bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Deuteronomy 31
Deuteronomy 31
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ሙሴ ንህዝቢ እስራኤል ከምዙይ በሎም፦
2
“ኣነ ሎሚ ወዲ ሚእትን ዕስራን ዓመት እየ፤ ደጊም ክወፅእን ክኣቱን ኣይክእልን። እግዚኣብሄር ድማ ‘ነዝ ዮርዳኖስ ኣይትሳገሮን ኢኻ’ ኢሉኒ እዩ።
3
እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ቀቅድሜኹም ክሳገር እዩ፤ ንሱ ነዞም ኣህዛብ እዚኣቶም ካብ ቅድሜኹም ከጥፍኦም እዩ። ንስኻትኩምውን ምድሮም ክትወርሱ ኢኹም። ከምቲ እግዚኣብሄር ዝበሎ ኸዓ ኢያሱ ኽመርሐኩም እዩ።
4
እግዚኣብሄር፥ ከምቲ ንነገስታት ኣሞራውያን፥ ሴዎንን ኦግን፥ ምስ ምድሮም ዘጥፍኦም፥ ነዞም ህዝቢ እዚኣቶም ከዓ ኸምኡ ኽገብሮም እዩ።
5
እግዚኣብሄር ኣብ ኢድኩም ኣሕሊፉ ኽህበኩም እዩ፤ ከምቲ ዅሉ ዝኣዘዝኩኹም ከዓ ግበርዎም።
6
እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ምሳኻትኩም ክኸይድ እዩ፤ ኣይጠልመኩምን፤ ኣይሓድገኩምንውን እዩ። ስለዙይ ፅንዑ፤ ትብዑ፤ ኣይትፍርሑ፤ ብኣኣቶም ኣይትሸበሩ።”
7
ሙሴ ድማ ንኢያሱ ፀዊዑ ኣብ ቅድሚ ዅሎም ህዝቢ እስራኤል “ንስኻ ምስ እዝ ህዝቢ እዙይ፥ ናብታ እግዚኣብሄር ነቦታቶም ክህቦም ዝመሓለሎም ምድሪ ኽትኣቱ፥ ንስኻ ድማ ኽተውርሶም ኢኻ እሞ ፅኑዕን ተባዕን ኩን።
8
እግዚኣብሄር ቀቅድሜኻ ክኸይድ እዩ፤ ምሳኻ ክኸውን እዩ፤ ኣይጠልመካን እዩ፤ ኣይሓድገካንውን እዩ። ስለዙይ ኣይትፍራሕ፤ ኣይትደንግፅ” በሎ።
9
ሙሴ ድማ እዝ ሕጊ እዙይ ፅሒፉ፥ ነቶም ታቦት ኪዳን እግዚኣብሄር ዝፆሩ ኻህናት ደቂ ሌዊን ንዅሎም ዓበይቲ እስራኤልን ሃቦም።
10
ከምዙይ ኢሉ ኸዓ ኣዘዞም “ኣብ ሸሸውዓተ ዓመት መወዳእታ፥ በታ ዕዳ ዝመሓረላ ዓመት፥ ብበዓል ዳስ፥
11
ኣብታ ዝሓረያ ቦታ ዅሎም ህዝቢ እስራኤል ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ክሰግዱ ምስ መፁ፥ ነዝ ሕጊ እዙይ ኣብ ቅድሚ ዅሎም እስራኤል ኣንብቦ።
12
ምእንቲ ኽሰምዑን ክመሃሩን እሞ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ክፈርሕዎ፥ ንቓል እዝ ሕጊ እዙይ ከዓ ተጠንቂቖም ምእንቲ ኽሕልውዎ፥ ንሰብኡትን ኣንስትን ቈልዑን ኣብ ከተማታትኩም ንዝነብሩ ባዕዳንን፥ ኣክብዎም።
13
በዝ መንገዲ እዙይ እቶም ነዝ ሕጊ እዙይ ዘይፈልጡ ደቆም ክሰምዑን ክመሃሩን እዮም። ኣብታ ንዮርዳኖስ ሰጊርኩም ክትወርስዋ ዘለኩም ምድሪ ብዅሉ ዘመን ህይወቶም ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ክእዘዝዎ እዮም።”
14
እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ፥ “እትሞተላ መዓልቲ ቐሪባ ኢያሞ፥ ንኢያሱ ናባኻ ፀውዓዮ፤ ኣነ ምእንቲ ኽእዝዞ ኸዓ ኣብታ መራኸቢ ድንኳን ቁሙ” በሎ። ሙሴን ኢያሱን ድማ ኣብታ መራኸቢ ድንኳን ቆሙ።
15
