bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Deuteronomy 5
Deuteronomy 5
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ሙሴ ድማ ንዅሎም ህዝቢ እስራኤል ፀዊዑ፥ ከምዙይ በሎም፦ ኦ ህዝቢ እስራኤል! እዝ ኣነ ሎሚ ኣብ ኣእዛንኩም ዝነግረኩም ዘለኹ ሕግጋትን ፍርድታትን ስምዑ፤ ተምሃርዎን ሓልውዎን ግበርዎን።
2
እግዚኣብሄር ኣምላኽና ኣብ ኮሬብ ምሳና ኺዳን ኣተወ።
3
እግዚኣብሄር እዝ ኺዳን እዙይ፥ ምሳና ሎሚ ብህይወት ምስ ዘለናውን እምበር ምስ ኣቦታትና ጥራሕ ኣይኣተዎን።
4
እግዚኣብሄር ኣብቲ እምባ ኣብ ማእኸል ሓዊ ኾይኑ ገፅ ንገፅ ተዛረበኩም።
5
ሽዑ ሓዊ ፈሪሕኹም ናብቲ እምባ ስለ ዘይደየብኩም፥ እቲ እግዚኣብሄር ዝተዛረቦ ምእንቲ ኽነግረኩም፥ ኣብ መንጎ እግዚኣብሄርን ኣብ መንጎኻትኩምን ቆምኩ። እግዚኣብሄር ከዓ ኸምዙይ በለ፦
6
ካብ ምድሪ ግብፂ፥ ካብ ቤት ባርነት ዘውፃእኹኻ፥ ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ እየ።
7
ብዘይ ኣነ ካልኦት ኣማልኽቲ ኣይሃልዉኻ።
8
ኣብ ላዕሊ ኣብ ሰማይ ካብ ዘሎ፥ ኣብ ታሕቲ ኣብ ምድሪ ኻብ ዘሎ፥ ወይ ኣብ ትሕቲ ምድሪ ኣብ ማይ ካብ ዘሎ ናይ ዝኾነ ምስሊ፥ ዝተቐረፀውን ምስሊ ንኣኻ ኣይትግበር።
9
ኣይትስገደሎም፤ ኣይተምልኮምውን። ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ፥ ንዝፀልኡኒ ሓጢኣት ኣቦታት ኣብ ውሉድ፥ ክሳዕ ሳልሳይን ራብዓይን ትውልዲ ዝቐፅዕ፥ ቀናእ ኣምላኽ እየ።
10
ንዝፈትዉኒ፥ ትእዛዛተይውን ንዝሕልዉ ኸዓ ኽሳዕ ሽሕ ትውልዲ ምሕረት ዝገብር እየ።
11
እግዚኣብሄር፥ ንስሙ ብኸንቱ ዘልዕል ካብ ሓጢኣት ኣየንፅሆን እዩ እሞ፥ ስም እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ብኸንቱ ኣይተልዕል።
12
ከምቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዝኣዘዘካ፥ ንመዓልቲ ሰንበት ቅድስቲ ጌርካ ሓልዋ።
13
ሽዱሽተ መዓልቲ ስራሕ፥ ኵሉ ተግባርካ እውን ግበር።
14
እታ ሻውዐይቲ መዓልቲ ግና ናተይ ናይ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ሰንበት እያ። ብኣኣ ኣገልጋሊኻን ኣገልጋሊትካንውን ከማኻ ምእንቲ ኸዕርፉስ፥ ንስኻን ወድኻን ጓልካን ኣገልጋሊኻን ኣገልጋሊትካን ብዕራይካን ኣድግኻን ኵሉ እንስሳኻን ኣብ ውሽጢ ገዛኻ ዘሎ ጓናን ከቶ ኣይትስርሑ።
15
ንስኻ ድማ ኣብ ሃገር ግብፂ ባርያ ኸም ዝነበርካ፥ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኸዓ ብፅንዕቲ ኢድን ብሓያል ቅልፅምን ካብኣ ኸም ዘውፅአካ ዘክር፤ ስለዙይ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ፥ መዓልቲ ሰንበት ክትሕሉ ኣዘዘካ።
16
