bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Deuteronomy 27
Deuteronomy 27
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ሙሴ ምስ ዓበይቲ እስራኤል ኮይኑ ነቶም ህዝቢ ኸምዙይ ኢሉ ኣዘዞም፦ “እዝ ዅሉ ኣነ ሎሚ ዝእዝዘኩም ዘለኹ ትእዛዝ ሓልውዎ።
2
ናብታ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ዝህበኩም ምድሪ፥ በታ ንፈለግ ዮርዳኖስ እትሳገሩላ መዓልቲ ዓበይቲ ኣእማን ኣቑሙ እሞ፥ ብኖራ ለቕልቕዎ።
3
ከምቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦታትኩም ዘተስፈዎ ናብታ ፀባን መዓርን እተውሕዝ ምድሪ፥ ናብታ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ዝህበኩም ምድሪ ምእንቲ ኽትኣትዉ ምስ ተሳገርኩም፥ ንቓላት እዝ ሕጊ እዙይ ኣብኡ ፀሓፍዎ።
4
ንፈለግ ዮርዳኖስ ምስ ተሳገርኩም ድማ፥ ነዝ ኣነ ሎሚ ዝእዝዘኩም ዘለኹ ነዝ ኣእማን እዙይ፥ ኣብ እምባ ጌባል ኣቑምዎ፤ ኖራ ኸዓ ለቕልቕዎ።
5
ኣብኡ ድማ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም፥ ሓፂን ብዘይነኽኦ ኣእማን፥ መሰውኢ ንደቑ።
6
ነቲ ናይ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም መሰውኢ ብዘይተወቕረ ኣእማን ንደቕዎ፤ ኣብኡ ኸዓ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ዝቃፀል መስዋእቲ ኣቕርቡ።
7
መስዋእቲ ምስጋና ሰዊእኹም ኣብኡ ብልዑ እሞ፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ተሓጐሱ።
8
ኵሉ ቓል እዝ ሕጊ እዙይ ድማ ግሉፅን ፅቡቕን ጌርኩም ኣብቲ ኣእማን ፀሓፍዎ።”
9
ሙሴ ምስቶም ሌዋውያን ዝኾኑ ኻህናት ኮይኑ ንዅሎም ህዝቢ እስራኤል ከምዙይ በሎም፦ “ኦ እስራኤል! ስቕ ኢልኩም ስምዑ፤ ሎሚ ህዝቢ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ኴንኩም ኢኹም።
10
እምበኣር ንቓል እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ተኣዘዙ፤ እቲ ኣነ ሎሚ ዝእዝዘኩም ዘለኹ ትእዛዛቱን ሕግጋቱን ከዓ ፈፅምዎ።”
11
ሙሴ ድማ በታ መዓልቲ እቲኣ ነቶም ህዝቢ ኸምዙይ ኢሉ ኣዘዞም፦
12
ዮርዳኖስ ምስ ተሳገርኩም፥ ነገዳት ስምኦን፥ ሌዊ፥ ይሁዳ፥ ይሳኮር፥ ዮሴፍ፥ ብንያም ኣብ እምባ ገሪዛን ቆይሞም ንህዝቢ ይባርኹ።
13
ነገዳት ሮቤል፥ ጋድ፥ ኣሴር፥ ዛብሎን፥ ዳን፥ ንፍታሌም ድማ ኣብ እምባ ጌባል ቆይሞም ይርገሙ።
14
ሌዋውያን ድማ፥ ንዅሎም ህዝቢ እስራኤል ብዓብዪ ድምፂ ኸምዙይ እናበሉ ይዛረብዎም፦
15
ብእግዚኣብሄር ዝተፀልአ፥ በእዳው ብልሓተኛ ዝተገብረን፥ ዝተወቕረን፥ ብፍሲ ምስሊ ዝተገብረን፥ ሓቢኡ ኸዓ ዘንብሮ፥ ርጉም ይኹን። ኵሉ ህዝቢ ኸዓ “ኣሜን” ይበል።
16
ኣቦኡን እኖኡን ዘቃልል ርጉም ይኹን። ኵሉ ህዝቢ ድማ “ኣሜን” ይበል።
17
ናይ ብፃዩ ናይ ወሰን ምልክት ዝደፍእ ርጉም ይኹን። ኵሉ ህዝቢ ኸዓ፥ “ኣሜን” ይበል።
18
ንዕዉር መንገዲ ዘጋግዮ ርጉም ይኹን። ዅሉ ህዝቢ ድማ “ኣሜን” ይበል።
19
ንስደተኛን ንደኽታምን ንመበለትን ፍርዲ ዘቐይንን ርጉም ይኹን። ኵሉ ህዝቢ ኸዓ “ኣሜን” ይበል።
20
ምስ ሰበይቲ ኣቦኡ ዝድቅስ፥ ክዳን ኣቦኡ ቐሊዑ እዩ እሞ፥ ርጉም ይኹን። ኵሉ ህዝቢ ድማ “ኣሜን” ይበል።
21
ምስ ዝኾነ እንስሳ ዝድቅስ ርጉም ይኹን። ኵሉ ህዝቢ ኸዓ “ኣሜን” ይበል።
22
ብኣቦ ኾነ ብእኖ ሓፍቱ ምስ ዝኾነት ዝድቅስ ርጉም ይኹን። ኵሉ ህዝቢ ድማ “ኣሜን” ይበል።
23
ምስ ሓማቱ ዝድቅስ ርጉም ይኹን። ኵሉ ህዝቢ ድማ “ኣሜን” ይበል።
24
ንብፃዩ ብስዉር ዝወቅዕ ርጉም ይኹን። ኵሉ ህዝቢ ድማ “ኣሜን” ይበል።
25
ንንፁህ ሰብ ክቐትል ጉቦ ዝቕበል ርጉም ይኹን። ኵሉ ህዝቢ ኸዓ “ኣሜን” ይበል።
26
ንቓል እዝ ሕጊ እዙይ ክፍፅሞ ኢሉ ዘየፅንዖ ርጉም ይኹን። ኵሉ ህዝቢ ድማ “ኣሜን” ይበል።
← Chapter 26
Chapter 28 →