bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Deuteronomy 29
Deuteronomy 29
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
እግዚኣብሄር ብዘይ እቲ ኣብ ኮሬብ ምስ ደቂ እስራኤል ዝኣተዎ ኺዳን፥ ኣብ ምድሪ ሞኣብ ከዓ ንሙሴ ምስኣቶም ክኣቱ ዝኣዘዞ ቓል ኪዳን እዙይ እዩ።
2
ሙሴ ድማ ንዅሎም ደቂ እስራኤል ፀዊዑ ኸምዙይ በሎም፦ “እግዚኣብሄር ኣብ ግብፂ ንፈርዖንን ንዅሎም ሹመኛታቱን ንዅላ ምድሩን ዝገበሮ ርኢኹም ኢኹም።
3
እቲ ዓበይቲ ፈተናታትን፥ እቲ ምልክታትን ዓበይቲ ተኣምራትን በዒንትኹም ርኢኹምዎ ኢኹም።
4
ግና እግዚኣብሄር ክሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ እተስተብህሉሉ ልቢ፥ እትሪኡሉ ዓይኒ፥ እትሰምዑሉ እዝኒ ኣይሃበኩምን።
5
ኣርብዓ ዓመት ኣብ ምድረ በዳ መራሕኩኹም፤ ክዳውንትኹም ኣይበለየን፤ ኣሳእንኩምውን ኣይኣረገን።
6
እንጀራ ኣይበላዕኹምን ወይንን ብርቱዕ መስተንውን ኣይሰተኹምን። እግዚኣብሄር ግና፥ ኣምላኽኩም ምዃኑ ምእንቲ ኽትፈልጥዎ፥ ባዕሉ መገበኩም።
7
“ናብዛ ቦታ እዚኣ ምስ መፃእና ኸዓ፥ ሴዎን ንጉስ ሓሴቦንን ዓግ ንጉስ ባሳንን ክዋግኡና ኢሎም ወፁ፤ ንሕና ግና ሰዓርናዮም።
8
ሃገሮም ሓዝና፥ ንነገድ ሮቤልን ንነገድ ጋድን ንፈረቓ ነገድ ምናሴን ርስቲ ሃብናዮም።
9
“ኵሉ እቲ እትገብርዎ ምእንቲ ኽሰልጠኩምስ ንቓል እዝ ኺዳን እዙይ ተጠንቂቕኩም ሓልውዎ።
10
ሎሚ ዅልኻትኩም፥ ኣሕሉቕኩም፥ መራሕቲ ነገዳትኩም፥ ዓበይትኹም፥ ሹመኛታትኩም፥ ኵሎም ሰብኡት ደቂ እስራኤል፥ ኵሎም ደቅኹምን ኣንስትኹምን፥ ኣብ ማእኸልኩም ዝነብሩ ፈለፅቲ ዕንፀይትኹምን፥ ቀዳሕቲ ማይኩም ዝኾኑ ጓኖትን፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ደው ኢልኩም ኣለኹም።
12
ከምቲ ዘተስፈወኩም፥ ከምቲ ነቦታትኩም ንኣብርሃምን ንይስሓቅን ንያእቆብን ዝመሓለሎም ድማ፥ ምእንቲ ኣብ ኪዳን እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም፥ ኣብቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ሎሚ ምሳኻትኩም ብማሕላኡ ዘቖሞ ቃል ኪዳን ምእንቲ ኽትኣትዉ፥ ሎሚ ህዝቡ ገይሩ ኸቑመኩም፥ ንሱ ኸዓ ኣምላኽኩም ክኸውን ኣብዙይ ደው ኢልኩም ኣለኹም።
14
እዝ ኺዳን እዙይን እዝ ማሕላ እዙይን ኣነ ምስቶም ሎሚ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ኣብዙይ ምሳና ቖይሞም ዘለዉን ምስቶም ሎሚ ምሳና ኣብዙይ ዘየለዉንውን እምበር፥ ምሳኻትኩም ጥራሕ ኣይኮንኩን ዘቑሞ ዘለኹ።
16
