bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Deuteronomy 33
Deuteronomy 33
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
እቲ ናይ እግዚኣብሄር ሰብ ዝኾነ ሙሴ፥ ቅድሚ ሞቱ ንደቂ እስራኤል ከምዙይ ኢሉ ባረኾም፦
2
“እግዚኣብሄር ካብ ሲና መፀ፤ ካብ ሴይር ድማ ኣብ ልዕሊኣቶም ወረደ፤ ካብ እምባ ፋራን ኣንፀባረቐ፤ ምስ ኣእላፍ ቅዱሳኑ መፀ፤ ካብ የማናዩ ሓዊ ወፀሎም።
3
እወ፥ ንስኻ ንህዝብታት ተፍቅሮም፤ ኵሎም ቅዱሳንካ ኣብ ኢድካ እዮም፤ ኣብ እግርኻ ይሰግዱ፤ ትእዛዛትካ ድማ ይቕበሉ።
4
ሙሴ ዝሃበና ሕጊ፥ ርስቲ ደቂ እስራኤል ዝኾነ ሕጊ ንሕሉ።
5
ኣሕሉቕ ህዝብን ኵሎም ነገዳት እስራኤልን ምስ ተኣከቡ፥ ንሱ ኣብ እስራኤል ንጉስ ነበረ።”
6
ሙሴ ንነገድ ሮቤል፦ “ሮቤል ይንበር፤ ኣይሙት፤ ሰቡውን ውሑዳት ኣይኹኑ” እናበለ መረቖም።
7
ንነገድ ይሁዳ፦ “ኦ እግዚኣብሄር! ድምፂ ይሁዳ ስማዕ፤ ናብ ህዝቡ ኸዓ ኣእትዎ፤ ኣእዳዉ ይፅንዓሉ፤ ካብ ተፃረርቱ ረዳኢ ኹኖ” እናበለ መረቖም።
8
ንነገድ ሌዊ፦ “ቱሚምካን ኡሪምካን ነቶም ቅዱሳን ሰብካ እዮም፤ ነቶም ኣብ ማሳህ ዝፈተንካዮም፥ ነቶም ኣብ ማይ መሪባ ዝተኸራኸርካዮም እዮም።
9
ብዛዕባ ኣቦኦምን እኖኦምን ኣይረአናን ዝበሉ፥ ነሕዋቶምውን ዘየስተውዓሉ፥ ንደቆም ድማ ዘይፈለጥዎም፥ ቃልካ ሓሊዮም እዮም፤ ኪዳንካውን ኣፅኒዖም ሓዙ።
10
ንያእቆብ ፍርድታትካ፥ ንእስራኤል ድማ ሕግኻ ኽምህሩ፥ ዕጣን ኣብ ቅድሜኻ፥ ምሉእ ዝቃፀል መስዋእቲ እውን ኣብ መሰውኢኻ ኸቕርቡ እዮም።
11
ኦ ጐይታ ሃብቶም ባርኽ፤ ግብሪ ኣእዳዎም ከዓ ተቐበል፤ መሊሶም ከም ዘይትስኡ ጌርካ፥ ሕቘ እቶም ዝፀልእዎም መፃርርቶም ስበር።”
12
ብዛዕባ ብንያም ከምዙይ በለ፦ “ብእግዚኣብሄር ዝተፈተወ፥ ብእኡውን ተኣማሚኑ ይነብር፤ ምሉእ መዓልቲ የፅልለሉ፤ ኣብ መንጎ ማእገሩ ድማ ይሓድር።”
13
ብዛዕባ ዮሴፍ ከምዙይ በለ፦ “ምድሩ ብእግዚኣብሄር ዝተባረኸት ትኹን፤ በቲ ኽቡር ናይ ሰማይ ነገርን ብኣውልን፥ በቲ ኣብ ታሕቲ ዘሎ ቓላይን፥
14
በቲ ኽቡር እቶት ፀሓይ፥ በቲ በዋርሕ ዝበቍል ክቡር ነገር፥
15
በቲ ናይ ጥንታውያን እምባታት ብሉፅ ነገር፥ በቲ ናይ ዘለኣለም ኰረብታታት ዝኸበረ ነገር፥
