bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Deuteronomy 30
Deuteronomy 30
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
“ኵሉ እዝ ነገር እዙይ ኣብ ቅድሜኹም ዘንበርኩልኩም በረከትን መርገምን ምስ መፀኩም፥ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ኣብቶም ፋሕ ዘበለኩም ኵሎም ኣህዛብ ኴንኩም ከዓ፥ ናብ ልብኹም ተመሊስኩም እንተ ሓሰብኩምዎ፥
2
ከምዝ ሎሚ ኣነ ዝእዝዘኩም ዘለኹ፥ ንስኻትኩምን ደቅኹምን ብምሉእ ልብኹምን ብምሉእ ነፍስኹምን ናብ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እንተ ተመሊስኩም፥ ቃሉ ድማ እንተ ሰሚዕኹም፥
3
ሽዑ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ምርኮኹም ክምልሰልኩም ክርህርሀልኩምውን እዩ፤ ካብቶም ናብኣቶም ፋሕ ኣቢሉኩም ዝነበረ ዅሎም ህዝብታት ከዓ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም መሊሱ ኽእክበኩም እዩ።
4
እቶም ሰጐጕትኹም ክሳዕ ወሰን ምድሪ እኳ እንተ ኣብፅሑኹም፥ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ካብኡ ኽእክበኩም እዩ፤ ካብኡውን ከምፅአኩም እዩ።
5
እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ድማ ናብታ ኣቦታትኩም ዝወረስዋ ምድሪ ኸእትወኩም እዩ፤ ንስኻትኩም ከዓ ኽትወርስዋ ኢኹም እሞ፥ ንሱ ሰናይ ክኾነልኩም፥ ካብ ኣቦታትኩም ድማ ብዝበለፀ ኸብዝሐኩም እዩ።
6
ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ብምሉእ ልብኹምን ብምሉእ ነፍስኹምን ምእንቲ ኽተፍቅርዎ እሞ ብህይወት ክትነብሩስ፥ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ንኣኻትኩምን ንዘርእኹምን ዝእዘዝ ልቢ ኽህበኩም እዩ።
7
እዝ ዅሉ መርገም እዙይ ድማ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ናብቶም ዝፀልኡኹምን ዝሰጕኹምን ፀላእትኹም ክመልሶ እዩ።
8
ንስኻትኩም ድማ ተመሊስኩም ንቓል እግዚኣብሄር ክትሰምዕዎ፥ ነዝ ዅሉ ኣነ ሎሚ ዝእዝዘኩም ዘለኹ ትእዛዛቱ ኸዓ ኽትፍፅምዎ ኢኹም።
9
ቃል እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እንተ ሰሚዕኹም፥ ኣብዝ መፅሓፍ ሕጊ እዙይ ዝተፅሓፈ ትእዛዛቱን ሕግጋቱን ከዓ እንተ ሓሊኹም፥ ናብ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩምውን ብምሉእ ልብኹምን ብምሉእ ነፍስኹምን እንተ ተመሊስኩም፥ እግዚኣብሄር ከምቲ በቦታትኩም ተሓጕስዎ ዝነበረ፥ መሊሱ ንኣኻትኩም ፅቡቕ ብምግባር ክሕጐስ እዩ እሞ፥ እግዚኣብሄር ኵሉ ተግባር ኢድኩምን ውሉድኩምን ፍረ እንስሳኹምን ፍረ ምድሪኹምን ክባርኸልኩም እዩ።
11
“እዝ ኣነ ሎሚ ዝእዝዘኩም ዘለኹ ትእዛዛት፥ ንኣኻትኩም የመና ዘፀግምን ካባኻትኩም ዝረሓቐን ኣይኮነን።
12
ስለዙይ ‘ናብ ሰማይ ዝድይበልናን ዘምፅአልናን ክንገብሮ ኸዓ ዘስምዐና መን እዩ?’ ከይትብሉ ኣብ ሰማይ ኣይኮነን ዘሎ።
13
‘ባሕሪ ዝሳገረልናን ዘምፅአልናን፥ ክንገብሮ ኸዓ ዘስምዐና እሞ መን እዩ?’ ኸይትብሉውን፥ ኣብ ማዕዶ ባሕሪ ኣይኮነን ዘሎ።
14
እቲ ቓል ኣብ ኣፍኩምን ኣብ ልብኹምን የመና ቐረባኹም እዩ ዘሎ፤ ስለዙይ ክትገብርዎ ትኽእሉ ኢኹም።
15
“ረአ፥ ሎሚ ህይወትን በረከትን፥ ሞትን ጥፍኣትን ኣብ ቅድሜኹም ኣንቢረልኩም ኣለኹ።
16
ብህይወት ምእንቲ ኽትነብሩን ክትበዝሑን፥ ኣብታ ኽትወርስዋ እትኣትዉዋ ዘለኹም ሃገር፥ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ምእንቲ ኽባርኸኩም ድማ፥ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ክተፍቅርዎ፥ ብመንገዱ ኸዓ ኽትከዱ፥ ትእዛዛቱን ሕግጋቱን ፍርድታቱን ድማ ኽትሕልዉ፥ ኣነ ሎሚ እእዝዘኩም ኣለኹ።
17
ግና ልብኹም ንድሕሪት እንተ ተመለሰ እሞ ምእዛዝ እንተ ኣበኹም፥ ንኻልኦት ኣማልኽቲ ኽትሰግዱ ኸዓ እንተ ተስሓብኩምን እንተ ኣምለኽኩምዎምን፥
18
ብርግፅ ከም እትጠፍኡ ኣነ ሎሚ እነግረኩም ኣለኹ። ኣብታ ዮርዳኖስ ተሳጊርኩም ክትወርስዋ እትኣትዉዋ ምድሪ፥ መዋእልኩም ክሓፅራ እየን።
19
“ህይወትን ሞትን፥ በረከትን መርገምን ኣብ ቅድሜኹም ኣንቢረልኩም ከም ዘለኹ፥ ሎሚ ሰማይን ምድርን ምስክረይ እዮም። እምበኣር ንስኻትኩምን ዘርእኹምን ብህይወት ምእንቲ ኽትነብሩ፥ ህይወት ምረፁ።
20
እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ህይወትኩም እዩ እሞ፥ ኣብታ ነቦታትኩም ንኣብርሃምን ንይስሓቅን ንያእቆብን ክህቦም ዝመሓለሎም ምድሪ ነዊሕ ዕድመ ኽህበኩም እዩ። ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ኣፍቅርዎ፤ ቃሉ ድማ ስምዑ፤ ናብኡውን ቅረቡ።”
← Chapter 29
Chapter 31 →