bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Deuteronomy 28
Deuteronomy 28
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
“ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እንተ ተኣዚዝኩምዎ፥ እዝ ኣነ ሎሚ ዝእዝዘኩም ዘለኹ ትእዛዛቱ ኸዓ ተጠንቂቕኩም እንተ ሓሊኹምዎ፥ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ኣብ ልዕሊ ዅሎም ህዝብታት ምድሪ ልዕል ከብለኩም እዩ።
2
ንቓል እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እንተ ሰማዕኹም፥ እዝ ዅሉ በረከት ክመፀኩም እዩ፤ ክረኽበኩምውን እዩ፦
3
“ንስኻትኩም ኣብ ከተማ ብሩኻት ክትኮኑ ኢኺም፤ ኣብ ገራሁውን ብሩኻት ክትኮኑ ኢኹም።
4
“ፍረ ከርስኹምን ፍረ ምድሪኹምን ፍረ እንስሳኹምን፥ ምውላድ ኣላሕምኩምን ምፍራይ ኣባጊዕኹምን ከዓ ቡሩኽ ክኸውን እዩ።
5
“መሶብኩምን መልወሲኹምን ቡሩኽ ክኸውን እዩ።
6
“ኣብ ምእታውኩም ብሩኻት ክትኮኑ ኢኹም፤ ኣብ ምውፃእኹምውን ቡሩኻት ክትኮኑ ኢኹም።
7
“ነቶም ዝለዓሉኹም ፀላእትኹም፤ እግዚኣብሄር ኣብ ቅድሜኹም ተስዓርቲ ኽገብሮም እዩ፤ ብሓንቲ መንገዲ ኽመፁኹም እዮም፤ ካብ ቅድሜኹም ድማ ብሸውዓተ መንገዲ ኽሃድሙ እዮም።
8
“እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሌኹምን ቆፎኹምን ኣብ ኵሉ ተግባር ኢድኩምን በረከት ንኽወርድ ክእዝዘልኩም እዩ። ኣምላኽኩም እግዚኣብሄር፥ ኣብታ ዝህበኩም ምድሪ ድማ ኽባርኸኩም እዩ።
9
“ትእዛዛት እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እንተ ሓሊኹም፥ ብመንገዱውን እንተ ኼድኩም፥ እግዚኣብሄር ከምቲ ዝመሓለልኩም ንእኡ ዝተቐደሰ ህዝቢ ገይሩ ኸቑመኩም እዩ።
10
ኵሎም ኣህዛብ ምድሪ ኸዓ ብስም እግዚኣብሄር ከም ዝተፀዋዕኹም ሪኦም ክፈርሑኹም እዮም።
11
ኣብታ እግዚኣብሄር ንኣኻትኩም ክህበኩም፥ ነቦታትኩም ዝመሓለሎም ምድሪ፥ ፍረ ኸርስኹምን ፍረ እንስሳኹምን ፍረ ምድሪኹምን እግዚኣብሄር ኣፀቢቑ ኸብዝሐልኩም እዩ።
12
“ንምድሪኹም ዝናም ብጊዜኡ ምእንቲ ኽህብ እሞ ዅሉ ተግባር ኢድኩም ድማ ኽባርኽ፥ እግዚኣብሄር ንሰማይ፥ ነቲ ፅቡቕ መዝገቡ፥ ክኸፍተልኩም እዩ። ንብዙሓት ህዝብታት ክተለቅሑ ኢኹም፤ ንስኻትኩም ግና ኻብ ዝኾነ ኣይትልቅሑን ኢኹም።
13
