bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Esther 8
Esther 8
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
በታ መዓልቲ እቲኣ ንጉስ ኣርጤክስስ፥ ናይ ሃማ እቲ ፀላእ ኣይሁድ ዝኾነ ዅሉ ሃብቲ፥ ንንግስቲ ኣስቴር ሃባ። ኣስቴር፥ መርዶክዮስ ዘመዳ ምዃኑ ንንጉስ ነጊራቶ ነበረት እሞ፥ መርዶክዮስ ኣብ ቅድሚ ንጉስ ኣተወ።
2
ንጉስ ድማ ነቲ ኻብ ሃማ ዝወሰዶ ማሕተም ዘለዎ ቐለበቱ ኣውፂኡ ንመርዶክዮስ ሃቦ። ኣስቴር ከዓ ንመርዶክዮስ ኣብ ልዕሊ እቲ ናይ ሃማ ዝኾነ ዅሉ ሃብቲ ሸመቶ።
3
ኣስቴር ድማ መሊሳ ኣብ እግሪ ንጉስ ወዲቓ እናበኸየት ለመነቶ፤ ነቲ ሃማ ኣጋጋዊ ኣብ ልዕሊ ኣይሁድ ዝፈሓሶ ተንኰል ከፍርስ ለመነቶ።
4
ሽዑ እቲ ንጉስ ንኣስቴር ነቲ ዘንጊ ወርቂ ዘርግሐላ፤ ኣስቴር ከዓ ተሲኣ፥ ኣብ ቅድሚ ንጉስ ደው በለት።
5
ከምዙይ ድማ በለት፦ “ንጉስ እንተ ደኣ ፈቲኻስ፥ ኣብ ቅድሜኻውን ሞገስ እንተ ረኺበ፥ እዝ ነገር እዙይ ከዓ ፅቡቕ ኮይኑ እንተ ተርእዩካ፥ ኣነ ኸዓ ብኣኻ ፍትውቲ እንተ ኾይነ፥ ሃማ ወዲ ሃመዳታ እቲ ኣጋጋዊ፥ ነቶም ኣብ ኵሉ ግዝኣት ንጉስ ዘለዉ ኣይሁድ ከጥፍእ ሓሲቡ ዝፀሓፈን መልእኽትታት ክልወጣ ኣውጅ።
6
ኣነ ኸመይ ገይረ እቲ ናብ ህዝበይ ዝመፅእ መከራ ኽርኢ እኽእል? ከመይ ገይረኸ ጥፍኣት ኣዝማደይ ክፃወር እኽእል?”
7
ሽዑ ንጉስ ኣርጤክስስ ንንግስቲ ኣስቴርን ንመርዶክዮስ ኣይሁዳውን “እንሆ፥ ሃብቲ ሃማ ንኣስቴር ሂበያ ኣለኹ፤ ንሱ ድማ ንኣይሁድ ከጥፍእ ኢዱ ስለ ዝዘርግሐ ኣብ ጕንዲ ተሰቐለ።
8
ሕዚ ኸዓ እቲ ብስም ንጉስ ዝተፅሓፈን ብቐለበት ንጉስ ዝተሓትመን ኣይልወጥን እዩ እሞ፥ ንስኻትኩም ድማ ብዛዕባ ኣይሁድ፥ ደስ ዝበለኩም ብስመይ ፀሓፉ፤ ብቐለበተይውን ሕተምዎ” በሎም።
9
በታ ጊዜ እቲኣ ኣብ መበል ዕስራን ሰለስተን መዓልቲ ናይታ ሲዋን እትበሃል ሳልሰይቲ ወርሒ እቶም ፀሓፍቲ ንጉስ ተፀውዑ። ከምቲ ዅሉ መርዶክዮስ ዝኣዘዞ፥ ናብ ኣይሁድን ናብ ሹመኛታትን ናብ ገዛእትን ናብቶም ኣሕሉቕ ናይተን ካብ ህንዲ ኽሳዕ ኢትዮጵያ ዘለዋ ሚእትን ዕስራን ሸውዓተን ሃገራት በብሃገር ከከም ኣፀሓሕፋኡ፥ በብህዝቢ ኸዓ ኸከም ቛንቋኡ፥ ንኣይሁድ ድማ ኸከም ኣፀሓሕፋኣቶምን ከከም ቋንቋኣቶምን ፀሓፉሎም።
10
መርዶክዮስ ድማ ብስም ንጉስ ኣርጤክስስ ፀሓፎ፤ ብቐለበት ንጉስውን ሓተሞ። ነዝ መልእኽቲውን ኣብ ፈጣናት ኣፍራስ ንጉስ ዝተቐመጡ ልኡኻት ገይሩ ሰደዶ።
11
ኣብቲ መልእኽቲ እቲ ንጉስ ነቶም ኣብ ኵለን ከተማታት ዘለዉ ኣይሁድ ክእከቡ እሞ ንህይወቶም ክከላኸሉ፥ ነቶም ሓደጋ ዘውድቑሎም ናይ ኵሉ ህዝብን ሃገርን ሰራዊት ምስ ናይ ህፃናቶምን ኣንስቶምን ከጥፍእዎምን ክቐትልዎምን ክድምስስዎምን ንብረቶም ክዘርፉን ፈቐደሎም።
12
እዙይ ኣብ ኵለን ሃገራት ግዝኣት ንጉስ ኣርጤክስስ ኣብ ግብሪ ዝውዕለሉ ኸዓ፥ ኣብ መበል ዓሰርተ ኽልተ መዓልቲ ናይታ ኣዳር እትበሃል መበል ዓሰርተ ሰለስተ ወርሒ እዩ።
13
ኣይሁድ ድማ በዛ መዓልቲ እዚኣ ንፀላእቶም ሕነ ኽፈድዩ ኽዳለዉስ፥ ቅዳሕ እቲ ፅሕፈት ኣብ ኵለን ሃገራት ትእዛዝ ክወሃብ፥ ንዅሎም ህዝብታት ተኣወጀ።
14
እቶም ኣብ ፈጣናት ኣፍራስ ዝተቐመጡ ልኡኻት፥ ብትእዛዝ ንጉስ ብቕልጡፍ፥ ናብ ኵለን ሃገራት ወፁ። ከምኡውን እቲ ትእዛዝ ኣብ ከተማ ሱሳ ተኣወጀ።
15
መርዶክዮስ ድማ ሰማያውን ፃዕዳን ልብሰ መንግስቲ ተኸዲኑ፥ ዓብዪ ዘውዲ ወርቂ ኣብ ርእሱ ደፊኡ፥ ብሃሪ ዝተኣልመ ቐይሕን ፃዕዳን ዓለባ ተወንዚፉ፥ ካብ ቤተ መንግስቲ ወፀ፤ ከተማ ሱሳ ኸዓ ዕልል እናበለት ተሓጐሰት።
16
እዙይ ከዓ ንኣይሁድ ብርሃንን ሓጐስን ደስታን ክብረትን ኮነ።
17
ኣብ ኵለን ሃገራትን ኣብ ኵለን ከተማታትን ቃል ንጉስን ትእዛዙን ናብ ዝበፅሖ ዅሉ ቦታ ንኣይሁድ ሓጐስን ደስታን ኮነሎም፤ ብመብልዕን መስተን ድማ ዓብዪ በዓል ገበሩ። ካብ ህዝብታት እታ ምድሪ ኸዓ፥ ንኣይሁድ ስለ ዝፈርሑ፥ ብዙሓት ሰባት ኣይሁድ ኮኑ።
← Chapter 7
Chapter 9 →