bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Exodus 12
Exodus 12
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴን ንኣሮንን ኣብ ምድሪ ግብፂ ኸምዙይ ኢሉ ተዛረቦም፦
2
“እዛ ወርሒ እዚኣ ንኣኻትኩም፥ ናይ ዓመት መጀመርታ ወርሒ ትኹንኩም።
3
ንዅሉ ህዝቢ እስራኤል ከዓ ኸምዙይ ኢልኩም ንገርዎ፦ ብዓስረይቲ መዓልቲ ናይዛ ወርሒ እዚኣ፥ ነፍሲ ወከፍ ኣቦ ስድራ፥ ነንቤት ሓደ በጊዕ ይውሰድ።
4
እቶም ስድራ ሓደ በጊዕ በሊዖም ክውድኡ ዘይኽእሉ ውሑዳት እንተ ኾይኖም፥ ምስቲ ዝቐረበ ጐረቤቶም ኮይኖም ሓደ በጊዕ ይውሰዱ። እቶም ሰባት ይቈፀሩ፤ ነፍሲ ወከፍ ዝበልዖ መጠን ተመቒሉ ኸዓ ነቲ በጊዕ ሓቢሮም ይብልዕዎ።
5
እቲ እትመርፅዎ እንስሳ፥ ዓመት ዝገበረ፥ ነውሪ ዘይብሉ ተባዕታይ በጊዕ ወይ ጤል ይኹን።
6
ክሳዕ መበል ዓሰርተ ኣርባዕተ መዓልቲ ናይዛ ወርሒ እዚኣ ኸዓ ሓልውዎ። ሽዑ ዅሉ ህዝቢ እስራኤል ክመሲ እንተሎ ይሕረዱ።
7
ናይታ ዝበልዑላ ቤት ክልቲኡ ቐዋሚ ልዳትን ነቲ ላዕለዋይ ልዳትን ካብቲ ደም ወሲዶም ይቕብእዎ።
8
ነቲ ስጋኡ ድማ ብሓዊ ጠቢሶም ብቕጫን መሪር ሓምልን ገይሮም በታ ለይቲ እቲኣ ይብልዕዎ።
9
ርእሱን ኣእጋሩን ናይ ውሽጢ ኣካላቱን ብሓዊ ጠቢስኩም ብልዕዎ እምበር፥ ካብቲ ጥረ ስጋ ኾነ፥ ካብቲ ብማይ ዝበሰለ ኣይትብልዑ።
10
ካብኡ ድማ ኽሳዕ ንግሆ ሓደ እኳ ኣይተትርፉ። ክሳዕ ንግሆ ዝኾነ እንተ ተረፈ ግና ብሓዊ ኣቃፅልዎ።
11
ክትበልዕዎ እንተለኹም ከዓ ሕቘኹም ተዓጢቕኩም፥ ኣሳእንኩም ኣብ ኣእጋርኩም ኣእቲኹም፥ ኣብትርትኹም ኣብ ኣእዳውኩም ሒዝኩም ቀልጢፍኩም ብልዕዎ። እዙይ ንእግዚኣብሄር በዓል ፋሲካ እዩ።
12
“በዛ ለይቲ እዚኣ ብምድሪ ግብፂ ኽሓልፍ እየ፤ ንዅሉ በዅሪ ሃገር ግብፂ፥ ካብ ሰብ ክሳዕ እንስሳ ኽቐትል እየ። ንዅሎም ኣማልኽቲ ግብፂ ኸዓ ኽቐፅዖም እየ፤ ኣነ እግዚኣብሄር እየ።
13
እቲ ደም ኣበየንአን ኣባይቲ ኸም ዘለኹም ምልክት ክኾነኩም እዩ፤ ኣነ ኸዓ ነቲ ደም ምስ ረአኹ ኽሓልፈኩም እየ። ንምድሪ ግብፂ ኽወቕዓ እንተለኹ ድማ፥ እቲ ዝቐትል መዓት ኣይነኽአኩምን እዩ።
14
ነዛ መዓልቲ እዚኣ ዘክርዋ፤ ንኣይ ንኽብሪ እግዚኣብሄር ኣብዕልዋ፤ ሕጊ ዘለኣለም ጌርኩምውን ንውሉድ ወለዶ ኣብዕልዋ።
15
“ንሸውዓተ መዓልቲ ቕጫ ኽትበልዑ ኢኹም። በታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ነቲ ብዅዕ ካብ ኣባይትኹም ክተውፅእዎ ኢኹም። ካብታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ኽሳዕ እታ ሻውዐይቲ መዓልቲ ዝበዅዐ ዝበልዕ ሰብ ከዓ ኻብ ህዝቢ እስራኤል ተፈልዩ ይወገድ።
16
