bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Deuteronomy 32
Deuteronomy 32
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
“ክዛረብ እየ እሞ፥ ሰማያት ፅን በሉ፤ ምድሪ ኸዓ ቓል ኣፈይ ትስማዕ።
2
ትምህርተይ ከም ዝናም ይኻፊ፤ ዘረባይ ከዓ ኸም ዛዕዛዕታ ይውረድ፤ ከም ጥምቕ ኣብ ልዕሊ ለምለም፥ ከም ብርቱዕ ዝናም ኣብ ልዕሊ ሳዕሪ ይውረድ።
3
ስም እግዚኣብሄር ክፅውዕ እየ እሞ፥ ንኣምላኽና ልዕልና ሃቡ።”
4
“ንሱ ኣምላኽ እዩ፤ ግብሩ ኸዓ ፍፁም እዩ፤ ኵሉ መንገዱ ድማ ሓቂ እዩ፤ ክፍኣት ዘይብሉ እሙን ኣምላኽ እዩ፤ ንሱ ፃድቕን ቅኑዕን እዩ።
5
ንሳቶም ኣብ ቅድሚኡ እሙናት ኮይኖም ኣይተረኽቡን፤ ረኺሶም እዮም እሞ ደጊም ደቁ ኣይኮኑን፤ ንሳቶምስ ከዳዓትን ቀይናናትን ትውልዲ እዮም።
6
ኣታ ዓሻን ዘይለባምን ህዝቢ፥ ንእግዚኣብሄርዶ እዙይ ትፈድዮ? እቲ ዝፈጠረካ ኣቦኻኸ ንሱዶ ኣይኮነን? ዝፈጠረካን ዘቖመካን ንሱዶ ኣይኮነን?”
7
“ነተን ጥንታውያን መዓልቲታት ዘክር፤ ነቶም ቀደም ዝሓለፉ ትውልድታት፥ ኣስተብህል፤ ነቦኻ ጠይቆ፤ ንሱ ኸዓ ኽነግረካ እዩ፤ ዓበይትኻውን ክነግሩኻ እዮም።
8
እቲ ልዑል ንህዝብታት ርስቲ ምስ ኣውረሶም፥ ንደቂ ኣዳም ምስ ፈላለዮም፥ ከም ቍፅሪ መላእኽቲ ወሰናት ህዝብታት መደበ።
9
ግደ እግዚኣብሄር ህዝቡ እዩ፤ ያእቆብ ድማ ኽፍሊ ርስቱ እዩ።”
10
“ኣብ ፅምዊ ባድማ በረኻ፥ ኣራዊት ዘድምፀሉ፥ ኣብ ምድረ በዳ ረኸቦ፤ ከበቦን ተኸናኸኖን ከም ብሌን ዓይኒውን ሓለዎ።
11
ንስሪ ንጨቓዊቱ ምንፋር ከም ዝምህር ኣብ ልዕሊኣቶም ከዓ ኸም ዝዝምቢ፥ ኣኽናፉ ዘርጊሑ ወሰዶም፤ ብኣኽናፉ ኸዓ ፆሮም።
12
እግዚኣብሄር በይኑ መርሖም፤ ምስኡ ባዕዲ ኣምላኽ ኣይነበረን።”
13
“ናብ ልዕሊ በሪኽ ምድሪ ኣደየቦ፤ ፍረ ገራሁ ኣብልዖ፤ ካብ ኰዅሒ መዓር ኣፅገቦ፤ ካብ ተሪር ኰዅሒ ኸዓ ዘይቲ።
14
ጠስሚ ላሕምን ፀባ በጊዕን ምስ ስቡሕ ማጕላን፥ ማጓሉ ባሳንን ኣጣልን ምስ ስብሒ ፍቱግ ስርናይ፥ ካብ ደም ኣስካል ከዓ ወይኒ ኣስተዮ።”
15
“ያእቆብ ግና በልዐ ሃጠረ እሞ ተራግሐ፤ ሰብሐ፥ ገዘፈ፥ ሰፍሐ፤ ሽዑ ነቲ ዝፈጠሮ ኣምላኽ ሓደጎ፤ ንኰዅሒ ምድሓኑ ነዓቖ።
16
ብባዕዳን ኣማልኽቲ ኣቕንእዎ፤ ብርኵሰቶምውን ኣቘጥዕዎ።
17
ኣምላኽ ንዘይኮኑ ኣጋንንቲ፥ ንዘይፈለጥዎም ኣማልኽቲ፥ ኣቦታቶም ንዘይፈርሕዎም፥ ደሓር ንዝመፁ ሓደስቲ ኣማልኽቲ ሰውኡ።
18
