bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Exodus 11
Exodus 11
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ “ኣብ ልዕሊ ፈርዖንን ኣብ ልዕሊ ግብፅን ገና ሓደ መዓት ከምፅእ እየ። ብድሕሪኡ ፈርዖን ካብዙይ ክትወፁ ኽሰደኩም እዩ። ክሰደኩም ጥራሕ ዘይኮነ ውፁለይ ኢሉውን ኽሰጐኩም እዩ።
2
ሕዚ ኸዓ ነቶም ህዝቢ፥ ነፍሲ ወከፍ ሰብኣይ ካብ ጐረቤቱ፥ ነፍሲ ወከፍ ሰበይቲውን ካብ ጐረቤታ፥ ብብሩርን ብወርቅን ዝተሰርሐ ኣቕሓ ኽልምኑ ኣብ ኣእዛኖም ንገሮም” በሎ።
3
እግዚኣብሄር ድማ ነቲ ህዝቢ ኣብ ቅድሚ ግብፃውያን ሞገስ ሃቦ። ሙሴውን ኣብ ሃገር ግብፂ፥ ኣብ ቅድሚ ኣገልገልቲ ፈርዖንን ኣብ ቅድሚ ህዝብን የመና ዓብዪ ሰብ ነበረ።
4
ሙሴ ድማ “እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ‘ፍርቂ ለይቲ ብግብፂ ኽሓልፍ እየ።
5
ኣብ ሃገር ግብፂ ዘሎ ኵሉ በዅሪ፥ ካብ በዅሪ እቲ ኣብ ዙፋን ዝቕመጥ ንጉስ ፈርዖን ክሳዕ በዅሪ እታ ኣብ እግሪ መጥሐን ዘላ ኣገልጋሊት ክሞቱ እዮም። ኵሉ በዅሪ እንስሳውን ክመውት እዩ።
6
ኣብ ኵላ ሃገር ግብፂ ኸዓ ቕድሚኡ ኾነ ድሕሪኡ ተርእዩ ዘይፈልጥ ብርቱዕ ዋይ ዋይታ ክኸውን እዩ።
7
ኣብ ኵሎም ደቂ እስራኤል ግና፥ ኣብ ሰብ ኮነ ኣብ እንስሳ፥ ከልቢ እኳ መልሓሱ ኣየዋሳውሰሎምን። ኣነ እግዚኣብሄር ኣብ መንጎ ግብፃውያንን ኣብ መንጎ እስራኤላውያንን ፍልልይ ከም ዝገበርኩ ኸዓ በዙይ ክትፈልጡ ኢኹም’ ” በለ።
8
ሙሴ ኸዓ ኣስዒቡ “ኵሎም እዞም ኣገልገልትኻ ናባይ ክመፁ እዮም፤ ኣብ ቅድመይ ሰጊዶም ድማ፥ ‘ንስኻን እቲ ዝስዕበካ ዅሉ ህዝብን ውፃእ’ ኢሎም ክልምኑኒ እዮም። ሽዑ ኸዓ ኽንወፅእ ኢና” በለ። ብድሕሪኡ ሙሴ ብቝጥዓ ነዲዱ ኻብ ፈርዖን ወፀ።
9
እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ “ኣነ ተኣምራተይ ኣብ ምድሪ ግብፂ ምእንቲ ኸብዝሕ፥ ፈርዖን ኣይሰምዐኩምን እዩ” በሎ።
10
ሙሴን ኣሮንን ከዓ ነዝ ዅሉ ተኣምራት እዙይ ኣብ ቅድሚ ፈርዖን ገበርዎ። እግዚኣብሄር ግና ንልቢ ፈርዖን ኣትረሮ፤ ንሱ ኸዓ ደቂ እስራኤል ካብ ሃገሩ ኸይኸዱ ኸልከሎም።
← Chapter 10
Chapter 12 →