bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Deuteronomy 9
Deuteronomy 9
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
“ኦ እስራኤል! ስምዑ፤ ሎሚ ንስኻትኩም ንዮርዳኖስ ክትሳገሩ ኢኹም፤ ካባኻትኩም ንዝዓብዩን ንዝሕይሉን፥ ክሳዕ ሰማይ ዝበፅሕ ዕርድታት ዘለወን ዓበይቲ ኸተማታት ንዘለዋኦም ኣህዛብውን ክትወርስዎም ኢኹም።
2
እቶም ህዝቢ፥ ደቂ ዔናቅ፥ ዓበይትን ነዋሕትን ምዃኖም ንስኻትኩም ትፈልጥዎም ኢኹም፤ ብዛዕባኣቶም ድማ ‘ኣብ ቅድሚ ደቂ ዔናቅ መን ደው ክብል ይኽእል’ እንትብሃል ሰሚዕኹም ኣለኹም።
3
እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ከም ዝባላዕ ሓዊ ኾይኑ ቐቅድሜኹም ከም ዝሓልፍ፥ ሎሚ ፍለጡ። ንሱ ኸጥፍኦም እዩ፤ ኣብ ቅድሜኹምውን ከዋርዶም እዩ፤ ከምቲ እግዚኣብሄር ዝነግረኩም ክተሳጕጉዎም፥ ቀልጢፍኩም ድማ ኽተጥፍእዎም ኢኹም።
4
“እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ካብ ቅድሜኹም ምስ ሰጐጎም ድማ፥ ብልብኹም ‘ፃድቃን ብምዃንና እግዚኣብሄር ነዛ ምድሪ እዚኣ ኽንወርሳ ኣእተወና’ ኣይትበሉ። እግዚኣብሄር ነዞም ኣህዛብ እዚኣቶም ካብ ቅድሜኹም ዝሰጎም ዘሎ ኽፉኣት ብምዃኖም እዩ።
5
ብፅድቅኹምን ብቕንዕና ልብኹምን ኣይኮንኩምን ንምድሮም እትኣትዉዋን እትወርስዋን ዘለኹም፤ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ነዞም ህዝብታት እዚኣቶም ካብ ቅድሜኹም ዝሰጎም ዘሎ፥ በቲ ዝገበርዎ ኽፍኣት እዩ፤ ከምኡውን እቲ ነቦታትኩም፥ ንኣብርሃምን ይስሓቅን ያእቆብን፥ ዝመሓለሎም ነገር ምእንቲ ኽፍፅም እዩ።
6
ተሪር ዝኽሳዱ ህዝቢ ኢኹም፤ ስለዙይ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ነዛ ልምዕቲ ምድሪ እዚኣ ርስቲ ገይሩ ዝሃበኩም ብፅድቅኹም ከም ዘይኮነ ፍለጡ።
7
“እምበኣር ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ኣብ ምድረ በዳ ኸመይ ከም ዘቘጣዕኹምዎ ኣይትረስዑ። ካብታ ኻብ ሃገር ግብፂ ዝወፃእኹምላ መዓልቲ ጀሚርኩም፥ ናብዛ ስፍራ እዚኣ ኽሳዕ እትበፅሑ፥ ንእግዚኣብሄር ከም ዝዓመፅኩም ዘክሩ።
8
ኣብ ኮሬብ ንእግዚኣብሄር ከም ዝቝጣዕ ገበርኩምዎ፤ ተቘጢዑ ኸዓ ኸጥፍአኩም ደለየ።
9
እተን ናይ እምኒ ፅላታት፥ እግዚኣብሄር ምሳኻትኩም ዝተመሓሓለለን ናይ ቃል ኪዳን ፅላታት ክቕበል ናብቲ እምባ ደየብኩ። ኣብኡ ብዘይ እንጀራን ማይን ኣርብዓ መዓልትን ኣርብዓ ለይትን ተቐመጥኩ።
10
እግዚኣብሄር ኣምላኽ ድማ፥ ብኢዱ ዝተፅሓፋ ኽልተ ፅላት እምኒ ሃበኒ፤ እቲ ኣብቲ እምባ ተኣኪብኩም እንተለኹም ካብ ማእኸል ሓዊ ምሳኻትኩም ዝተዛረቦ ዅሉ ቓል ከዓ ኣብኣተን ተፅሒፉ ነበረ።
11
“ኣብ መወዳእታ እተን ኣርብዓ መዓልትን ኣርብዓ ለይትን፥ እግዚኣብሄር እተን ክልተ ናይ ኪዳን ፅላት እምኒ ሃበኒ።
12
እግዚኣብሄር ድማ ‘ተስእ፥ ቀልጢፍካ ውረድ። እቶም ካብ ግብፂ ዘውፃእኻዮም ህዝብኻ ረኺሶም እዮም፤ ካብቲ ዝኣዘዝክዎም መንገዲ ቐልጢፎም ኣግሊሶም፤ መኺኹ ብፍሲ ዝተሰርሐ ምስሊ ጣዖት ንርእሶም ገይሮም ኣለዉ’ በለኒ።
