bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Esther 9
Esther 9
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ኣብ መበል ዓሰርተ ሰለስተ መዓልቲ ናይታ ኣዳር እትበሃል መበል ዓሰርተ ኽልተ ወርሒ፥ በታ ቓል ንጉስን ትእዛዙን ዝፍፀመላ መዓልቲ፥ በታ ፀላእቲ ኣይሁድ ክዕብልልዎም ተስፋ ገይሮምላ ዝነበሩ መዓልቲ፥ እቲ ነገር ተገልቢጡ ኣይሁድ ኣብ ልዕሊ ፀላእቶም ስልጣን ረኸቡ።
2
እቶም ኣይሁድ ኣብ ኵለን ግዝኣት ንጉስ ኣርጤክስስ፥ ነቶም ክፉእ ክገብርዎም ዝደልዩ ዝነበሩ ኸጥፍኡ ናብ ከተማታቶም ተኣከቡ፤ ፍርሓት ኣብ ኵሎም ህዝብታት ወዲቑ ስለ ዝነበረ፥ ንኣኣቶም ክቃወም ዝኽእል ኣይነበረን።
3
ኵሎም ሹመኛታት እተን ሃገራትን መኳንንትን መሳፍንትን፥ ኵሎም ናይ መንግስቲ ተወከልቲ ንመርዶክዮስ ስለ ዝፈርሕዎ ንኣይሁድ ሓገዝዎም።
4
መርዶክዮስ ልዕል ልዕል እናበለ ስለ ዝኸደ፥ ኣብ ቤተ መንግስቲ ዓብዪ ኾይኑ ነበረ፤ ዝና መርዶክዮስውን ኣብ ኵለን ሃገራት ተሰምዐ።
5
ኣይሁድ ንዅሎም ፀላእቶም ብስሕለት ሰይፊ ወቒዖም ቀተልዎም፤ ኣጥፍእዎምውን። ንዅሎም ፀላእቶም ከም ዝደለዩ ገበርዎም።
6
ኣይሁድ ኣብ ሱሳ ኣብታ ርእሲ ኸተማ ጥራሕ፥ ሓሙሽተ ሚእቲ ሰባት ቀቲሎም ኣጥፍኡ።
7
ንፈርሰኔስ፥ ንደልፎን፥ ንፋስጋ፥
8
ንፋረዳታ፥ ንበርያ፥ ንሰርባካ፥
9
ንመርመሲማ፥ ንሩፋዮስ፥ ንአርሳዮስ፥ ንዛቡታዮስ፥
10
ነዞም ዓሰርተ ደቂ ሃማ፥ ወዲ ሃመዳታ ፀላእ ኣይሁድ፥ ቀተልዎም፤ ናብ ምርኮ ግና ኣእዳዎም ኣይዘርግሑን።
11
በታ መዓልቲ እቲኣ፥ ቍፅሪ እቶም ኣብ ከተማ ሱሳ ዝተቐትሉ ናብ ንጉስ መፀ።
12
ንጉስ ድማ ንንግስቲ ኣስቴር “ኣይሁድ ኣብ ከተማ ሱሳ ሓሙሽተ ሚእቲ ሰባትን ነቶም ዓሰርተ ደቂ ሃማን ቀተሉ፤ ኣጥፍእዎምውን። ኣብተን ካልኦት ግዝኣተይ ደኣ ኸመይ ገይሮም ይኾኑ? ሕዚኸ እንታይ እዩ ልመናኺ? ኽወሃበኪ እዩ፤ እንታይከ ትደልዪ? ኽፍፀመልኪ እዩ” በላ።
13
