bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Esther 6
Esther 6
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
እቲ ንጉስ በታ ለይቲ እቲኣ ድቃስ ስኢኑ ሓደረ፤ ነቲ ናይ መንግስቱ መፅሓፍ ዜና መዋእል ከምፅኡሉ ኸዓ ኣዘዘ፤ ኣብ ቅድሚ እቲ ንጉስውን ተነበበ።
2
ኣብኡ ኸዓ እቶም ክልተ ናይ ንጉስ ስሉባት ኣጋፈርቲ ሕልፍኚ፥ ገበታን ታራን፥ ንንጉስ ኣርጤክስስ ክቐትልዎ ሻራ ገይሮሙሉ ኸም ዝነበሩ፥ መርዶክዮስ ድማ ኸም ዝነገሮ ተፅሒፉ ተረኽበ።
3
ሽዑ እቲ ንጉስ “ብዛዕባ እዙይከ ንመርዶክዮስ ከመይ ዝበለ ኽብረትን ዕቤትን ተገብረሉ?” ኢሉ ጠየቐ። እቶም ዘገልግልዎ ዝነበሩ ሓሻኽር ንጉስ ድማ “ዝኾነ ነገር እኳ ኣይተገበረሉን” ኢሎም መለሱ።
4
እቲ ንጉስ ከዓ “ኣብ ቤተ መንግስቲ መን ኣሎ?” ኢሉ ጠየቐ። ሃማ ንመርዶክዮስ ኣብቲ ንእኡ ዘዳለወሉ ጕንዲ ኽሰቕሎ፥ ንንጉስ ክነግር ኢሉ፥ ናብቲ ቕፅሪ ቤተ መንግስቲ ኣትዩ ነበረ።
5
እቶም ሓሻኽር ንጉስ ድማ “እንሆ፥ ሃማ ኣብ ቅፅሪ ቤተ መንግስቲ ደው ኢሉ ኣሎ” በልዎ። ንጉስ ከዓ “ይእቶ” በሎም።
6
ሃማ ድማ ኣተወ፤ ንጉስ ከዓ “ንጉስ ከኽብሮ ንዝደለዮ ሰብ እንታይ ክግበረሉ ይግባእ?” ኢሉ ጠየቖ። ሃማ ድማ ብልቡ “ንጉስ ንኣይ እንተ ዘይኮይኑስ ንመን ከኽብር ይደሊ?” ኢሉ ሓሰበ።
7
ንንጉስ ድማ “ንጉስ ከኽብሮ ንዝፈተዎ ሰብስ፥
8
ንጉስ ዝኽደኖ ልብሲ መንግስቱ፥ ንጉስ ዝቕመጦ ፈረስ የምፅኡሉ፤ ኣብ ርእሱ ድማ ዘውዲ ንጉስ ይድፍኡሉ።
9
እቲ ኽዳንን እቲ ፈረስን ከዓ ኣብ ኢድ ሓደ ኻብቶም ክቡራት ሹመኛታት ንጉስ ይወሃብ እሞ፥ ነቲ ንጉስ ከኽብሮ ዝደሊ ሰብ ድማ ይኽደንዎ። ኣብ ፈረስ ኣቐሚጦምውን ብኣደባባይ እታ ኸተማ የዙርዎ፤ ቀቅድሚኡ ኸዓ፥ ‘ነቲ ንጉስ ከኽብሮ ንዝደለዮ ሰብ ከምዙይ ይግበረሉ’ ኢሎም ኣዋጅ ይኣውጁ” በለ።
10
ሽዑ ንጉስ ንሃማ “ቐልጢፍካ ልብስን ፈረስን ውሰድ፤ ነቲ ኣብ ኣፍ ደገ ንጉስ ኮፍ ኢሉ ዘሎ ኣይሁዳዊ መርዶክዮስ ከምቲ ዝበልካዮ ኸምኡ ግበረሉ። ካብዝ ዝበልካዮ ሓደ እኳ ኣይጕደል” በሎ።
11
ሃማ ድማ እቲ ኽዳንን እቲ ፈረስን ወሰደ፤ ንመርዶክዮስ ድማ ኸደኖ፤ ኣብ ፈረስውን ኣቐመጦ፤ ኣብ ኣደባባይ እታ ኸተማ ድማ ቐቅድሚኡ “ንጉስ ከኽብሮ ንዝደለዮ ሰብ ከምዙይ ይግበረሉ” እናበለ ኣዋጅ ነገረ።
12
መርዶክዮስ ናብ ደገ ንጉስ ተመለሰ፤ ሃማ ግና ጕህዩ ርእሱ ተጐልቢቡ ቐልጢፉ ናብ ቤቱ ኸደ።
13
ሃማ ዅሉ እቲ ዝረኸቦ ንዞሳራ ሰበይቱን ንዅሎም ፈተውቱን ነገሮም። እቶም ጠቢባኑን ዙሳራ ሰበይቱን ድማ “መርዶክዮስ እቲ ኣብ ቅድሚኡ ኽትወድቕ ጀሚርካ ዘለኻ፥ ካብ ዘርኢ ኣይሁድ እንተ ደኣ ኾይኑ፥ ፈፂምካ ኣብ ቅድሚኡ ኽትወድቕ ኢኻ እምበር፥ ክትስዕሮ ኣይትኽእልን ኢኻ” በልዎ።
14
ገና ንሳቶም ምስኡ ኽዛረቡ እንተለዉ፥ እቶም ናይ ንጉስ ስሉባት መፁ፤ ንሃማ ናብቲ ኣስቴር ዘዳለወቶ ምሳሕ ከምፅእዎ ኸዓ ኣሻዀልዎ።
← Chapter 5
Chapter 7 →