እግዚኣብሄር ከዓ ኣብቲ መራኸቢ ድንኳን ብዓምዲ ደመና ተርኣየ። እቲ ዓምዲ ደመና ኸዓ ኣብ ልዕሊ ኣፍ ደገ እቲ መራኸቢ ድንኳን ቆመ።
16
እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዙይ በሎ፦ “እንሆ ንስኻ ኽትመውት ኢኻ፤ ብድሕሬኻ ኸዓ እዞም ህዝቢ እዚኣቶም ክጠልሙኒ እዮም፤ ደድሕሪ እቶም ኣማልኽቲ ናይታ ዝኣትዉዋ ዘለዉ ምድሪ ኽስዕቡ እዮም። ንኣይ ክሓድጉኒ፥ ነቲ ምስኣቶም ዝኣተኹዎ ኺዳን እውን ከፍርስዎ እዮም።
17
በታ መዓልቲ እቲኣ ቝጥዓይ ኣብኣቶም ክነደድ እዩ፤ ክሓድጎም፥ ገፀይውን ክሓብአሎም እየ፤ ክጠፍኡ ድማ እዮም፤ ብዙሕ ጕድኣትን መከራን ክረኽቦም እዩ እሞ፥ በታ መዓልቲ እቲኣ ‘ኣምላኽና ምሳና ስለ ዘየሎዶ ኣይኮነን እዝ ጕድኣት እዙይ ረኺቡና ዘሎ?’ ኽብሉ እዮም።
18
በቲ ዅሉ ንኻልኦት ኣማልኽቲ ብምስጋድ ዝገበርዎ ኽፉእ ኸዓ፥ በታ መዓልቲ እቲኣ ገፀይ ፈፂመ ኽሓብእ እየ።
19
“ሕዚ ኸዓ እዝ መዝሙር እዙይ ፀሓፎ እሞ፥ ንደቂ እስራኤል መሃሮም፥ ኣብ ደቂ እስራኤል ምስክር ምእንቲ ክኾነኒ ኸዓ ኸም ዝዝምርዎ ግበር።
20
ናብታ ነቦታቶም ዝመሓልኩሎም፥ ፀባን መዓርን እተውሕዝ ምድሪ ምስ ኣእተኹዎም፥ በሊዖምውን ምስ ፀገቡን ምስ ሃጠሩን፥ ናብ ካልኦት ኣማልኽቲ ኽምለሱን ከምልኽዎምን እዮም። ንኣይ ግና ኽንዕቑኒ ኺዳነይውን ከፍርሱ እዮም።
21
ብዙሕ ጕድኣትን ጭንቕን ምስ ረኸቦም፥ እዝ መዝሙር እዙይ ኣብ ቅድሚኣቶም ክምስክረለይ እዩ፤ ካብ ኣፍ ደቆም ኣይርሳዕን እዩ እሞ፥ ናብታ ዝመሓልኩሎም ምድሪ ገና እንተየእተኹዎም እኳ፥ እቲ ሎሚ ዝሓስቡዎ ዘለዉ እፈልጥ እየ።”
22
ሙሴ ድማ በታ መዓልቲ እቲኣ እዝ መዝሙር እዙይ ፀሓፈ፥ ንደቂ እስራኤል ከዓ መሃሮም።
23
እግዚኣብሄር ድማ ንኢያሱ ወዲ ነዌ፥ “ንስኻ ኢኻ ንደቂ እስራኤል ናብታ ዝመሓልኩሎም እተእትዎም እሞ ፅኑዕን ተባዕን ኩን፤ ኣነውን ምሳኻ ክኸውን እየ” ኢሉ ኣዘዞ።
24
ሙሴ ንቓል እዝ ሕጊ እዙይ ኣብ መፅሓፍ ፅሒፉ ምስ ወድአ፥
25
ሙሴ ነቶም ታቦት ኪዳን እግዚኣብሄር ዝፆሩ ሌዋውያን ከምዙይ ኢሉ ኣዘዞም፦
26
“ነዝ መፅሓፍ እዙይ ወሲድኩም ኣብ ጥቓ ታቦት ኪዳን እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ኣንብርዎ፤ ኣብኡ ኸዓ ንምስክር ይኹንኩም።
27
ኣነ ኽድዓትኩምን ትሪ ኽሳድኩምን እፈልጥ እየ እሞ፥ እንሆ፥ ሎሚ ገና ብህይወተይ ምሳኻትኩም እንተለኹ፥ ንእግዚኣብሄር ካብ ከዳዕኹምዎስ፥ ድሕሪ ሞተይ እውን ዝገደደ ኽትገብሩ ኢኹም።
28
ሕዚ ኸዓ ዓበይቲ ነገዳትኩምን ኣሕሉቕኩምን ኣክቡለይ፤ እዝ ነገር እዙይ ድማ ኽዛረቦም እየ፤ ሰማይን ምድርን ከዓ ምስክረይ ክኾኑ እዮም።
29
ድሕሪ ሞተይ ብርግፅ ንባዕልኹም ከም እተርክሱ፥ ካብታ ዝኣዘዝኩኹም መንገዲ ድማ ኸም እተግልሱ፥ እፈልጥ ኣለኹ እሞ፥ ንእግዚኣብሄር ብግብሪ ኣእዳውኩም ንኽተቘጥዕዎ ኣብ ቅድሚኡ ኽፉእ ስለ እትገብሩውን፥ ብዳሕረዋይ ዘመን ጕድኣት ክረኽበኩም እዩ።”
30
ሙሴ ድማ ንዅሉ ህዝቢ እስራኤል፥ ቃል እዝ መፅሓፍ እዙይ ክሳዕ ዝውዳእ ነገሮም።
← Chapter 30
Chapter 32 →