ንዝወለዶም ብርቱዕ መድሓኒ፥ ሓደግዎ፤ ንዝፈጠሮም ኣምላኽውን ረስዕዎ።”
19
“ኣወዳቱን ኣጓላቱን ስለ ዘቘጥዕዎ፥ እግዚኣብሄር ከዓ ሪኡ ደርበዮም።
20
በለ ድማ፦ ‘ንሳቶም ከዳዓት ትውልዲ፥ እምነት ዘይብሎም ውሉድ እዮም እሞ፥ ገፀይ ክሓብአሎም እየ፤ መወዳእታኦም እንታይ ምዃኑ ኽርኢ እየ።’
21
ንሳቶም ኣምላኽ ብዘይኮነ ኣቕንኡኒ፤ ብኸንቱ ጣዖታቶምውን ኣቘጥዑኒ፤ ኣነ ኸዓ ህዝቢ ብዘይኮነ ኸቕንኦም፥ ብዓሻ ህዝቢ እውን ከቘጥዖም እየ።
22
ብቝጥዓይ ሓዊ ነዲዱ እዩ እሞ፥ ክሳዕ ታሕተዋይ ሲኦል ክነድድ እዩ፤ ንምድሪ ምስ ፍሪኣ ኽበልዓ እዩ፤ መሰረታት እምባ ድማ ኸቃፅል እዩ።”
23
“ክፉእ ኣብ ልዕሊኣቶም ክእክብ እየ፤ ብፍላፃይውን ክወግኦም እየ።
24
ብጥሜት ክምንምኑ እዮም፤ ብረስኒ ዓሶን ብመሪር ፌራን ክሃልቁ እዮም፤ ኣስናን ኣራዊት፥ ምስ ሕንዚ ተመን ክሰደሎም እየ።
25
ሰይፊ ኣብ ወፃኢ፥ ኣብ ውሽጢ ቤትውን ፍርሓት፥ ንጐበዝን ንጐርዞን፥ ንዝጠቡ ምስ ሽማግለ ኽውድኦም እየ።
26
ፈፂመ ኽድምስሶም፥ መዘከርታኦም ካብ ማእኸል ሰብ ከጥፍእ እየ በልኩ።
27
ግና ፀላእቱ ምእንቲ ከይዕበዩ፦ ነዝ ዅሉ እታ ብርትዕቲ ኢድና ደኣ እምበር፥ እግዚኣብሄር ኣይኮነን ዝገበሮ፥ ከይብሉ፥ ቍጥዓ ፀላእቱ ፈራሕኹ።”
28
“ምኽሪ ዝጠፍኦም ህዝቢ እዮም፤ ምስትውዓል ከዓ የብሎምን።
29
ኣእምሮ እንተ ዝህልዎም ነዙይ መስተውዓሉ ነይሮም፤ መወዳእታኦምውን ምሓሰቡ ነይሮም።
30
ኣምላኾም እንተ ዘይሸጦም፥ እግዚኣብሄር ከዓ ኣሕሊፉ እንተ ዘይህቦምስ ከመይ ገይሩ ደኣ ሓደ ንሽሕ ይሰጎም? እቶም ክልተኸ ንዓሰርተ ሽሕ ከመይ ገይሮም የህድምዎም?
31
ኣምላኽና ከም ኣማልኽቶም ኣይኮነን፤ ፀላእትናውን ሰናፋት እዮም።
32
ወይኖም ካብ ወይኒ ሰዶምን ካብ ግራት ገሞራን እዩ እሞ፥ ዘቢቦም መርዛም ዘቢብ፥ ኣስካሎም ድማ መሪር እዩ፤
33
ወይኖም ሕንዚ ገበል እዩ፤ እቲ ዝበርትዐ ሕንዚ መንደላይ ተመን እዩ።”
34
እዙይ ኣባይ ተዓቚሩዶ ኣይኮነን? ኣብ መዝገበይ ከዓ ተሓቲሙዶ ኣይኮነን?
35
ምፍዳይ ሕነ ናተይ እዩ እሞ ኽፈድዮም እየ፤ እግሮም ዝሰናኸለሉ እዋን ክመፅእ እዩ፤ መዓልቲ ዕንወቶም ቀረባ እዩ፤ ጥፍኣቶም ከዓ ቐልጢፉ ይመፅእ ኣሎ።
36
ሓይሎም ከም ዝደኸመ፥ እተዓፅወን እተሓደገን ከም ዘየሎ ምስ ረአየ፥ እግዚኣብሄር ንህዝቡ ኽብይን እዩ፤ ንባሮቱ ኸዓ ኽርህርሀሎም እዩ።
37
ሽዑ እግዚኣብሄር ከምዙይ ኢሉ ኽጥይቖም እዩ፦ እቶም ኣማልኽትኹም ኣበይ ኣለዉ? እቲ እትእመንዎ መዕቘቢ ኣበይ ኣሎ?