“ኣብ ግብፂ ኸመይ ከም ዝነበርናን ብማእኸል ኣህዛብ ድማ ኸመይ ከም ዝሓለፍናን ንስኻትኩም ትፈልጡ ኢኹም።
17
እቲ ኣብኣቶም ዝነበረ ብዕንፀይትን ብብሩርን ብወርቅን ዝተሰርሐ ዘፀይፍ ጣዖታቶም ረአኹም።
18
እምበኣር ሰብኣይ ኮነ ሰበይቲ ዓሌት ኮነ ነገድ፥ ሎሚ ልቡ ኻብ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ዝመልስ እሞ ኸይዱ ንኣማልኽቲ እቶም ኣህዛብ እቲኣቶም ዘምልኽ ከይህልወኩም፥ ኣባኻትኩም መርዝን መሪርን ዘብቍል ሱር ጣዖት ከዓ ኸይርከበኩም ተጠንቀቑ።
19
“ንቓል እዝ መርገም እዙይ ሰሚዑ፥ ብልቡ ‘ኣነስ ብትሪ ልበይ ከም ድሌተይ ክኸይድ እየ፤ ኵሉ ነገር ከዓ ሰናይ ክኾነለይ እዩ’ ዝብል ሓደ ኸይህሉ ተጠንቀቑ። እዝ ሰብ እዙይ ንዅልኻትኩም ንሕያዎትን ንኽፉኣትን ናይ ጥፍኣት ምኽንያት ክኸውን ይኽእል እዩ።
20
ነዝ ሰብ እዙይ እግዚኣብሄር ይቕረ ኣይብለሉን እዩ። ክንድኡስ ቍጥዓ እግዚኣብሄርን ቅንኣቱን ኣብ ልዕሊኡ ኽነድድ እዩ። እቲ ዅሉ ኣብዝ መፅሓፍዙይ ተፅሒፉ ዘሎ መርገም ከዓ ኣብ ልዕሊኡ ኽወርድ እዩ፤ እግዚኣብሄር ከዓ ንስሙ ኻብ ትሕቲ ሰማይ ክድምስሶ እዩ።
21
እግዚኣብሄር ድማ ኸምቲ ኣብ መፅሓፍ እዝ ሕጊ እዙይ ተፅሒፉ ዘሎ ዅሉ ናይ ኪዳን መርገም፥ ካብ ኵሎም ነገድ እስራኤል ንጥፍኣት ክፈልዮ እዩ።
22
“ብድሕሬኹም ዝለዓሉ ደቅኹምን ካብ ርሑቕ ሃገር ዝመፁ ባዕዳንን ከዓ ናይዛ ሃገር እዚኣ መዓትን እቲ እግዚኣብሄር ዘምፅአላ ሕማምን ክሪኡ እዮም።
23
ከምቲ እግዚኣብሄር ተቘጢዑን ነዲዱን ንሰዶምን ንገሞራን ንኣዳማን ንሲባዮንን ዝገምጠለን፥ ኵላ እታ ምድሪ ኸይትዝራእን ከይተፍርን ሳዕሪ ኸይተብቍልን፥ ብዲንን ጨውን ዝተቓፀለት ክትከውን እያ።
24
ኵሎም ህዝብታት ድማ ‘ስለ ምንታይ እዩ እግዚኣብሄር ነዛ ሃገር እዚኣ ኸምዙይ ዝገበራ? ስለ ምንታይከ እግዚኣብሄር የመና ዝተቘጥዓ?’ ኽብሉ እዮም።
25
“ከምዙይ ኢሎም ከዓ ኽምልሱሎም እዮም፦ ‘እቲ ኻብ ግብፂ ምስ ኣውፅኦም ምስኣቶም ዝኣተዎ ኺዳን እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦታቶም ስለ ዝሓደጉ እዩ።
26
ከይዶም ከዓ እግዚኣብሄር ኣይትስገዱሎም ኢሉ ንዝኸልከሎም፥ ንዘይፈልጥዎም ንኻልኦት ኣማልኽቲ፥ ስለ ዘምለኹን ስለ ዝሰገዱሎምን እዩ።
27
ስለዙይ እግዚኣብሄር ነዛ ሃገር እዚኣ የመና ተቘጥዓ፥ እቲ ኣብዝ መፅሓፍ እዙይ ዝተፅሓፈ ዅሉ መርገም ድማ ኣውረደላ።
28
እግዚኣብሄር ብዅራን ብንደትን ብዓብዪ ቝጥዓን ካብ ሃገሮም ንቕል ኣቢሉ ኸምዝ ሎሚ ኾይኖምዎ ዘለዉ፥ ናብ ካልእ ሃገር ደርበዮም።’
29
“ኵሉ እቲ ስዉር ነገር ናይ እግዚኣብሄር ኣምላኽና እዩ፥ እቲ ግሉፅ ግና፥ ኵሉ ቓል እዝ ሕጊ እዙይ ምእንቲ ኽንፍፅም፥ ንዘለኣለም ንኣናን ንደቅናን እዩ።
← Chapter 28
Chapter 30 →