ብቐዳመይቲ መዓልትን ብሻውዐይቲ መዓልትን ቅዱስ ጉባኤ ግበሩ። በዘን መዓልቲታት እዚኣተን እቲ ንነፍሲ ወከፍ ዝኣክል ናይ ዕለት ምግቢ ምቕራብ እንተ ዘይኮይኑ፥ ኣይትስርሑ።
17
“ንዅሉ ሰራዊትኩም ካብ ምድሪ ግብፂ በዛ መዓልቲ እዚኣ እየ ዘውፃእኽዎም እሞ፥ ንበዓል ቅጫ ኣብዕልዋ። ንውሉድ ወለዶ፥ ሕጊ ዘለኣለም ጌርኩም ሓልውዋ።
18
በታ ቐዳመይቲ ወርሒ፥ ካብ መበል ዓሰርተ ኣርባዕተ መዓልቲ ምሸት፥ ክሳዕ መበል ዕስራን ሓደን መዓልቲ ምሸት ቅጫ ብልዑ።
19
ጓና ኾነ ወዲ ዓዲ ብዅዕ ዝበልዐ ዅሉ፥ ካብ ህዝቢ እስራኤል ይፈለ። በተን ሸውዓተ መዓልቲ ኣብ ኣባይትኹም ብዅዕ ኣይረኸብ።
20
ብዅዕ ዝኾነ ነገር ኣይትብልዑ፤ ኣብ ኵሉ እትነብርዎ ቕጫ ብልዑ” በሎም።
21
ሙሴ ድማ ንዅሎም ዓበይቲ እስራኤል ፀዊዑ “ነንስድራኹም ዝኸውን ጡበት በጊዕ ሓሪኹም ውሰዱ እሞ፥ በጊዕ ፋሲካ ሕረዱ።
22
ዕትሪ ስምዕዛ ውሰዱ፤ ኣብቲ ኣብ ሒላብ ዘሎ ደም ከዓ ጥምዕዎ፤ ነቲ ላዕለዋይ ድርኵዂትን ንኽልቲኡ ቐዋሚ ልዳትን፥ በቲ ኣብ ሒላብ ዘሎ ደም ልኸይዎ። ክሳዕ ንግሆ ድማ ኻባኻትኩም ሓደ ሰብ እኳ ኻብ ገዛኡ ኣይውፃእ።
23
እግዚኣብሄር ንግብፃውያን ክቐትል ክሓልፍ እዩ። ነቲ ደም ኣብ ላዕለዋይ ልዳትን፥ ኣብ ክልቲኡ ቐዋሚ ልዳትን ምስ ረአየ ኸዓ ነታ በሪ ኽሓልፋ እዩ፤ እቲ መጥፍኢ ናብ ገዛኹም ኣትዩ ኽወቕዐኩም ኣይሓድጎን።
24
“ነዝ ስርዓት እዙይ ንስኻትኩምን ደቅኹምን ንዘለኣለም ሓልውዎ።
25
ናብታ እግዚኣብሄር ክህበኩም እየ ኢሉ ዘተስፈወኩም ምድሪ ምስ ኣተኹም፥ ነዝ ስርዓት እዙይ ከምቲ ዝኣዘዘኩም ጌርኩም ሓልውዎ።
26
ደቅኹም ‘እዝ ስርዓት እዙይ እንታይ እዩ?’ ኢሎም እንተ ጠየቑኹም፥
27
‘እግዚኣብሄር ንግብፃውያን ክቐትል እንተሎ፥ ኣብ ግብፂ ንኣባይቲ ደቂ እስራኤል ስለ ዝሓለፈ፥ ንኽብሪ እግዚኣብሄር ዝውፈ መስዋእቲ ፋሲካ እዩ’ በልዎም” በሎም። እቶም ህዝቢ ድማ ንእግዚኣብሄር ፍግም ኢሎም ሰገዱሉ።
28
ደቂ እስራኤል ከዓ ኸይዶም ከምኡ ገበሩ፤ ልክዕ ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴን ንኣሮንን ዝኣዘዞም ገበሩ።
29
ፍርቂ ለይቲ ምስ ኮነ፥ እግዚኣብሄር ንዅሉ በዅሪ ምድሪ ግብፂ፥ ካብቲ ኣብ ዙፋኑ ዝቕመጥ በዅሪ ፈርዖን፥ ክሳዕ በዅሪ እቲ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዘሎ እሱር ቀተለ፤ ንዅሉ በዅሪ እንስሳ ድማ ወቕዐ።
30
ሽዑ ፈርዖንን ኵሎም መኳንንቱን፥ ኵሎም ግብፃውያንን ብለይቲ ተስኡ። ምዉት ዘይብላ ገዛ ኣይነበረትን እሞ፥ ኣብ ግብፂ ዓብዪ ኣውያት ኮነ።
31
ፈርዖን ድማ ንሙሴን ንኣሮንን ብለይቲ ፀዊዑ “ንስኻትኩምን ደቂ እስራኤልን ተስኡ፤ ካብ ማእኸል ህዝበይ ውፁ። ከምቲ ዝበልኩምዎ ኺዱ፤ ንእግዚኣብሄር ኣገልግሉ።
32
