bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Esther 7
Esther 7
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ንጉስን ሃማን ከዓ ኽመስሑ ናብ ንግስቲ ኣስቴር መፁ።
2
በታ ኻልአይቲ መዓልቲ ወይኒ ኽሰትዩ እንተለዉ ድማ እቲ ንጉስ መሊሱ ንኣስቴር “ኦ ንግስቲ ኣስቴር፥ ልመናኺ እንታይ እዩ? ኽገብረልኪ ድልየትኪ እንታይ እዩ? ክሳዕ ፍርቂ መንግስተይውን እንተ ኾነ እኳ፥ ክህበኪ እየ” በላ።
3
ሽዑ ንግስቲ ኣስቴር መሊሳ “ኦ ንጉስ፥ ኣብ ቅድሜኻ ሞገስ እንተ ደኣ ረኺበ፥ ንጉስ ከዓ እንተ ፈቲኻ፥ ኣነን ህዝበይን ብህይወት ክንነብር እየ ዝልምነካ ዘለኹ።
4
ኣነን ህዝበይን ንጥፍኣትን ንማሕረድን ንምድምሳስን ተቐሪብና ኢና። ንባርነትን ንግርድነትን ተሼጥና እንተንኸውንስ ስቕ ምበልኩ፤ ንኣኻ ንንጉስውን ኣይመሸገርኩኻን ነይረ። ሕዚ ግና እቲ ፀላኢ ኸጥፍአናን ክድምስሰናን እዩ መዲቡ ዘሎ” በለት።
5
ንጉስ ኣርጤክስስ ንንግስቲ ኣስቴር “እቲ ነዙይ ክገብር ዝደፍር መን እዩ? ኣበይከ ኣሎ?” ኢሉ ጠየቓ።
6
ኣስቴር ድማ “እቲ ተፃራርን ፀላእንስ እዝ ሕሱም ሃማ እዩ” በለት። ሽዑ ሃማ ኣብ ቅድሚ ንጉስን ንግስትን ብፍርሓት ኣንቀጥቀጠ።
7
ንጉስ ካብቲ ወይኒ ዝሰትየሉ ዝነበረ ብቝጥዓ ተሲኡ፥ ናብ ኣታኽልቲ እቲ ኣዳራሽ ከደ። ሃማ ግና፥ ንጉስ ክቐፅዖ ኸም ዝመደበ ፈሊጡ ስለ ዝነበረ፥ ህይወቱ ኽተምሕሮ ንንግስቲ ኣስቴር ክልምን ኣብኡ ተሪፉ ነበረ።
8
እቲ ንጉስ ከዓ ኻብቲ ኣታኽልቲ ኣዳራሽ ናብቲ ወይኒ ዝሰትዩሉ ዝነበሩ ቤት ምስ ተመለሰ፥ ሃማ ናብ ልዕሊ እቲ ኣስቴር ዝነበረቶ ዓራት ወዲቑ ነበረ። ሽዑ እቲ ንጉስ “ሕዝስ ድማ ኣብ ቤተይ ኣብ ቅድመይ ንንግስቲዶ ኽዕምፃ ደልዩ?” በለ። እዝ ቓል እዙይ ካብ ኣፍ ንጉስ ምስ ወፀ፥ ንሃማ ገፁ ሸፈንዎ።
9
ሓርቦና፥ ሓደ ካብቶም ስሉባት፥ ንንጉስ “ሃማ ንመርዶክዮስ፥ ነቲ ንንጉስ ካብ ሞት ዘድሓነ ኽሰቕለሉ ኢሉ ዘዳለዎ ዕስራን ክልተን ሜትር ዝምንዋሑ ጕንዲ፥ እንሆ፥ ኣብ ቤት ሃማ ተተኺሉ ኣሎ” በለ። ንጉስ ከዓ “ንሃማ ኣብኡ ስቐልዎ” በሎም።
10
ሽዑ ንሃማ ኣብቲ ንመርዶክዮስ ክሰቕለሉ ኢሉ ዘዳለዎ ጕንዲ ሰቐልዎ፤ ቍጥዓ ንጉስውን ዘሓለ።
← Chapter 6
Chapter 8 →