16
በቲ ናይ ምድሪ ኽቡር ነገርን ምልኣታን፥ በቲ ኣብ ኣሻዅ ቈጥቋጥ ዝነበረ ሞገስውን፥ እዙይ ኣብ ርእሲ ዮሴፍ፥ ኣብ መንበስበስታ እቲ ኻብ ኣሕዋቱ ዝተፈልየ ዮሴፍ ይውረድ።
17
ግርማ ዮሴፍ ከም በዅሪ ኣርሒ እዩ፤ ኣቕርንቱ ኸም ሓደ ዝቐርኑ ሓርሽ እዮም፤ ብኣኣቶም ገይሩ ክሳዕ ወሰናት ምድሪ ንዘለዉ፥ ንዅሎም ኣህዛብ ይወግኦም፤ እዚኣቶም ኣእላፋት ኤፍሬምን ኣሽሓት ምናሴን እዮም።”
18
ብዛዕባ ዛብሎን ከምዙይ በለ፦ “ኣታ ዛብሎን፥ ብምውፃእኻ ደስ ይበልካ፤ ኣታ ይሳኮርውን ኣብ ድንኳናትካ ደስ ይበልካ።
19
ሃብቲ ባሕርን ኣብ ሑፃ ዝተሓብአ መዝገብን ክጠብዉ እዮም እሞ፥ ንህዝብታት ናብ እምባ ኽፅውዑ፥ ኣብኡ መስዋእቲ ፅድቂ ኸቕርቡ እዮም።”
20
ብዛዕባ ጋድ ከምዙይ በለ፦ “እቲ ንጋድ ምድሩ ዘስፍሐ ቡሩኽ ይኹን፤ ጋድ ከም ኣንስተይቲ ኣንበሳ ዓሪፉ፤ ቅልፅምን ርእስን ይሰብር።
21
ግደ ሓለቓ ኣብኡ ተዓቚሩ ነበረ እሞ፥ እቲ ቀዳማይ ክፍሊ ንባዕሉ መረፀ፤ ምስ ኣሕሉቕ ህዝቢ መፀ፤ ምስ እስራኤል ኮይኑ ኸዓ ፅድቂ እግዚኣብሄርን ፍርዱን ፈፀመ።”
22
ብዛዕባ ዳን ኸምዙይ በለ፦ “ዳን ካብ ባሳን ዝዘልል ሽደን ኣንበሳ እዩ።”
23
ብዛዕባ ንፍታሌም ከምዙይ በለ፦ “ንፍታሌም በረኸት እግዚኣብሄር ዝመልኦ፥ ፀጋ ዝፀገበ እዩ፤ ንሱ ደቡብ ባሕሪ ዘሎ ምድሪ ኽወርስ እዩ።”
24
ብዛዕባ ኣሴር ከምዙይ በለ፦ “ኣሴር ብውሉድ፥ ብሩኽ ይኹን፤ በሕዋቱውን ዝተፈተወ ይኹን፤ ኣእጋሩ ኸዓ ኣብ ዘይቲ የጥልቕ።
25
ኣሳእንካ ሓፂንን ነሃስን ይኹን፤ ሓይልኻ ድማ ኸም ምሉእ ዕድሜኻ ይኹን።”
26
ኣታ ይሹሩን፥ ነቲ ረድኤትካ፥ ብልዕልናኡ ኣብ ደመናታትን፥ ኣብ ሰማያትን ንዝነብር ኣምላኽ፥ ዝመስሎ የለን።
27
ዘለኣለማዊ ኣምላኽ መንበሪኻ እዩ፤ ዘለኣለማዊ ቐላፅሙ ድማ ኣብ ትሕቴኻ እየን፤ ንፀላኢኻ ኻብ ቅድሜኻ ኣውፂኡ፥ ኣጥፍኣዮ ይብለካ።
28
እስራኤል ተኣማሚኑ ይነብር፤ እቲ በይኑ ዘሎ ዒላ ያእቆብውን፥ እኽልን ወይንን ኣብ ዘለዎ ምድሪ ይነብር፤ ሰማዩ ድማ ኣውሊ የንጠብጥብ።
29
ኦ እስራኤል! ብፁእ ኢኻ፤ ብእግዚኣብሄር ዝደሓነ ህዝቢ ኸማኻ መን ኣሎ? ንሱ ዋልታ ሓገዝካ፥ ሰይፊ መመክሒኻ እዩ። ፀላእትኻ ኽግዝኡልካ እዮም፤ ንስኻ ድማ ኣብ ልዕሊ በረኽቶም ክትረግፅ ኢኻ።
← Chapter 32
Chapter 34 →