ከምቲ ዝበልኩምዎ ድማ ኣባጊዕኹምን ከፍትኹምን ሒዝኩም ኪዱ፤ ንኣይ ከዓ መርቑኒ” በሎም።
33
እቶም ግብፃውያን ድማ “ኵልና ኽንመውት ኢና” ኢሎም ስለ ዝፈርሑ ነቶም እስራኤላውያን “ካብዛ ምድሪ ቐልጢፍኩም ውፁ” ኢሎም ሃወኽዎም።
34
ንሳቶም ድማ ነቲ ገና ዘይበዅዐ ብሑቖም ኣብቲ መልወሲኦም መሊኦም፥ ብኽዳኖም ጠቕሊሎም ኣብ ማእገሮም ተሸከምዎ።
35
ደቂ እስራኤል ከዓ ኸምቲ ሙሴ ዝበሎም፥ ካብ ግብፃውያን “ብብሩርን ብወርቅን ዝተሰርሑ ኣቑሑን ክዳውንትን” ለመኑ።
36
እግዚኣብሄር ድማ ንህዝቡ ዅሉ ዝደለይዎ ኽህብዎም፥ ኣብ ቅድሚ ሰብ ግብፂ ሞገስ ሃቦም፤ ንሰብ ግብፂውን ዘመትዎም።
37
ደቂ እስራኤል ድማ ኻብ ራምሴ ተልዒሎም ናብ ሱኮት ተጕዓዙ። ኵሎም፥ ብዘይ ኣንስትን ቈልዑን፥ ሽዱሽተ ሚእቲ ሽሕ ዝኾኑ እግረኛ ሰብኡት ነበሩ።
38
ምስኣቶም ድማ ኻልእ ዝዓሌቱ ብዙሕ ሕውስዋስ ህዝቢ ኸደ፤ ከምኡውን ኣባጊዕን ከፍትን የመና ብዙሓት ጥሪትን ምስኣቶም ወፁ።
39
እቲ ኻብ ግብፂ ዘውፅእዎ ብሑቕ ኣይበዅዐን ነበረ እሞ ኻብኡ ቕጫታት ሰንከቱ። ካብ ግብፂ ብህፁፅ ስለ ዝተሰጐጉ ስንቆም ከዳልዉ ጊዜ ኣይነበሮምን።
40
ደቂ እስራኤል ኣብ ግብፂ ዝነበሩሉ ዘመን ኣርባዕተ ሚእትን ሰላሳን ዓመት ነበረ።
41
በታ እተን ኣርባዕተ ሚእትን ሰላሳን ዓመታት ዝተወድኣላ መዓልቲ፥ ኵሎም ሰራዊት እግዚኣብሄር ካብ ምድሪ ግብፂ ወፁ።
42
እዛ ለይቲ እዚኣ፥ ብኣኣ ኻብ ምድሪ ግብፂ ስለ ዘውፅኦም፥ ንእግዚኣብሄር ፍፁም ዝተሓለወት እያ፤ እዛ ለይቲ እዚኣ፥ እስራኤላውያን ንውሉድ ወለዶኦም ንእግዚኣብሄር ፍፁም ዝተሓለወት ለይቲ እያ።
43
እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴን ንኣሮንን “ሕጊ ፋሲካ እዙይ እዩ፦ ጓና ዝኾነ ኻብኡ ኣይብላዕ።
44
ብገንዘብ ዝተዓደገ ባርያ እንተሃለወ ግና፥ ምስ ገረዝካዮ ኻብኡ ይብላዕ።
45
ስደተኛን ንስራሕ ዝተቘፀረን ግና ኻብኡ ኣይብልዑ።
46
“ኣብ ሓንቲ ገዛ ይበላዕ፤ ካብቲ ስጋ ሓደ እኳ ኻብ ገዛ ንደገ ኣይተውፅኡ፤ ዓፅሙ ድማ ኣይትስበሩ።
47
ነዙይ፥ ኵሉ ጉባኤ ህዝቢ እስራኤል ይግበሮ።
48
“ጓና ምሳኻ እንተ ተቐመጠ እሞ፥ ንእግዚኣብሄር በዓል ፋሲካ ኽገብር እንተ ደለየ፥ ምስኡ ዘሎ ዅሉ ተባዕታይ ይገረዝ፤ ሽዑ ኸም ወዲ ዓዲ ተቘፂሩ በዓል ፋሲካ ይግበር። ዘይተገርዘ ግና ኻብኡ ኣይብላዕ።
49
ንወዲ ዓድን ኣብ ማእኸልኩም ንዝነብር ጓናን፥ ሓደ ሕጊ ይኹን” በሎም።
50
ኵሎም ደቂ እስራኤል ድማ ኸምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴን ንኣሮንን ዝኣዘዞም ገበሩ።
51
እግዚኣብሄር ድማ በታ መዓልቲ እቲኣ፥ ንደቂ እስራኤል በብሰራዊቶም ካብ ምድሪ ግብፂ ኣውፅኦም።
← Chapter 11
Chapter 13 →