bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Deuteronomy 7
Deuteronomy 7
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
“እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ናብታ ኽትወርስዋ ትኸዱ ዘለኹም ምድሪ ኸእትወኩም እዩ፤ ክትኣትውዋ እንተለኹም ከዓ ንኬጢያውያንን ጌርጌሳውያንን ኣሞራውያንን ከነዓናውያንን ፈሪዛውያንን ሔዋውያንን ኢያቡሳውያንን፥ ነዞም ሸውዓተ ኻባኻትኩም ዝዓብዩን ዝሕይሉን ብዙሓት ህዝብታት ካብ ቅድሜኹም ምስ ሰጐጎም፥
2
እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ኣብ ቅድሜኹም ኣሕሊፉ እንትህበኩም እሞ እንትትስዕርዎም፥ ፈፂምኩም ኣጥፍእዎም። ምስኣቶም ኪዳን ኣይትተኣታተዉ፤ ኣይትምሓርዎምውን።
3
ኣይትዋሰብዎም፤ ኣጓላትኩም ነወዳቶም ኣይትሃቡ፤ ኣጓላቶም ከዓ ነወዳትኩም ኣይትውሰዱ።
4
እንተ ዘይኮነ ደቅኹም፥ ካልኦት ኣማልኽቲ ምእንቲ ኸምልኹ ኻብ እግዚኣብሄር ከርሕቕዎም እዮም እሞ፥ እግዚኣብሄር የመና ኽቝጥዐኩም እዩ፤ ቀልጢፉ ኸዓ ኸጥፍአኩም እዩ።
5
ንኣኣቶምስ ከምዙይ ደኣ ግበርዎም፦ መሰውኢታቶም ኣፍርሱ፤ ሓወልትታቶምውን ሰባብሩ፤ ዘምልኹሉ ኣፀዶም ቍረፁ፤ ዝተፀርበ ምስልታቶምውን ብሓዊ ኣቃፅሉ።
6
ንስኻትኩም፥ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ቅዱስ ህዝቢ ኢኹም እሞ፥ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም፥ ካብ ኵሎም ኣብ ልዕሊ ገፅ ምድሪ ዘለዉ ህዝብታት ፈልዩ፥ ህዝቡ ኽትኮንዎ መረፀኩም።
7
“እግዚኣብሄር ዝፈተወኩምን ዝመረፀኩምን፥ ካብ ኵሎም ህዝብታት ስለ ዝበዛሕኹም ኣይኮነን፤ ካብ ኵሎም ንስኻትኩም ትውሕዱ።
8
እኳ ደኣ እግዚኣብሄር ስለ ዝፈተወኩምን እቲ ነቦታትኩም ዝመሓለሎም ማሕላ ስለ ዝሓለወን፥ እግዚኣብሄር ብሓያል ኢዱ ኣውፅአኩም፤ ካብ ባርነት፥ ካብ ኢድ ፈርዖን ንጉስ ግብፂ ተቤዘወኩም።
9
እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ከም ዝኾነ፥ ንዝፈትውዎን ትእዛዙ ንዝሕልዉን ክሳዕ ሽሕ ትውልዲ ምሕረት ዝገብር፥ ቃል ኺዳኑውን ዝሕሉ እሙን ኣምላኽ ከም ዝኾነ፥ ፍለጡ።
10
ነቶም ዝፀልእዎ ንምጥፋእ ኣብ ቅድሚኣቶም ናይ ኢዶም ይፈድዮም፤ ንዝፀልእዎ እንተይደንጐየ ኣብ ቅድሚኡ ናይ ኢዶም ይፈድዮም።
11
እምበኣርከስ፥ ነዝ ኣነ ሎሚ ዝእዝዘኩም ዘለኹ ትእዛዛትን ሕግጋትን ፍርድንውን ተጠንቂቕኩም ሓልውዎ።
12
“ነዝ ትእዛዛት እዙይ ተጠንቂቕኩም እንተ ሰሚዕኹምዎን እንተ ሓሊኹምዎን፥ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ከምቲ ነቦታትኩም ዝመሓለሎም ኪዳኑን ምሕረቱን ክሕልወልኩም እዩ።
13
ክፈትወኩምን ክባርኸኩምን ከብዝሐኩምንውን እዩ። ኣብታ ንኣኻትኩም ክህበኩም ነቦታትኩም ዝመሓለሎም ምድሪ ድማ፥ ፍረ ኸርስኹምን ፍረ ምድሪኹምን ስርናይኩምን ወይንኹምን ዘይትኹምን፥ ኣብታይ ከፍትኹምን፥ ሌማታት ኣባጊዕኹምን ኣጣልኩምን ክባርኸልኩም እዩ።