ኣብታ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዝህበካ ምድሪ ዕድሜኻ ምእንቲ ኽነውሕ፥ ሰናይውን ክኾነልካን፥ ከምቲ ኣምላኽካ እግዚኣብሄር ዝኣዘዘካ፥ ኣቦኻን እኖኻን ኣኽብር።
17
ኣይትቕተል።
18
ኣይትዘሙ።
19
ኣይትስረቕ።
20
ኣብ ልዕሊ ብፃይካ ብሓሰት ኣይትመስክር።
21
ሰበይቲ ብፃይካ ኣይትመነ። ቤት ብፃይካ፥ ግራቱ ወይ ኣገልጋሊኡ ወይ ኣገልጋሊቱ፥ ብዕራዩ ወይ ኣድጉ ወይ ናይ ብፃይካ ዝኾነ ዅሉ ኣይትመነ።
22
እዘን ትእዛዛት እዚኣተን እግዚኣብሄር ኣብቲ እምባ፥ ኣብ ማእኸል ሓዊን ደመናን ፀልማትን፥ ኮይኑ ዓው ኢሉ ንዅላ ማሕበርኩም ዝተዛረበን እየን፤ ካልእ ኣይወሰኸን። ኣብ ክልተ ፅላት እምኒ ፅሒፉ ኸዓ ንኣይ ሃበኒ።
23
ኵሉ እቲ እምባ ብሓዊ ኽነድድ እንተሎ፥ ካብቲ ውሽጢ ፀልማት ድምፂ ምስ ሰማዕኹም፥ ንስኻትኩምን፥ ኣሕሉቕ ነገዳትኩምን ሽማግለታትኩምን ናባይ ቀረብኩም።
24
ንስኻትኩም ከዓ ንኣይ “እንሆ፥ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ኽብረቱን ዕቤቱን ኣርኣየና፤ ድምፁውን ካብ ማእኸል ሓዊ ሰማዕና፤ ኣምላኽ ምስ ሰብ ክዛረብ እሞ፥ ሰብ ምስ ኣምላኽ ተዛሪቡስ ብህይወት እንትነብር፥ ሎሚ ርኢና፥
25
ሕዚኸ ስለ ምንታይ እንመውት? እዝ ዓብዪ ሓዊ ክበልዐና እዩሞ፤ ድምፂ እግዚኣብሄር ኣምላኽና መሊስና እንተ ሰሚዕና፥ ክንመውት ኢና።
26
ካብ ኵሉ ስጋ ዝለበሰ፥ ድምፂ ህያው እግዚኣብሄር ካብ ማእኸል ሓዊ እንትዛረብ ሰሚዑ ብህይወት ዝነበረ መን ኣሎ?
27
ንስኻ ቕረብ፤ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ዝብሎ ዅሉ ድማ ስማዕ፤ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ዝነገረካ ዅሉውን ንስኻ ንገረና፤ ንሕና ኸዓ ሰሚዕና ኽንፍፅሞ ኢና” በልኩምኒ።
28
ክትዛረቡኒ እንተለኹም ድማ፥ እግዚኣብሄር ነቲ ዝተዛረብኩምዎ ሰምዖ፤ እግዚኣብሄርውን ከምዙይ በለኒ፦ ነቲ እዞም ህዝቢ ዝተዛረቡኻ ቓል ሰሚዐዮ ኣለኹ። ኵሉ እቲ ዝተዛረብዎ ሰናይ እዩ።
29
ንኣኣቶምን ንደቆምን ንዘለኣለም ምእንቲ ሰናይ ክኾነሎም፥ ክፈርሑንን ኵሉ ትእዛዛተይውን ክሕልዉን፥ ከምዙይ ዝበለ ልቢ እንተ ዝህልዎም መን ምሃበ!
30
ኪድ፤ ናብ ድንኳናትኩም ተመለሱ፥ በሎም።
31
ንስኻ ግና፥ ኣብታ ኣነ ንርስቲ ዝህቦም ምድሪ ኽሕልውዎ ዘለዎም፥ እትምህሮም ሕግታተይን ትእዛዛተይን ፍርድታተይን ክነግረካ፥ ኣብዙይ ኣብ ጥቓይ ደው በል።
32
እምበኣር ከምቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ዝኣዘዘኩም ክትገብሩ ተጠንቀቑ። ካብኡ ንየማን ኮነ ንፀጋም ኣይትበሉ።
33
ኣብታ እትወርስዋ ምድሪ ምእንቲ ብህይወት ክትነብሩ፥ ምእንቲ ሰናይ ክኾነልኩም፥ ዕድሜኹም ድማ ምእንቲ ኽነውሕ፥ በቲ ዅሉ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ዝኣዘዘኩም መንገዲ ኺዱ።
← Chapter 4
Chapter 6 →