bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Deuteronomy 10
Deuteronomy 10
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
“ሽዑ እግዚኣብሄር ‘ከምተን ቀዳሞት ዝበላ ኽልተ ፅላት እምኒ ፅረብ እሞ ናባይ ናብዝ እምባዙይ ደይብ፤ ብዕንፀይቲ ጌርካ ድማ ታቦት ስራሕ።
2
ነቲ ኣብተን ዝሰበርካየን ቀዳሞት ፅላት ዝነበረ ቓል ከዓ ኣብዘን ፅላት እዚኣተን ክፅሕፎ እየ፤ ኣብ ውሽጢ እቲ ታቦት ድማ ኽተንብረን ኢኻ’ በለኒ።
3
“ካብ ዕንፀይቲ ሰራው ገይረ ታቦት ሰራሕኹ፤ ከምተን ቀዳሞት ዝበላ ኽልተ ፅላት እምኒ እውን ፀረብኩ፤ ንኽልቲአን ፅላት ኣብ ኢደይ ሒዘ ኸዓ ናብቲ እምባ ደየብኩ።
4
እግዚኣብሄር በታ ተኣኪብኩምላ ዝነበርኩም መዓልቲ፥ ኣብቲ እምባ ኻብ ማእኸል ሓዊ ነጊሩኩም ዝነበረ፥ ከምተን ቀዳሞት ዝበላ ዓሰርተ ትእዛዛት ኣብተን ፅላት ፀሓፈ፥ ንኣይ ድማ ሃበኒ።
5
ተመሊሰ ኸዓ ኻብቲ እምባ ወረድኩ፤ ነተን ፅላት ድማ ኣብቲ ዝሰራሕኽዎ ታቦት ኣንበርክወን። ከምቲ እግዚኣብሄር ዝኣዘዘኒ ኸዓ ኣብኡ ተቐመጣ።”
6
ደቂ እስራኤል ድማ፥ ካብ ብኤሮት ብኔያዕቃን ናብ ሞሴራ ተጕዓዙ። ኣሮን ኣብኡ ሞተ፤ ኣብኡውን ተቐበረ። ክንድኡ ኸዓ ወዱ ኣልኣዛር ካህን ኮነ።
7
ካብኡ ድማ ናብ ጉድጎዳ፥ ካብ ጉድጎዳውን ናብታ ወሓዝቲ ማያት ዘለዋ ናብ ዮጥባታ ተጕዓዙ።
8
በታ ጊዜ እቲኣ እግዚኣብሄር ንነገድ ሌዊ፥ ታቦት ኪዳን እግዚኣብሄር ክፆሩ፥ ንእኡ ንምግልጋል ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ንኽቖሙ፥ ብስሙ ንኽባርኹ እግዚኣብሄር ክሳዕ ሎሚ ንነገድ ሌዊ ፈለዮም።
9
ስለዙይ ሌዊ ምስ ኣሕዋቱ ግደ ወይ ርስቲ የብሉን። ከምቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ዝተዛረቦ ርስቱ እግዚኣብሄር እዩ።
10
“ኣነ ድማ ኸምቲ ናይ ቅድም፥ ኣርብዓ መዓልትን ኣርብዓ ለይትን ኣብ ልዕሊ እቲ እምባ ተቐመጥኩ። በታ ጊዜ እቲኣ ድማ እግዚኣብሄር ሰምዐኒ፤ እግዚኣብሄርውን ከጥፍአኩም ኣይደለየን።
11
እግዚኣብሄር ከዓ ‘ናብታ ነቦታቶም ክህቦም ዝመሓልኩሎም ምድሪ ኽኣትዉን ክወርስዋንስ ተስእ፤ ኪድ፥ ቀቅድሚ እቲ ህዝቢ ተጕዓዝ’ በለኒ።”
12
“ኦ ህዝቢ እስራኤል! ሕዚኸ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ክትፈርሕዎ፥ ብዅሉ መንገዱ ኽትመላለሱ፥ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ድማ ኽተፍቅርዎ፥ ብምሉእ ልብኹምን ብምሉእ ነፍስኹምን ክተገልግልዎ፥ ምእንቲ ሰናይ ክኾነልኩም፥ እዝ ኣነ ሎሚ ዝእዝዘኩም ዘለኹ ናይ እግዚኣብሄር ትእዛዛትን ሕግጋትን ክትሕልዉ እንተ ዘይኮይኑስ፥ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ካባኻትኩም ዝደልዮ እንታይ ኣሎ?
14
“እንሆ፥ ሰማይን ሰማየ ሰማያትን ምድርን ኣብኣ ዘሎ ዅሉን ናይ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እዩ።
15
ምስ እዝ ዅሉ ግና እግዚኣብሄር ስለ ኣቦታትኩም ደስ ኢሉዎ እዩ፤ ንኣኣቶምውን ፈትዩ መረፆም። ብድሕሪኦም ድማ ንኣኻትኩም ንዘርኦም ከምዝ ሎሚ፥ ካብ ማእኸል ኵሎም ኣህዛብ ሓረየኩም።
16
እምበኣር ንስኻትኩም ልብኹም ግረዙ፤ ክሳድኩምውን ደጊም ኣይተትርሩ።
17
እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም፥ ንሱ ኣምላኽ ኣማልኽቲ፥ ጐይታ ጐይቶት፥ ዓብዪ፥ ሓያል፥ ዘፍርሕ ኣምላኽ፥ ብፍርዲ ዘየዳሉ፥ ጉቦ ኸዓ ዘይቕበል እዩ።
18
ንሱ ንደኽታማትን መበለታትን ፍትሒ የውፅእ፤ ንስደተኛውን ይፈቱ፤ እንጀራን ክዳንን ከዓ ይህቦ።
19
ንስኻትኩም ድማ ኣብ ምድሪ ግብፂ ስደተኛታት ኔርኩም ኢኹም እሞ፥ ስደተኛ ፍተዉ።
20
ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ፍርሕዎ፤ ንእኡ ኣምልኹ፤ ናብኡ ኸዓ ቕረቡ፤ ብስሙ ጥራሕ መሓሉ።
21
እቲ ኣዒንትኹም ዝረአይዎ ነዞም ዓበይትን ዝፍርሑን ነገራትውን ዝገበረልኩም ንሱ ኽብርኹም እዩ። ንሱውን ኣምላኽኩም እዩ።
22
ኣቦታትኩም ናብ ግብፂ ኽወርዱ እንተለዉ ብድምር ሰብዓ ሰብ ነበሩ። ሕዚ ኸዓ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ከም ከዋኽብቲ ሰማይ ኣብዝሐኩም።”
← Chapter 9
Chapter 11 →