38
እቶም ስብሒ መስዋእቲ ሕሩድኩም ዝበልዑ፥ ወይኒ መስዋእቲ መስተኹም ዝሰተዩኸ ኣበይ ኣለዉ? ይተስኡ እሞ ይርድኡኹም፤ መፀግዒውን ይኹኑኹም።
39
ኣነ ሕዚ እውን ኣነ በይነይ ከም ዝኾንኩ፥ ብዘይ ዝኣይ ካልእ ኣምላኽ ከም ዘየለ ድማ ሕዚ ርአዩ፤ ኣነ እቐትል፥ ህያው ከዓ እገብር፤ ኣነ አቝስል፥ እፍውስ ድማ እየ፤ ካብ ኢደይ ዘምልጥ ከዓ የለን።
40
ኢደይ ንሰማይ ኣልዕል እሞ፥ ኣነ ንዘለኣለም ህያው እየ።
41
ነቲ ዘንበልብል ሰይፈይ ምስ ሰሓልኩ፥ ፍርዲ ኸውፅእ ኸዓ ምስ ሓዝክዎ፥ ንተፃረርተይ ክብቀሎም እየ፤ ንዝፀልኡኒውን ሕነ ኽፈድዮም እየ።
42
ካብ ደም ቅቱላትን ምሩኻትን፥ ንፍላፃታተይ ብደም ከስክረን እየ፤ ሰይፈይ ድማ ኻብ ርእሲ መራሕቲ እቲ ፀላኢ፥ ስጋ ኽቘራርፅ እዩ።
43
“ንደም ባሮቱ ተበቂሉ፥ ንመፃርርቱ ሕነ ኽፈዲ፥ ንምድሩ፥ ንህዝቡ ኽዕረቕ እዩ እሞ፥ ኣቱም ህዝብታት፥ ምስ ህዝቡ ተሓጐሱ።”
44
ሙሴ ድማ፥ ምስ ኢያሱ ወዲ ነዌ መፂኡ ዅሉ ቓል እዝ መዝሙር እዙይ ንህዝቢ ተዛረበ።
45
ሙሴ ንዅሉ እዝ ነገር እዙይ፥ ንዅሉ ህዝቢ እስራኤል ተዛሪቡ ምስ ወድአ፥
46
“ኵሉ እዝ ኣነ ሎሚ ዝነግረኩም ዘለኹ ቓል፥ ደቅኹም ተጠንቂቖም ንኽሕልውዎ ምእንቲ ኽትእዝዝዎም፥ ኵሉ ቓል እዝ ሕጊ እዙይ ኣብ ልብኹም ኣንብርዎ።
47
እዝ ቓል እዙይ ህይወትኩም እዩ እምበር፥ ከንቱ ቓል ኣይኮነን፤ ኣብታ ንስኻትኩም ንዮርዳኖስ ተሳጊርኩም ክትወርስዋ ዘለኩም ምድሪ ድማ በዝ ቓል እዙይ ዕድሜኹም ክተንውሑ ኢኹም፤” በሎም።
48
እግዚኣብሄር ድማ በታ መዓልቲ እቲኣ ንሙሴ ኸምዙይ በሎ፦
49
“ናብዝ ኣብ መንፅር ኢያሪኮ፥ ኣብ ምድሪ ሞኣብ ዘሎ እምባ ዓባሪም፥ ናብ እምባ ናባው፥ ደይብ እሞ ነታ ኣነ ንደቂ እስራኤል ንርስቲ ዝህቦም ምድሪ ከነዓን ረአያ።
50
ከምቲ ኣሮን ሓውካ ኣብ እምባ ሆር ዝሞተ፥ ንስኻ ድማ ኣብቲ እትድይቦ እምባ ሙት።
51
እዝ ኣብ ማይ ጐይቊ፥ ኣብ ቃዴስ ኣብ ምድረ በዳ ሲን ኣብ ቅድሚ ደቂ እስራኤል ስለ ዘይተኣዘዝኩምኒ፥ ኣብ ቅድሚ ደቂ እስራኤል ከዓ ስለ ዘይቀደስኩምኒ፥
52
ነታ ኣነ ንደቂ እስራኤል ዝህቦም ምድሪ ኣማዕዲኻ ኽትሪኣ ኢኻ እምበር ናብኣስ ኣይትኣቱን ኢኻ፤” በሎ።
← Chapter 31
Chapter 33 →