ሽዑ ኣስቴር “ንጉስ እንተ ደኣ ፈቲኻስ፥ ነዞም ኣብ ሱሳ ዘለዉ ኣይሁድ፥ ፅባሕ ድማ ኸምዝ ናይ ሎሚ ዝበለ ኽገብሩ፥ ሬሳ እቶም ዓሰርተ ደቂ ሃማ ድማ ኣብ ጕንዲ ኽስቀል፥ ኣዝዝ” በለቶ።
14
ንጉስ ከዓ “ከምኡ ይገበር” በለ። እቲ ትእዛዝ ኣብ ሱሳ ተውሃበ እሞ፥ ሬሳ እቶም ዓሰርተ ደቂ ሃማ ኣብ ጕንዲ ተሰቕለ።
15
እቶም ኣብ ሱሳ ዝነበሩ ኣይሁድ ድማ ኣብ መበል ዓሰርተ ኣርባዕተ መዓልቲ ናይ ወርሒ ኣዳር ተኣከቡ፤ ኣብ ሱሳ ኸዓ ሰለስተ ሚእቲ ሰባት ቀተሉ፤ ናብ ምርኮ ግና ኣእዳዎም ኣይዘርግሑን።
16
እቶም ኣብተን ግዝኣት ንጉስ ዝነበሩ ኻልኦት ኣይሁድ ድማ ንህይወቶም ክከላኸሉን ካብ ፀላእቶም ዕረፍቲ ኽረኽቡን ተኣከቡ። ካብቶም ፀላእቶም ድማ ሰብዓን ሓሙሽተን ሽሕ ቀተሉ፤ ናብ ምርኮ ግና ኣእዳዎም ኣይዘርግሑን።
17
እዙይ ኣብ መበል ዓሰርተ ሰለስተ መዓልቲ ናይ ወርሒ ኣዳር ተገብረ። ኣብ መበል ዓሰርተ ኣርባዕተ መዓልቲ ግና ኣዕረፉ፤ መዓልቲ ድግስን ሓጐስንውን ገበርዋ።
18
እቶም ኣብ ሱሳ ዝነበሩ ኣይሁድ ግና፥ ኣብታ ወርሒ እቲኣ ኣብ መበል ዓሰርተ ሰለስተን ዓሰርተ ኣርባዕተን መዓልቲ ተኣከቡ። ኣብ መበል ዓሰርተ ሓሙሽተ መዓልቲ ኸዓ ኣዕረፉ፤ ንኣኣውን መዓልቲ ድግስን ሓጐስን ገበርዋ።
19
ስለዙይ ከዓ እዮም እቶም ኣብ ገጠራትን ኣብ ዘይተዓረዳ ኸተማታትን ዝነብሩ ኣይሁድ ኣብ መበል ዓሰርተ ኣርባዕተ መዓልቲ ናይ ወርሒ ኣዳር ናይ ዓብዪ ሓጐስን ድግስን በዓል ዘብዕሉ፥ ንስንሳቶም ድማ ውህብቶ ዝወሃሃቡ።
20
መርዶክዮስ ድማ ነዝ ነገር እዙይ ፅሒፉ ኣብ ኵሉ ግዝኣት ንጉስ ኣርጤክስስ፥ ኣብ ቀረባን ኣብ ርሑቕን ናብ ዘለዉ ዅላቶም ኣይሁድ መልእኽትታት ሰደደ።
21
ንመበል ዓሰርተ ኣርባዕተ መዓልትን፥ ንመበል ዓሰርተ ሓሙሽተ መዓልትን ናይ ወርሒ ኣዳር፥ በብዓመቱ ኸብዕልወን ኣዘዞም።
22
እዘን መዓልቲታት እዚኣተን ኣይሁድ ካብ ፀላእቶም ዝዓረፉለን መዓልቲታት እየን። እዝ ወርሒ እዙይ ከዓ፥ ካብ ሓዘን ናብ ሓጐስ፥ ካብ ብኽያት ናብ ፅቡቕ ዝተለወጠሉ ዕለት እዩ። ነዘን መዓልቲታት እዚኣተን መዓልቲታት ድግስን ሓጐስን ክገብርወን፥ ንስንሳቶም ድማ ውህብቶታት ክወሃሃቡ፥ ንድኻታት ድማ ምፅዋት ክምፅውቱ ኣዘዞም።