13
“መሊሱ ኸዓ እግዚኣብሄር፥ ‘እዞም ህዝቢ እዚኣቶም ተረርቲ ኽሳድ ምዃኖም ሪአዮም ኣለኹ።
14
ከጥፍኦም፥ ስሞም እውን ካብ ትሕቲ ሰማይ ክድምስስ ሕደገኒ፤ ንኣኻ ድማ ኻብኣቶም ንዝሕይልን ንዝበዝሕን ህዝቢ ኽገብረካ እየ’ በለኒ።
15
“ካብቲ እምባ ተመሊሰ ወረድኩ፤ እቲ እምባ ድማ ብሓዊ ይቃፀል ነበረ፤ እተን ክልተ ፅላት ኪዳን ከዓ ኣብ ክልቲአን ኢደይ ነበራ።
16
ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ከም ዝበደልኩም ድማ ረአኹ፤ ካብ ወርቂ ዝፈሰሰ ምስሊ ምራኽ ጌርኩም ጣዖት ሰራሕኹም፤ ስለዙይ ካብቲ እግዚኣብሄር ዝኣዘዘኩም መንገዲ ቐልጢፍኩም ኣግለስኩም።
17
ነተን ክልተ ፅላት ከዓ ኻብ ክልቲአን ኢደይ ደርብየ ኣብ ቅድሜኹም ሰበርክወን።
18
“ከም ብሓድሽ ድማ ኣርብዓ መዓልትን ኣርብዓ ለይትን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ተደፋእኹ። በቲ ዅሉ ዝገበርኩምዎ ሓጢኣት፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፉእ ብምግባር ስለ ዘቘጣዕኹምዎ ኣርብዓ መዓልትን ኣርብዓ ለይትን እንጀራ ኣይበላዕኹን፥ ማይውን ኣይሰተኹን።
19
በቲ እግዚኣብሄር ብኣኻትኩም ተቘጢዕዎ ዝነበረ ቝጥዓ ኸየጥፍአኩም ፈራሕኹ። ግና በታ ጊዜ እቲኣ እውን እግዚኣብሄር ሰምዐኒ።
20
ንኣሮን ድማ እግዚኣብሄር የመና ተቘጥዖ፤ ከጥፍኦ እውን ደለየ። ኣነ ግና በታ ጊዜ እቲኣ ምእንቲ ኣሮን ፀለኹ።
21
ነቲ ዝሰራሕኹምዎ ግብሪ ሓጢኣትኩም ዝኾነ ምራኽ ወሲደ ብሓዊ ኣቃፀልክዎ። ሽዑ ቐጥቂጠ ኸም በነንታ ኽሳዕ ዝኸውን ጠሓንክዎ፤ ነቲ በነንታውን ናብቲ ኻብ እምባ ዝወርድ ሩባ በተንክዎ።
22
“ኣብ ተቤራን ኣብ ማሳሕን ኣብ ምንዮት መቓብርንውን ንእግዚኣብሄር ኣቘጣዕኹምዎ።
23
“ከምኡውን እግዚኣብሄር ‘ደይቡ እሞ ነታ ዝሃብኩኹም ምድሪ ውረስዋ’ ኢሉ ኻብ ቃዴስ በርኔ ምስ ለኣኸኩም፥ ኣብ ልዕሊ ቓል እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ዓመፅኩም። ንእግዚኣብሄር ኣይኣመንኩምዎን፤ ቃሉውን ኣይሰማዕኹምን።
24
ካብታ ዝፈለጥኩኹም መዓልቲ ጀሚሩ ኣብ ልዕሊ እግዚኣብሄር ዓመፀኛታት ነበርኩም።
25
“እግዚኣብሄርውን፥ ‘ከጥፍኦም እየ’ ኢሉ ስለ ዝነበረ፥ ኣርብዓ መዓልትን ኣርብዓ ለይትን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ተደፋእኹ።
26
ንእግዚኣብሄር ድማ ‘ኦ ጐይታ እግዚኣብሄር! ነቲ ብዕቤትካ ዘድሓንካዮ፥ ብሓያል ኢድካ እውን ካብ ግብፂ ዘውፃእኻዮ ህዝብኻን ርስትኻን ኣይተጥፍኣዮ።’
27
ንኣገልገልትኻ ኣብርሃምን ይስሓቅን ያእቆብን ዘክር። ናይ እዝ ህዝቢ እዙይ ህልኽን ክፍኣትን ሓጢኣትን ኣይትመልከት።
28
እንተ ዘይኮኑ፥ ግብፃውያን፥ ‘ናብታ እግዚኣብሄር ዘተስፈዎም ሃገር ከእትዎም ስለ ዘይከኣለን ስለ ዝፀልኦምን ምእንቲ ኣብ ምድረ በዳ ኽቐትሎም ኣውፅኦም’ ክብሉ እዮም።
29
እዚኣቶምስ ብዓብዪ ሓይልኻን ብዝርግሕቲ ቕልፅምካን ዘውፃእኻዮም ህዝብኻን ርስትኻን እዮም” በልኩ።
← Chapter 8
Chapter 10 →