታይ ኢና ዝገበርና? ደቂ እስራኤል ከይግዝኡናስ ስለ ምንታይ ኢና ክኸዱ ዝሓደግናዮም?” ድማ በሉ።
6
ስለዙይ ከዓ ፈርዖን ሰረገላኡ ኣዳለወ፤ ሰራዊቱውን ኣዕጠቐ።
7
ኣብ ኵለን ሰረገላታት ግብፂ፥ ኣብተን ሽዱሽተ ሚእቲ ምሩፃት ሰረገላታትውን እንተይተረፈ፥ ሓያላት ተዋጋእቲ ሒዙ ተልዓለ።
8
እግዚኣብሄር ድማ ንልቢ ፈርዖን ንጉስ ግብፂ ኣትረሮ፤ ንሱ ኸዓ ደድሕሪ እቶም ብፅንዕቲ ኢድ ዝወፁ ዝነበሩ ደቂ እስራኤል ገስገሰ።
9
ግብፃውያን ድማ፥ ኵሎም ኣፍራስ ፈርዖንን ሰረገላታቱን ፈረሰኛታቱን ኵሎም ሰራዊቱን ደድሕሪኣቶም ገስጊሶም፥ ደቂ እስራኤል ኣብ ጥቓ ባሕሪ ኣብ ፒሃሒሮት ኣብ መንፅር በዓልፀፎን ሰፊሮም እንተለዉ ኣርከብዎም።
10
ፈርዖን ምስ ቀረበ፥ ደቂ እስራኤል ኣዒንቶም ኣልዓሉ፤ እንሆ ግብፃውያን ደድሕሪኣቶም ከም ዝገስገሱ ምስ ረአዩ የመና ፈርሑ፤ ናብ እግዚኣብሄርውን ተማህለሉ።
11
ንሙሴ ድማ “ናብዝ ምድረ በዳ ኽንመውት ዘውፃእኻናስ፥ ኣብ ግብፂዶ መቓብር ኣይነበረን እዩ? ኻብ ግብፂ ኣውፂእኻ እንታይ ከም ዝገበርካና ረአ፤
12
እቲ ኣብ ግብፂ እንተለና ዝበልናካኸ እዝ ነገር እዙይዶ ኣይኮነን? ኣብ ምድረ በዳ ኻብ እንመውትስ፥ ንግብፃውያን ክነገልግል ምሐሸና፤ ንግብፃውያን ንገዝኣዮም ሕደገናዶ ኣይበልናካን?” በልዎ።
13
ሽዑ ሙሴ ነቶም ህዝቢ “ኣይትፍርሑ፤ ፅንዑ፤ ነቲ እግዚኣብሄር ሎሚ ዝገብረልኩም ምድሓን ርአዩ። እዞም ሎሚ እትሪእዎም ግብፃውያን ደጊም ንዘለኣለም ኣይትሪእዎምን ኢኹም።
14
እግዚኣብሄር ክዋግአልኩም እዩ እሞ ህድኡ” በሎም።
15
እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ “ስለ ምንታይ ናባይ እትምህለል? ንደቂ እስራኤል ክጐዓዙ ንገሮም።
16
ንስኻ ድማ በትርኻ ብኢድካ ኣልዒልካ፥ ናብ ልዕሊ ባሕሪ ዘርግሓያ፤ ኽፈሎውን። ደቂ እስራኤል ድማ ብማእኸል ባሕሪ ብንቑፅ ይሕለፉ።
17
ኣነ ድማ እንሆ ንልቢ ግብፃውያን ከትርር እየ። ንሳቶምውን ደድሕሬኹም ክስዕቡ እዮም። ኣነ ኸዓ ንፈርዖንን ንዅሎም ሰራዊቱን ንሰረገላታቱን ንፈረሰኛታቱን ብምስዓር ክኸብር እየ።
18
ንፈርዖንን ንሰረገላታቱን ንፈረሰኛታቱን ስዒረ ምስ ከበርኩ ድማ፥ ግብፃውያን ኣነ እግዚኣብሄር ከም ዝኾንኩ ኽፈልጡ እዮም” በሎ።
19
እቲ ብቕድሚ ደቂ እስራኤል ዝኸይድ ዝነበረ ናይ እግዚኣብሄር መልኣኽ ድማ ተመሊሱ ብድሕሪኦም ኮነ። እቲ ዓምዲ ደመና ኸዓ ኻብ ቅድሚኣቶም ተልዒሉ ብድሕሪኣቶም ቆመ፤