23
እቶም ኣይሁድ ድማ ኸምቲ መርዶክዮስ ዝፀሓፈሎም ነቲ ጀሚሮምዎ ዘለዉ በዓል፥ ከብዕልዎ ተሰማምዑ።
24
ሃማ ወዲ ሃመዳታ እቲ ኣጋጋዊ፥ ፀላእ ዅሎም ኣይሁድ፥ ንኣይሁድ ከጥፍኦም ኢሉ ተተናዂልዎም ነበረ። ክድምስሶምን ከጥፍኦምን ከዓ ፉር ዝበሃል ዕፃ፥ ኣውዲቑሎም ነበረ።
25
ኣስቴር ናብ ቅድሚ ንጉስ ምስ ኣተወት ግና፥ ንሱ መልእኽትታት ፅሒፉ “እቲ ሃማ ንኣይሁድ ዝተተናዀሎም ሕሱም ተንኰል ኣብ ርእሱ ይመለስ፤ ንሱን ደቁን ድማ ኣብ ጕንዲ ይሰቐሉ” ኢሉ ኣዘዘ።
26
ስለዙይ ነዘን መዓልቲታት እዚኣተን፥ ፉሪም ኢሎም ሰመይወን። “ፉሪም” ካብ ፉር ዝብል ቃል ዝመፀ እዩ። እምበኣር ከምቲ ኣብዛ መልእኽቲ እዚኣ ዝተፅሓፈ ዅሉ ቓል፥ ከምቲ ብዛዕባ እዝ ነገር እዙይ ዝረአይዎን፥ ከምቲ ዅሉ ዝረኸቦምን፥
27
እቶም ኣይሁድ ንርእሶምን ንዘርኦምን ንዅሉ ናብኣቶም ዝተፀግዐን እዘን ክልተ መዓልቲ እዚኣተን፥ ከምቲ ተፅሒፉ ዘሎ በብእዋኑን በብመዓልቱን እንተየዛብዑ ኸብዕሉ ተቐቢሎም ኣፅንዕዎ።
28
እዘን ፉሪም ዝበሃላ መዓልቲታት እዚኣተን፥ ኣብ ኵሉ ትውልድታት፥ በብዓሌቱን በብሃገሩን በብኸተማኡን ክዝከራን ክበዓላን፥ ኣይሁዳውያን ዝኾኑ ዅሎም ከብዕልወን፥ መዘከርታአንውን ካብ ዘርኦም ከቶ ኸይጠፍኣ ወሰኑ።
29
ንግስቲ ኣስቴር ጓል ኣቢካኢልን መርዶክዮስን፥ ነታ ብዛዕባ ፉሪም እትገልፅ መልእኽቲ ብምሉእ ሓይሎም ከፅንዕዋ ኻልአይቲ መልእኽቲ ፀሓፉ።
30
ቅዳሕ ናይታ መልእኽቲ ድማ ናብ ኵሎም ኣይሁድ፥ ናብተን ሚእትን ዕስራን ሸውዓተን ግዝኣት ንጉስ ኣርጤክስስ ተልኣኸ። ኣስቴርን መርዶክዮስን ንዅሎም ኣይሁድ ሰላምን ህድኣትን ተመነዩሎም።
31
ከምቲ ንሳቶምን ዘርኦምን ብፆምን ብምህለላን ዝሰርዕዎን ኣፅኒዖም ዝሓለውዎን፥ ከምኡ ኸዓ መዓልቲታት ፉሪም ክሕልዉ ኸም ዝግባእ ኣዘዝዎም።
32
በዝ ኸምዙይ ትእዛዝ ኣስቴር ነዝ ናይ ፉሪም ነገር ኣፅንዖ። እዙይ ከዓ ኣብ መፅሓፍ ተፅሓፈ።
← Chapter 8
Chapter 10 →