ነዝ ኣነ ሎሚ ዝእዝዘኩም ዘለኹ ትእዛዛት እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እንተ ሰሚዕኹምዎ፥ ተጠንቂቕኩም ከዓ እንተ ሓሊኹምዎ፥ ካብዝ ኣነ ሎሚ ዝእዝዘኩም ዘለኹ ዅሉ ነገር፥ ንየማን ወይ ንፀጋም እንተዘየግሊስኩም፥ ክትሰግዱሎምን ከተምልኹዎምን ኢልኩም ደድሕሪ ኻልኦት ኣማልኽቲ እንተ ዘይሰዓብኩም፥ እግዚኣብሄር ርእሲ እምበር ጭራ ኣይገብረኩምን፤ ኵልሻዕ ላዕለዎት እምበር ታሕተዎት ከቶ ኣይትኾኑን ኢኹም።
15
“ግና ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እንተ ዘይተኣዚዝኩም፥ እዝ ኣነ ሎሚ ዝእዝዘኩም ዘለኹ ዅሉ ትእዛዛቱን ሕግጋቱን ንምፍፃም ድማ እንተ ዘይተጠንቂቕኩም፥ እዝ ዅሉ መርገም ክመፀኩም እዩ፤ ክረኸበኩምውን እዩ፦
16
“ንስኻትኩም ኣብ ከተማ ርጉማት ክትኮኑ፥ ኣብ ገራሁውን ርጉማት ክትኮኑ ኢኹም።
17
“ከፈርኩምን መልወሲኹምን ዝተረገመ ክኸውን እዩ።
18
“ፍረ ኸርስኹምን ፍረ ምድሪኹምን ምፍራይ ኣላሕምኩምን ምፍራይ ኣባጊዕኹምን ርጉም ክኸውን እዩ።
19
“ንስኻትኩም ኣብ ምእታውኩም ርጉማት ክትኮኑ ኢኹም፤ ኣብ ምውፃእኹምውን ርጉማት ክትኮኑ ኢኹም።
20
“ንኣይ ሓዲግኩም ክፉእ ስለ ዝገበርኩም፥ ክሳዕ እትጠፍኡን ቀልጢፍኩም ድማ ኽሳዕ እትፈልሱን፥ እግዚኣብሄር ኣብ ኵሉ ተግባር ኢድኩም መርገምን ሁከትን ውርደትን ክሰደልኩም እዩ።
21
ካብታ ኽትወርስዋ እትኸዱ ዘለኹም ምድሪ ኽሳዕ ዘፍልሰኩም፥ እግዚኣብሄር ሕማም ፌራ ከልግበልኩም እዩ።
22
እግዚኣብሄር ብዘማስን ሕማምን ብዓሶን ብረስንን ብቝስልን ብሃሩርን ብድርቅን ብሕሞድያን ክወቕዐኩም እዩ፤ ክሳዕ እትጠፍኡ ድማ ኸሳጕጉኹም እዮም።
23
ኣብ ልዕሊ ርእስኹም ዘሎ ሰማይ ነሃስ፥ ኣብ ትሕቴኹም ዘላ ምድሪ ኸም ሓፂን ክትኮነኩም እያ።
24
እግዚኣብሄር ንዝናም ምድሪኹም በነንታን ሓመድን ክገብሮ እዩ። ክሳዕ እትጠፍኡ ኸዓ፥ እዙይ ካብ ሰማይ ክወርደኩም እዩ።
25
“እግዚኣብሄር ኣብ ቅድሚ ፀላእትኹም ተስዓርቲ ኽገብረኩም እዩ፤ ብሓደ መንገዲ ኽትከድዎም ኢኹም፤ ብሸውዓተ መንገዲ ኸዓ ኻብ ቅድሚኣቶም ክትሃድሙ ኢኹም፤ ኵሎም መንግስታት ምድሪ ድማ ብኣኻትኩም ከስካሕክሑ እዮም።
26
ሬሳታትኩም ምግቢ ዅሎም ኣዕዋፍ ሰማይን ኣራዊት ምድርን ክኸውን እዩ፤ ዘባርሮም ከዓ ኣይህሉን እዩ።
27
እግዚኣብሄር ፈውሲ ብዘይብሉ ብቝስሊ ግብፂ፥ ብሕበጥን ብመግለንጭዋን ብዓበቕን ብለሓሲቶን ገይሩ ኽወቕዐኩም እዩ።
28
እግዚኣብሄር፥ ብዕብዳንን ብዕውራንን ብድንጋፀን ክወቕዐኩም እዩ።
29