20
ናብ መንጎ ግብፃውያንን ደቂ እስራኤልን ድማ ኣተወ። በቱይ ወገን ደመናን ፀልማትን ነበረ፤ በዙይ ወገን ግና ነቲ ለይቲ ኣብርሆ። ስለዙይ በታ ለይቲ እቲኣ ሓደ ናብቲ ሓደ ኣይቀረበን።
21
ሙሴ ድማ ኢዱ ኣብ ልዕሊ ባሕሪ ዘርግሐ። እግዚኣብሄር ከዓ ነቲ ባሕሪ፥ ምሉእ ለይቲ ብብርቱዕ ንፋስ ምብራቕ ኣወገደ፤ ነቲ ባሕሪ እውን ኣንቀፆ። እቲ ማይ ከዓ ኣብ ክልተ ተመቐለ።
22
ደቂ እስራኤል ድማ በቲ ንቑፅ ናብ ማእኸል ባሕሪ ኣተዉ። እቲ ማይ ከዓ ብየማንን ፀጋምን ከም መንደቕ ኮነሎም።
23
ግብፃውያን ድማ፥ ኵሎም ኣፍራስ ፈርዖንን ሰረገላታቱን ፈረሰኛታቱን ደድሕሪኣቶም ገስጊሶም ናብ ማእኸል ባሕሪ ኣተዉ።
24
ኣጋ ወጋሕታ ምስ ኮነ ድማ፥ እግዚኣብሄር ካብቲ ዓምዲ ሓዊን ዓምዲ ደመናን፥ ናብ ሰራዊት ግብፃውያን ጠመተ፤ ንሰራዊት ግብፃውያንውን ኣርዓዶም።
25
መንኰራዅር ሰረገላታቶም ድማ ኣምለቘ፤ ብጭንቂ እውን ተጕዓዙ። ግብፃውያን ድማ “እግዚኣብሄር ክንዲ ደቂ እስራኤል ኮይኑ ይዋግአና ኣሎሞ ኻብኣቶም ንህደም” በሉ።
26
እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ “እቲ ማይ ናብ ልዕሊ ግብፃውያንን፥ ናብ ልዕሊ ሰረገላታቶምን ፈረሰኛታቶምን ምእንቲ ኽምለስ፥ ኢድካ ኣብ ልዕሊ ባሕሪ ዘርግሕ” በሎ።
27
ሙሴ ኸዓ ኢዱ ኣብ ልዕሊ ባሕሪ ዘርግሐ፤ እቲ ባሕሪ ድማ ኣጋ ወጋሕታ ምስ ኮነ ናብ ናይ ቀደም ሰፈሩ ተመለሰ፤ ግብፃውያን ከዓ ኻብኡ ኽሃድሙ ፈተኑ። እግዚኣብሄር ግና ንግብፃውያን ናብቲ ማእኸል ባሕሪ ደርበዮም።
28
እቲ ማይ ናብ ሰፈሩ ተመለሰ፤ ነቶም ደድሕሪ ደቂ እስራኤል ናብ ባሕሪ ዝሰዓቡ፥ ሰረገላታትን ፈረሰኛታትን ንዅሉ ሰራዊት ፈርዖንን ድማ ደፈኖም። ካብኣቶም ሓደ እኳ ኣይተረፈን።
29
ደቂ እስራኤል ግና ብማእኸል ባሕሪ ብንቑፅ ምድሪ ሓለፉ፤ እቲ ማይ ከዓ ብየማኖምን ብፀጋሞምን ከም መንደቕ ኮነሎም።
30
በታ መዓልቲ እቲኣ እግዚኣብሄር ንደቂ እስራኤል ካብ ኢድ ግብፃውያን ኣድሓኖም። ደቂ እስራኤል ድማ ሬሳታት ግብፃውያን ኣብ ገምገም ባሕሪ ረአዩ።
31
ደቂ እስራኤል ነቲ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ ግብፃውያን ዝገበሮ ዓብዪ ኢድ ምስ ረአዩ፥ ንእግዚኣብሄር ፈርሕዎ። ብእግዚኣብሄርውን ኣመኑ፤ ብባርያኡ ሙሴውን ኣመኑ።
← Chapter 13
Chapter 15 →