bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Deuteronomy 26
Deuteronomy 26
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
“ናብታ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ንርስቲ ዝህበኩም ምድሪ ምስ ኣተኹም፥ ወሪስኩምዋ ድማ ኣብኣ ምስ ተቐመጥኩም፥
2
ካብታ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ዝህበኩም ምድሪኹም፥ እተእትውዎ ዅሉ መጀመርታ ፍረ ምድሪ ኣብ ከፈር ጌርኩም፥ ናብታ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ንመሕደሪ ስሙ ዝሓረያ ቦታ ኺዱ።
3
ናብቲ በተን መዓልቲታት እቲኣተን ዘሎ ኻህን ኣቲኹም ከዓ ‘ናብታ እግዚኣብሄር ንኣና ኽህበና፥ ነቦታትና ዝመሓለሎም ምድሪ ኸም ዝኣተና ሎሚ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ነፍልጥ ኣለና’ በልዎ።
4
እቲ ኻህን ድማ ነቲ ኸፈር ካብ ኢድኩም ወሲዱ ኣብ ቅድሚ መሰውኢ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም የንብሮ።
5
ንስኻትኩም ድማ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም፦ ‘ኣቦና ኸርተት ዝብል ሶርያዊ ነበረ፤ ንሱን ስድራኡን ናብ ግብፂ እንትወርዱ፥ ቍፅሮም ውሑድ ነበረ፤ ስደተኛታት ኮይኖምውን ኣብኣ ተቐመጡ፤ ኣብኣ ኸዓ ዓቢይን ሓያልን ብዙሕን ህዝቢ ኾኑ።
6
ግብፃውያን ግና ኽፉእ ገበሩና፤ ኣጨነቑና፤ ከቢድ ስራሕ ድማ ኣብ ልዕሌና ፀዓኑና።
7
ናብ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦታትና ኸዓ ተማህለልና፤ እግዚኣብሄር ድማ ቓልና ሰምዐ፤ እቲ ዝተገፋዕናዮን ድኻምናንውን ረአየ።
8
እግዚኣብሄር ብሓያል ኢድን ብብርቱዕ ቅልፅምን ብዘደንቕ ዓብዪ ነገርን ብምልክትን ብተኣምራትን ካብ ግብፂ ኣውፅአና።
9
ናብዛ ቦታ እዚኣ ኸዓ ኣእተወና፤ ነዛ ፀባን መዓርን እተውሕዝ ምድሪ ድማ ሃበና።
10
ሕዚ ኸዓ፥ ኦ እግዚኣብሄር፥ እንሆ፥ መጀመርታ ፍረ እታ ዝሃብካና ምድሪ ኣምፂእና ኣለና’ በሉ። ሽዑ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ኣንብርዎ፤ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ከዓ ስገዱ።
11
በቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ንኣኻትኩምን ንቤትኩምን ዝሃበኩም ኵሉ ፅቡቕ ነገር፥ ንስኻትኩምን እቲ ሌዋዊን ኣብ ማእኸልኩም ዝነብር ስደተኛን ከዓ ብሓደ ዄንኩም ተሓጐሱ።
12
“በታ ዓመት ኣስራት ዝኾነት ሳልሰይቲ ዓመት፥ ኣስራት ኵሉ እቶትኩም ምስ ኣውፃእኹም፥ ኣብ ውሽጢ ኸተማታትኩም በሊዖም ክፀግቡስ፥ ንሌዋዊን ንስደተኛን ንደኽታምን ንመበለትን ሃብዎም።
13
ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ድማ ‘ነቲ ዝተቐደሰ ኣስራት ካብ ገዛና ኣውፂእና፥ ከምቲ ዝኣዘዝካና ዅሉ ትእዛዛትካ፥ ንሌዋዊን ንስደተኛን ንደኽታምን ንመበለትን ሂብና ኣለና፤ ካብ ትእዛዛትካ ሓደ እኳ ኣየጕደልናን፤ ኣይረሳዕናንውን።
14
ብጊዜ ሓዘንና ኻብኡ ኣይበላዕናን፤ ዘይንፁሃት እንተለና ኸዓ ኻብኡ ኣየውፃእናን፤ ምእንቲ ምዉትውን ካብኡ ኣይሃብናን፤ ቃል እግዚኣብሄር ኣምላኽና ሰሚዕና ኣለና፤ ብዅሉ ነገር ድማ ኸምቲ ዝኣዘዝካና ገበርና።
15
ካብቲ ቅዱስ መሕደሪኻ፥ ካብ ሰማይ ጠምት እሞ ንህዝብኻ እስራኤልን ነታ ኸምቲ ነቦታትና ዝመሓልካሎም፥ ንኣናውን ዝሃብካና፥ ፀባን መዓርን እተውሕዝ ፍርያም ምድሪ ባርኽ።’
16
“በዛ መዓልቲ እዚኣ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ነዝ ሕግጋትን ትእዛዛትን ክትፍፅምዎ ይእዝዘኩም ኣሎ እሞ፥ ብምሉእ ልብኹምን ብምሉእ ነፍስኹምን ሓልውዎን ፈፅምዎን።
17
እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ከም ዝኾነ፥ ንስኻትኩም ድማ ብመንገዱ ኸም እትኸዱ፥ ሕግጋቱን ትእዛዛቱን ፍርድታቱን ከም እትሕልዉ ቓሉውን ከም እትሰምዑ ሎሚ ኣፍለጥኩም።
18
እግዚኣብሄር ከዓ ሎሚ ንስኻትኩም ከምቲ ዝበለኩም፥ ህዝቡ ኸም ዝኾንኩም፥ ከምቲ ንሱ ዘተስፈወኩም ከዓ ብፍላይ ገንዘቡ ኸም ዝኾንኩም፥ ኵሉ ትእዛዛቱ ድማ ኸም እትሕልዉ ኣፍለጥኩም።
19
ንሱ ኸዓ ልዕሊ ዅሎም ዝፈጠሮም ህዝብታት ልዕል ከም ዘብለኩም፥ ንስኻትኩም ከዓ ንስሙ ኽብርን ምስጋናን ከም እተቕርቡ፥ ከምቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ዝበለኩም ድማ ንእኡ ዝተቐደሰ ህዝቢ ኸም እትኾኑ ኣፍለጠኩም።”
← Chapter 25
Chapter 27 →