bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Esther 5
Esther 5
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ብሳልሰይቲ መዓልቲ ኣስቴር ልብሰ መንግስቲ ተኸዲና ኣብቲ ኣብ መንፅር ቤተ መንግስቲ ዘሎ ውሽጣዊ መካበብያ ደው በለት። እቲ ንጉስ ከዓ ኣብ መንፅር ኣፍ ደገ፥ ኣብ ዙፋን መንግስቱ ኣብ ቤተ መንግስቱ ተቐሚጡ ነበረ።
2
ንንግስቲ ኣስቴር ኣብቲ መካበብያ ደው ኢላ ምስ ረአያ ድማ ኣብ ቅድሚኡ ሞገስ ረኸበት፤ እቲ ኣብ ኢዱ ዝነበረ ዘንጊ ወርቂ ድማ ዘርግሐላ፤ ኣስቴርውን ቅርብ ኢላ ጫፍ ዘንጉ ነኽአት።
3
ሽዑ ንጉስ “ንንግስቲ ኣስቴር፥ እንታይ ኴንኪ ኢኺ? እንታይከ ትደልዪ ኣለኺ? ክሳዕ ፍርቂ መንግስተይውን እንተ ኾነ ኽወሃበኪ እዩ” በላ።
4
ኣስቴር ድማ “ንጉስ ፍቓድካ እንተ ደኣ ኾይኑስ ናብቲ ኣዳልየዮ ዘለኹ ምሳሕ፥ ምስ ሃማ ዄንካ ሎሚ ምፀኒ” በለቶ።
5
እቲ ንጉስ ድማ፦ “ኣስቴር ዝበለቶ ምእንቲ ኽግበር፥ ንሃማ ቐልጢፍኩም ፀውዕዎ” በለ። ንጉስን ሃማን ከዓ ናብቲ ኣስቴር ዘዳለወቶ ምሳሕ መፁ።
6
ወይኒ እናሰተዩ እንተለዉ፥ ንጉስ ንኣስቴር “ልመናኺ እንታይ እዩ? ምእንቲ ኽወሃበክስ እንታይ እዩ ድልየትኪ? ክሳዕ ፍርቂ መንግስተይውን እንተ ኾነ ኽወሃበኪ እዩ” በላ።
7
ኣስቴር ከዓ “ኣብ ቅድሜኻ ሞገስ እንተ ደኣ ረኺበስ፥ ንጉስ ከዓ ልመናይ ክትህበንን ድልየተይ ክትገብርን ፍቓድካ እንተ ደኣ ኾይኑስ፥ ናብቲ ፅባሕ ዝገብሮ ምሳሕ፥ ምስ ሃማ ዄንካ ምፀኒ፤ ሽዑ ኸምቲ ዝጠየቕካኒ፥ ልመናይን ድልየተይን ክነግረካ እየ” ኢላ መለሰት።
9
በታ መዓልቲ እቲኣ ድማ ሃማ ደስ ኢሉዎ፥ ልቡ ኸዓ ተሓጕሱ ኻብቲ ምሳሕ እንትወፅእ እንተሎ መርዶክዮስ ኣብ ደገ ንጉስ ብድድ እንተይበለ፥ ካብኡውን እንተይተነቓነቐ ኾፍ ኢሉ ኸም ዘሕለፎ ምስ ረአየ፥ ኣብ ልዕሊ መርዶክዮስ ቍጥዓ መልኦ።
10
ሃማ ግና ንባዕሉ ኣህዲኡ ሓለፈ። ኣብ ቤቱ ምስ ኣተወ ኸዓ ልኢኹ ንፈተውቱን ንዞሳራ ሰበይቱን ክመፁ ፀውዖም።
11
ዕቤት ሃብቱን ብዝሒ ደቁን፥ ንጉስ ብዅሉ ኸመይ ገይሩ ኸም ዘዕበዮን ኣብ ልዕሊ ኣሕሉቕን ሓሻኽር ንጉስን ልዕል ከም ዘበሎ ነገሮም።
12
ወሲኹ ድማ “ንግስቲ ኣስቴር እኳ ናብቲ ዝገበረቶ ምሳሕ ምስ ንጉስ ብዘይ ንኣይ ካልእ ኣይፀውዐትን። ንፅባሕ ድማ ምስ ንጉስ ተፀዊዐ ኣለኹ።
13
እንተ ኾነ፥ መርዶክዮስ እቲ ኣይሁዳዊ ኣብ ደገ ንጉስ ኮፍ ኢሉ ኽሳዕ ዘሎ ግና፥ እዝ ዅሉ ደስ ኣየብለንን እዩ” በለ።
14
ሽዑ ዞሳራ ሰበይቱን እቶም ፈተውቱ ዅላቶምን ኮይኖም “ዕስራን ክልተን ሜትር ዝምንዋሑ ጕንዲ ኣዳሉ፤ መርዶክዮስ ኣብኡ ኽስቀልስ ፅባሕ ንግሆ ንንጉስ ንገሮ። ድሕሪቱይ ምስ ንጉስ ናብቲ ምሳሕ ደስ ኢሉካ ትኸይድ” በልዎ። እዝ ነገር እዙይ ንሃማ ደስ ኣበሎ እሞ፥ ጕንዲ ኸም ዘዳልዉ ገበረ።
← Chapter 4
Chapter 6 →