ዕዉር ብፀልማት ሃሰስ ከም ዝብል ድማ፥ ብቐትሪ ሃሰስ ክትብሉ ኢኹም፤ መንገድኹምውን ቅኑዕ ኣይኸውንን፤ ኣብ ዅሉ እትገብርዎ ኣይቐንዐኩምን እዩ። ኵልሻዕ ክትግፍዑን ክትዝመቱን ኢኹም፤ ዘድሕነኩም ከዓ የለን።
30
“ሰበይቲ ኽትሕፀዩ ኢኹም፤ ግና ኻልእ ምስኣ ኽድቅስ እዩ፤ ቤት ክትሰርሑ ኢኹም፤ ግና ኣብኡ ኣይትነብሩን ኢኹም። ወይኒ እውን ክትተኽሉ ኢኹም፤ ግና ኻብኡ ፍረ ኣይትእክቡን ኢኹም።
31
ብዕራይኩም ኣብ ቅድሚ ዓይንኹም ክሕረድ እዩ፤ ግና ኻብ ስጋኡ ኣይትበልዑን ኢኹም። ኣድግኹም ኣብ ቅድሜኹም ክዝረፍ እዩ፤ ኣይምለሰኩምንውን እዩ። ኣባጊዕኹም ንፀላእትኹም ክወሃባ እየን፤ ዝረድአኹም ድማ ኣይህሉን።
32
ኣወዳትኩምን ኣጓላትኩምን ንኻልእ ህዝቢ ኽወሃቡ እዮም። ንስኻትኩም ድማ ኽትርእይዎም ምሉእ መዓልቲ ዓይንኹም ብሃረርታ ቐባሕባሕ ክተብሉ ኢኹም፤ ግና ኣብ ኢድኩም ሓይሊ ኣይህሉን።
33
ፍረ ምድሪኹምን ኵሉ ፃዕሪኹምን ድማ ዘይትፈልጥዎ ህዝቢ ኽበልዖ እዩ። ኵልሻዕ ከዓ ግፉዓትን ጭኑቓትን ክትኮኑ ኢኹም።
34
ኣዒንትኹም ካብ ዝሪኡዎ ዝተልዓለ ዕቡዳት ክትኮኑ ኢኹም።
35
እግዚኣብሄር ክትሓውዩሉ ብዘይትኽእሉ፥ ብሕሱም ሕበጥ ኣብ ብርክኹምን ኣብ ዳንጋኹምን ካብ ከብዲ እግርኹም ክሳዕ መንበስበስታ ርእስኹም፤ ክወቕዐኩም እዩ።
36
“እግዚኣብሄር ንኣኻትኩምን ነቲ ኣብ ልዕሌኹም እተንግስዎ ንጉስኩምን፥ ቅድሚ ሕዚ ንስኻትኩምን ኣቦታትኩምን ናብ ዘይትፈልጥዎ ህዝቢ ኽሰደኩም እዩ። ኣብኡ ድማ ንኻልኦት ኣማልኽቲ፥ ንዕንፀይትን ንእምንን፥ ክተምልኹ ኢኹም።
37
ኣብ ማእኸል እቶም እግዚኣብሄር ናብኣቶም ዘእተወኩም ኵሎም ኣህዛብ ከዓ፥ መገረሚን መመሰሊን መፅረፊን ክትኮኑ ኢኹም።
38
“ኣብ ግራትኩም ብዙሕ ዘርኢ ኽትዘርኡ ኢኹም፤ ግና ኣንበጣ ኽበልዖ እዩ እሞ፥ ውሑድ ክትእክቡ ኢኹም።
39
ወይኒ ኽትተኽሉ፥ ክትኵስኵስዎውን ኢኹም፤ ግና ሓሰኻ ኽበልዖ እዩ እሞ፥ ወይኒ ኣይትሰትዩሉን፤ ሓደ እኳ ኣይትእክቡን ኢኹም።
40
ኣብ ኵሉ ሃገርኩም ኣውሊዕ ክኾነልኩም እዩ፤ ግና፥ እቲ ኣውሊዕኹም ክረግፍ እዩ እሞ፥ ዘይቲ ኣይትልከዩን ኢኹም።
41
ኣወዳትን ኣጓላትን ቈልዑ ኽትወልዱ ኢኹም፤ ግና ተማሪኾም ክኸዱ እዮም እሞ፥ ንኣኻትኩም ኣይኾኑን እዮም።
42
ንዅሉ ኣእዋምኩምን ፍረ ምድሪኹምን፥ ኵብኵብታ ኽወርሶ እዩ።
43
“ኣብ ማእኸልኩም ዘለዉ ስደተኛታት መመሊሶም ልዕሌኹም ክኾኑ እዮም፤ ንስኻትኩም ግና መመሊስኩም ትሕቲኦም ክትኮኑ ኢኹም፤
44
ንሳቶም ከለቅሑኹም እዮም፤ ንስኻትኩም ግና ኣይተለቅሕዎምን ኢኹም፤ ንሳቶም ርእሲ ክኾኑ እዮም፤ ንስኻትኩም ግና ጭራ ኽትኮኑ ኢኹም።