14
ልዕሊ ዅሎም ህዝብታት ክትባረኹ ኢኹም። ኣባኻትኩም ካብ ሰብኣይ ወይ ካብ ሰበይቲ መኻን ኣይህሉን እዩ።
15
እግዚኣብሄር ካባኻትኩም ሕማም ከርሕቕ እዩ። እቲ ዅሉ እትፈልጥዎ ዘስካሕክሕ ሕማም ግብፂ ድማ ኣየምፅአልኩምን እዩ። ናብ እቶም ኵሎም ዝፀልኡኹም ግና እዝ ዅሉ ኸምፅአሎም እዩ።
16
እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ኣሕሊፉ ንዝህበኩም ኵሎም ኣህዛብ ኣጥፍእዎም፤ ዓይንኹምውን ኣይራህርሀሎም። ኣማልኽቶምውን መፈንጠር ከይኾኑኹም፥ ኣይተምልኽዎም።
17
“ብልብኹም ድማ፥ ‘እዞም ህዝብታት እዚኣቶም ካባና ዝበዝሑ እዮም እሞ፥ ከመይ ጌርና ኽነውፅኦም ኢና?’ እንተ በልኩም፥
18
ኣይትፍርሕዎም፤ እቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ኣብ ፈርዖንን ኣብ ኵላ ግብፅን ዝገበሮ ዘክሩ።
19
ነቲ ኣዒንትኹም ዝረአያኦ ዓበይቲ መቕሰፍትታትን ምልክታትን ተኣምራትን፥ ነታ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ብኣኣ ዘውፅአኩም ሓያል ኢድን ዝርግሕቲ ቕልፅምን ኣፀቢቕኩም ዘክሩ። ነዞም ኵሎም እትፈርሕዎም ዘለኹም ኣህዛብ፥ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ከምኡ ኽገብሮም እዩ።
20
ከምኡውን ነቶም ዝተረፉን ካባኻትኩም ዝተሓብኡን፥ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ክሳዕ ዝጠፍኡ ዕኮት ክሰደሎም እዩ።
21
እቲ ዓቢይን ዝፍራሕን እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ኣብ ማእኸልኩም እዩሞ፥ ንኣኣቶም ኣይትፍርሑ።
22
ነዞም ኣህዛብ እዚኣቶም እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ካብ ቅድሜኹም በብቑሩብ ክሰጎም እዩ። ኣራዊት በረኻ ምእንቲ ኸይበዝሑኹም፥ ብሓደ ጊዜ ኽተጥፍእዎም ኣይግበአኩምን።
23
ኣምላኽኩም እግዚኣብሄር ንኣኣቶም ኣብ ቅድሜኹም ኣሕሊፉ ኽህበኩም እዩ፤ ብዓብዪ ድንጋፀ ድማ ኽሳዕ ዝጠፍኡ ኸደንግፆም እዩ።
24
ንነገስታቶም ከዓ ኣብ ኢድኩም ኣሕሊፉ ኽህበኩም እዩ፤ ስሞም ድማ ኻብ ትሕቲ ሰማይ ክተጥፍኡ ኢኹም። ክሳዕ እተጥፍእዎም ዝኾነ ይኹን ኣብ ቅድሜኹም ክቃወመኩም ዝኽእል የለን። ንዅሎም ክተጥፍእዎም ኢኹም።
25
ዝተቐረፀ ምስልታት ኣማልኽቶም ብሓዊ ኣቃፅሉ፤ ነቲ ኣብ ምስልታት ኣማልኽቶም ዘሎ ብሩርን ወርቅን ኣይትመነዩ፤ እዙይ ኣብ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ርኹስ እዩ እሞ፥ መፈንጠር ከይኾነኩም፥ ካብኡ ንኣኻትኩም ሓደኳ ኣይትውሰዱ።
26
ንስኻትኩም ድማ ኸምኡ ርኹሳት ምእንቲ ኸይትኾኑ፥ ዝኾነ ርኹስ ነገር ናብ ገዛኹም ኣይተእትዉ፤ ዝረኸሰ እዩ እሞ፥ ፈፂምኩም ፅልእዎን ተፀየፍዎን።
← Chapter 6
Chapter 8 →