bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Deuteronomy 6
Deuteronomy 6
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
“እቲ ኣብታ ንዮርዳኖስ ሰጊርኩም እትወርስዋ፥ ሃገር ክትፍፅምዎ ኣነ ኽምህረኩም፥ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ዝኣዘዘኒ ትእዛዛትን ሕግጋትን ፍርድታትን እዙይ እዩ፦
2
ንስኻትኩምን ደቅኹምን ደቂ ደቅኹምን ምሉእ ዕድሜኹም ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ምእንቲ ኽትፈርሕዎ፥ ዕድሜኹም ድማ ምእንቲ ኽነውሕ፥ እዝ ዅሉ ኣነ ዝእዝዘኩም ዘለኹ ትእዛዛቱን ሕግጋቱን ሓልዉ።
3
ስለዙይ፥ ኦ ህዝቢ እስራኤል! ስምዑ፥ ከምቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦታትኩም ዝበለኩም፥ ሰናይ ክኾነልኩምን ኣብታ ፀባን መዓርን እተውሕዝ ምድሪ ድማ የመና ኽትበዝሑን፥ ተጠንቂቕኩም ፈፅምዎ።
4
“ኦ እስራኤል! ስማዕ፤ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ሓደ እግዚኣብሄር እዩ።
5
ንስኻ ድማ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ብምሉእ ልብኻን ብምሉእ ነፍስኻን ብምሉእ ሓይልኻን ኣፍቅሮ።
6
ነዝ ኣነ ሎሚ ዝእዝዘካ ዘለኹ ትእዛዛት ኣብ ልብኻ ሓዞ።
7
ንደቅኻ ንገሮም፤ ኣብ ገዛኻ ኮፍ እንትትብል፥ ኣብ መንገዲ እንትትከይድ እንትትድቅስ እንትትትስእ ዅልሻዕ ዘክሮ፤ ኣስተንትኖውን።
8
ንምልክት ክኾነካ ኣብ ኢድካ እሰሮ፤ ኣብ መንጎ ኣዒንትኻ ኸም ክታብ ይኹነልካ?
9
ኣብ ድርኵዂት ገዛኻን ኣብ ማዕፆ ኣፍ ደገኻን ድማ ፀሓፎ።
10
“ናብታ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ነቦታትኩም፥ ንኣብርሃምን ንይስሓቅን ንያእቆብን፥ ንኣኻትኩም ክህበኩም ዝመሓለሎም ምስ ኣእተወኩም ዘይሰራሕኹምወን ዓበይትን ፅቡቓት ከተማታትን ክህበኩም እዩ።
11
ንስኻትኩም ዘይመላእኹምወን ፅቡቓት ኣቑሑ ዝመልኣ ኣባይትን፥ ዘይኰዓትኩምወን ዒላታትን፥ ዘይተኸልኩምዎ ወይንን ኣውሊዕን ክህበኩም እዩ። ነዝ ዅሉ በሊዕኹም ምስ ፀገብኩም፥
12
ሽዑ ነቲ ኻብ ምድሪ ግብፂ፥ ካብ ቤት ባርነት ዘውፅአኩም እግዚኣብሄር ከይትርስዕዎ ተጠንቀቑ።
13
“ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ፍርሑ፤ ንእኡ ጥራሕ ኣምልኹ፤ ብስሙውን መሓሉ።
14
ነቶም ኣብ ዙርያኹም ዝነብሩ ህዝብታት ዘምልኽዎም ካልኦት ኣማልኽቲ ኣይተምልኹ።
15
ንኻልኦት ኣማልኽቲ እንተ ደኣ ኣምሊኽኩም ግና እቲ ምሳኻትኩም ዘሎ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ቀናእ ኣምላኽ እዩ እሞ፥ ቍጥዓኡ ኣባኻትኩም ነዲዱ ኻብ ገፅ ምድሪ ኸጥፍአኩም እዩ።
16
ከምቲ ኣብ ማሳህ ዝተፈታተንኩምዎ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ኣይትፈታተንዎ።
17
እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ዝሃበኩም ሕግጋቱን ትእዛዛቱን ኣፅኒዕኹም ሓልዉ።
18
ከምቲ እግዚኣብሄር ዝተናገሮ፥ ምእንቲ ሰናይ ክኾነልኩም፥ ንዅሎም ፀላእትኹም ካብ ቅድሜኹም ክሰጎም፥ ናብታ እግዚኣብሄር ነቦታትኩም ዝመሓለሎም ፍርያም ምድሪ ኸዓ ኽትኣትዉን ክትወርስዋን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ቅኑዕን ሰናይን ግበሩ።
20
“ብዳሕረዋይ ዘመን ‘እዝ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ዝኣዘዘኩም ትእዛዛትን ሕግጋትን ፍርድታትን እንታይ እዩ?’ ኢሎም ደቅኹም እንተ ጠየቑኹም፥
21
ንስኻትኩም ‘ኣብ ግብፂ ባሮት ፈርዖን ነበርና፤ እግዚኣብሄር ከዓ ብሓያል ኢድ ካብ ግብፂ ኣውፅአና።
22
እግዚኣብሄር ድማ ኣብ ግብፂ፥ ኣብ ፈርዖንን ኣብ ኵሉ ቤቱን፥ ንሕና እናረአና ዓቢይን ዘስካሕክሕ ምልክትን ተኣምራትን ገበረ።
23
ንኣና ግና፥ ናብታ ነቦታትና ዝመሓለሎም ምድሪ ምእንቲ ኸእትወናን ክህበናን፥ ካብ ግብፂ ኣውፅአና።
24
ምሉእ ዕድሜና ምእንቲ ሰናይ ክኾነልና፥ ከምዝ ሎሚ ዘሎናዮ ኸዓ ምእንቲ ብህይወት ከንብረና፥ እግዚኣብሄር ነዝ ዅሉ ትእዛዛት ክንፍፅም፥ ንእኡ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽናውን ክንፈርሖ ኣዘዘና።
25
ከምቲ ንሱውን ዝኣዘዘና፥ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽና እግዚኣብሄር ንኽንፍፅሞ ንዅሉ እዝ ትእዛዛት እዙይ እንተ ሓለና ንኣና ፅድቂ ክኾነልና እዩ’ በልዎም።”
← Chapter 5
Chapter 7 →