45
“ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ስለ ዘይተኣዘዝኩም፥ እቲ ዝኣዘዘኩም ትእዛዛቱን ሕግጋቱንውን ስለ ዘይሓለኹም፥ እዞም ኵሎም መርገማት ክወርዱኹም፥ ክሳዕ እትጠፍኡ ኽወርድኹም ከሳጕጉኹም ክረኽቡኹም እዮም።
46
እዙይ ንኣኻትኩምን ንውሉድ ወለዶኹምን ንዘለኣለም ንምልክትን ንመደነቕን ክኸውን እዩ።
47
ኵሉ ኣብዚሑ ስለ ዝሃበኩም፥ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ደስ ኢሉኩም ብሕጉስ ልቢ ስለ ዘየገልገልኩምዎ እዩ።
48
ስለዙይ ነቶም እግዚኣብሄር ዝሰደደልኩም ፀላእትኹም ኣብ ጥሜትን ኣብ ፅምእን ኣብ ዕርቃንን ኣብ ኵሉ ስእነትን ክትግዝእዎም ኢኹም። ክሳዕ ዘጥፍኡኹም ከዓ ኣርዑት ሓፂን ኣብ ክሳድኩም ከንብሩልኩም እዮም።
49
“ቋንቋኣቶም ዘይትሰምዕዎም ህዝቢ፥ ከም ንስሪ ዝነፍሩ ህዝቢ፥ እግዚኣብሄር ካብ ርሑቕ፥ ካብ ወሰን ምድሪ፥ ናባኻትኩም ከምፅእ እዩ።
50
ገፆም ዘፍርሕ ህዝቢ፥ ገፅ ሽማግለ ሪኦም ዘይሓፍሩ፥ ነናእሽቲ ዘየናሕስዩ ኸምፅእ እዩ።
51
ክሳዕ እትጠፍኡ ኸዓ፥ ውሉዳት መጓሰኹምን ከፍትኹምን ፍረ ምድሪኹምን ክበልዑ እዮም፤ ክሳዕ ዘጥፍኡኹም ስርናይ፥ ወይኒ፥ ዘይቲ፥ ምራኽ ላሕምኹም፥ ሌማታት ኣባጊዕኹም ኣይገድፉልኩምን እዮም።
52
እቲ ንስኻትኩም እትኣምንዎ ነዊሕን ፅኑዕን ቅፅርኹም ኣብ ኵሉ ሃገርኩም ክሳዕ ዝፈርስ፥ ንዅለን ከተማታትኩም ክኸቡወን እዮም። ኣብ ኵላ እታ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ዝህበኩም ምድሪ፥ ንዅለን ከተማታትኩም ክኸቡወን እዮም።
53
“ፀላእትኹም ከቢቦም ምስ ኣጨነቑልኩም፥ ስጋ እቶም እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ዝሃበኩም ደቅኹም ዝኾኑ ኣወዳትኩምን ኣጓላትኩምን ክትበልዑ ኢኹም።
54
ኣባኻትኩም ርህሩህን በቝባቝን ዝበሃል ሰብኣይ እኳ ንሓዉን ነታ ዘፍቅራ ሰበይቱን ነቶም ብህይወት ዝተረፉ ደቁን ብኽፉእ ዓይኒ ይሪኦም።
55
ካብቲ ዝበልዖ ዘሎ ስጋ ደቁ ኸዓ ንሓደ እኳ ኣይህብን እዩ። በቲ ፀላእትኹም ንዅለን ከተማታትኩም ከቢቦም ዘጨንቑኹም ጭንቂ ዝብላዕ ኻልእ ነገር ኣይተርፎን እዩ።
56
ኣባኻትኩም እታ ቝፅይፅይ እትብልን ሕንቅቕትን፥ ብሕንቃቐኣን ቍፅይፅይ ብምባላን ብእግራ ምድሪ ኽትረግፅ ዘይትደሊ ሰበይቲ እኳ ነቲ እትፈትዎ ሰብኣያን ንወዳን ንጓላን ብኽፉእ ዓይኒ ትሪኦም።
57
