bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Deuteronomy 8
Deuteronomy 8
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
“ምእንቲ ብህይወት ክትነብሩን ክትበዝሑን፥ ናብታ እግዚኣብሄር ነቦታትኩም ብማሕላ ዘተስፈዎም ምድሪ ኽትኣትዉን ክትወርስዋን፥ ነዝ ዅሉ ኣነ ሎሚ ዝእዝዘኩም ዘለኹ ትእዛዝ ተጠንቂቕኩም ሓልዉ።
2
እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ድማ በዘን ኣርብዓ ዓመታት ኣብ ምድረ በዳ ዝመርሐኩም፥ ትእዛዛቱ ትሕልዉ እንተ ዄንኩም ወይ ዘይትሕልዉ እንተ ዄንኩም፥ ኣብ ልብኹም ዘሎ ምእንቲ ኽፈልጥ፥ ክፍትነኩም ኢሉ ብመከራ ኸም ዘሕለፈኩም ዘክሩ።
3
ሰብ ካብ ኣፍ እግዚኣብሄር ብዝወፅእ ኵሉ ቓል ደኣ እምበር፥ ብእንጀራ ጥራሕ ከም ዘይነብር ምእንቲ ኸፍልጠኩም፥ ንሱ ኣጨነቐኩም፤ ኣጥመየኩምውን፤ ንስኻትኩም ዘይፈለጥኩምዎ ኣቦታትኩም እውን ዘይፈለጥዎ መና ኣብልዐኩም።
4
በዘን ኣርብዓ ዓመታት ክዳንኩም ኣይበለየን፤ እግርኹም እውን ኣይሓበጠን።
5
ሰብ ንውሉዱ ኸም ዝግስፅ፥ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ድማ ኸምኡ ኸም ዝግስፀኩም ብልብኹም ዘክሩ።
6
“እምበኣር ብመንገዱ ብምኻድን ንእኡ ብምፍራሕን፥ ትእዛዛት እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ሓልዉ።
7
እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ናብ ፍርያም ምድሪ ኸእትወኩም እዩ። ንሳ ወሓዝቲ ማያት ኣብ ሽንጥሮታትን ኣብ ጎቦታትን፥ ዝፍልፍሉ ዓይኒ ማያትን ዒላታትን ዘለዋ፥
8
እታ ምድሪ ስርናይን ስገምን ወይንን በለስን ሮማንን፥ ዘይቲ ኣውሊዕን መዓርን፥
9
እንጀራ ናብ እትበልዑላ፥ ዝኾነ ናብ ዘይትስእኑላ ምድሪ፥ ኣእማና ሓፂን፥ ጎቦታታ ዅዒትኩምውን ነሃስ ናብ እተውፅኡላ ምድሪ ኸእትወኩም እዩ።
10
“ክትበልዑ፥ ክትፀግቡውን ኢኹም፤ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ከዓ፥ እታ ልምዕቲ ምድሪ ስለ ዝሃበኩም፥ ክተመስግንዎ ኢኹም።
11
ነዝ ሎሚ ዝህበኩም ዘለኹ ትእዛዛቱን ፍርድታቱን ሕግጋቱን ብዘይ ምሕላውኩም ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ከይትርስዕዎ ተጠንቀቑ።
12
እንተ ዘይተጠንቂቕኩም ግና በሊዕኹም ምስ ፀገብኩም፥ ፅቡቓት ኣባይቲ ሰሪሕኹም ምስ ተቐመጥኩምወን፥
13
ከፍትኹምን ኣባጊዕኹምን ምስ ሰሰና፥ ብሩርኩምን ወርቅኹምን ከዓ ምስ በዝሐልኩም፥ ዘለኩም ኵሉ ድማ ምስ በርከተ፥
14
ሽዑ ልብኹም ከይዕበ እሞ ነቲ ኻብ ግብፂ፥ ካብ ቤት ባርነት፥ ዘውፅአኩም እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ኸይትርስዑ።
15
በቲ ኣትማንን ዕንቅርቢታትን ዘለውዎ፥ ማይ ብዘይብሉ ኣፃምእ፥ ገፊሕን ዘፍርሕን ምድረ በዳ ዝመርሐኩም፤ ካብ ፅኑዕ ኰዅሒ ድማ ማይ ኣፍለቐልኩም።
16
ኣብ ምድረ በዳ፥ ኣቦታትኩም ዘይፈለጥዎ መና ኣብልዐኩም፤ እዙይ ከዓ ምእንቲ ኣብ መወዳእታ ዘመን ሰናይ ክኾነልኩም ኢሉ ኣዋረደኩምን ፈተነኩምን።
17
ብልብኹም ‘ሓይልናን ፅንዓት ኢድናን እዝ ዅሉ ሃብቲ ኽንእክብ ገበረና’ ትብሉ ትኾኑ።
18
ግና ኸምዝ ናይ ሎሚ ነቲ ነቦታትኩም ዝመሓለሎም ኪዳን ምእንቲ ኸፅንዕ፥ ሃብቲ ኽትእክቡ ሓይሊ ዝህበኩም፥ ንሱ እዩ እሞ፥ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ዘክርዎ።
19
“ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እንተ ረሲዕኹም፥ ንኻልኦት ኣማልኽቲ ኸዓ እንተ ተኸቲልኩምን እንተ ኣምሊኽኩምዎምን፥ እንተ ሰጊድኩምሎምን ብርግፅ ከም እትጠፍኡ፥ ሎሚ ኣሰምዐልኩም ኣለኹ።
20
ቃል እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ስለ ዘይሰማዕኹም፥ ከምቶም እግዚኣብሄር ካብ ቅድሜኹም ዘጥፍኦም ኣህዛብ፥ ከምኡ ኽትጠፍኡ ኢኹም።
← Chapter 7
Chapter 9 →