በቲ ፀላእትኹም ከቢቦም ኣብ ከተማታትኩም ዘጨንቁኹም ጭንቂ ዅሉ ነገር ስለ ዝሰኣነት፥ ነቲ ኻብ ማህፀና ዝወፀ መዳሕንትን ነቶም ዝወለደቶም ደቃን ተሓቢኣ ኽትበልዖም እያ።
58
“ነዝ ኣብዝ መፅሓፍ እዙይ ዝተፅሓፈ ዅሉ ቓል እዝ ሕጊ እዙይ ክትፍፅምዎ እንተ ዘይተጠንቂቕኩም፥ ነዝ ምስጉንን መፍርሕን ዝኾነ ስም እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ከዓ እንተ ዘይፈሪሕኹም፥
59
እግዚኣብሄር ዘስካሕክሕ መቕሰፍቲ ናባኻትኩምን ናብ ዘርእኹምን፥ ብርቱዕ እሞ ነዊሕ እዋን ዝፀንሕ መቕሰፍቲ፥ ሕሱም እሞ ነዊሕ እዋን ዝፀንሕ ሕማም ክሰደልኩም እዩ።
60
ነቲ ዝፈራሕኹምዎ ዅሉ ሕማም ግብፂ ናብ ልዕሌኹም ክመልሶ እዩ እሞ፥ ክለግበኩም እዩ።
61
ክሳዕ እትጠፍኡ፥ እግዚኣብሄር ኣብ መፅሓፍ እዝ ሕጊ እዙይ ዘይተፅሓፈ ዅሉ ሕማምን ኵሉ መቕሰፍትን ከምፅአልኩም እዩ።
62
ንቓል እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ስለ ዘይተኣዘዝኩም ንስኻትኩም ኣቱም ቅድም ምብዛሕኹም ከም ከዋኽብቲ ሰማይ ዝነበርኩም፥ ብቝፅሪ ውሑዳት ክትተርፉ ኢኹም።
63
እግዚኣብሄር ከምቲ ቐደም ከሀብትመኩምን ከብዝሐኩምን ብኣኻትኹም ደስ ዝበሎ፥ ከምኡ ኸዓ ብምጥፋእኹምን ፋሕ ብምባልኩምን ደስ ክብሎ እዩ። ካብታ ኽትወርስዋ እትኣትዉዋ ሃገር ክትንቀሉ ኢኹም።
64
“እግዚኣብሄር ድማ ኻብ ወሰን ምድሪ ኽሳዕ ወሰን ምድሪ ናብ ኵሎም ኣህዛብ ፋሕ ከብለኩም እዩ። ኣብኡ ድማ ብዕንፀይትን ብእምንን ንዝተሰርሑ ንስኻትኩምን ኣቦታትኩምን ንዘይትፈልጥዎም ንኻልኦት ኣማልኽቲ ኽትሰግዱ ኢኹም።
65
ኣብ ማእኸል እቶም ኣህዛብ እቲኣቶም ከዓ ሰላም ኣይትረኽቡን ኢኹም፤ እግርኹም ዘዕርፈሉ ምድሪ እውን ኣይህልወኩምን እዩ፤ ኣብኡ ኸዓ እግዚኣብሄር ዝንቅጥቀጥ ልቢ ዝፈዘዘ ዓይኒ ድኹም ነፍሲ ኸምፅአልኩም እዩ።
66
ህይወትወኩም ኣብ ቅድሜኹም ዝተንጠልጠለ ክኸውን እዩ፤ ለይትን መዓልትን ድማ ኽትፈርሑ ኢኹም፤ ብህይወትኩም ከዓ ኣይትተኣማመኑን ኢኹም።
67
ንስኻትኩም ስለ እትፈርሕዎ ፍርሓት ልብን፥ ብዓይንኹም ስለ እትሪኡዎ ምርኣይን፥ ጊሓት መኣዝ ይመሲ፥ ምሸትውን መኣዝ ይወግሕ ኽትብሉ ኢኹም።
68
በታ፥ ‘ደጊም መሊስኩም ኣይትሪእዋን ኢኹም’ ዝበልኩኹም መንገዲ፥ እግዚኣብሄር ብመራኽብ ገይሩ ናብ ግብፂ ኽመልሰኩም እዩ። ኣብኡ ድማ ተባዕትዮን ኣንስትዮን ባሮት ክትኮኑ፥ ንባዕልኻትኩም ናብቶም ፀላእትኹም ክትሸጡ ትደልዩ፥ ዝዕድገኩም ግና ኣይርከብን።”
← Chapter 27
Chapter 29 →